ድለ

ዝተረስዑ ግጭታት ሎሚ እውን ከቢድ ሰብኣዊ ዋጋ የኽፍል ኣሎ! ዝተረስዑ ግጭታት ሎሚ እውን ከቢድ ሰብኣዊ ዋጋ የኽፍል ኣሎ! 

ዝተረስዑ ግጭታት ሎሚ እውን ከቢድ ሰብኣዊ ዋጋ የኽፍል ኣሎ!

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎን ከምኡ እውን ዝተረስዑ ውግኣት ንብዙሓት ዘድምይ ዘሎ ኲናት ሓደራ ሸለል ኣይንበሎ፡ ሎሚ ብዙሕ ውግእ ኣሎ፡ ነቶም ዝሳቐዩ ንሓግዞም ንጸሊ . . . ጸሎት ንዓለም ዝሕሉን ዘጽንዕን ልኡም ሓይሊ ስለ ዝኾነ!

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 2 ሓምለ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖም ምስ ደገሙ፥ ኩሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ፡ ነቲ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውም ማሕበራውን ዋጋ ዘኽፍል ብዙሕ ግጭታትን ዓመጽን ዝመልኦ ኲናት ከይርስዑን እዚ ኩሉ ግብረ ዕንወትን ሞትን ከብቅዕ መታን ክጽልዩን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሰላም ምጽላይ ከይንደክም ሓደራ ቢሎም፥ ናብቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይንን ካልኦት ዝተረስዑ ውግኣትን እናሓሰቡ፥

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎን ከምኡ እውን ዝተረስዑ ውግኣት ንብዙሓት ዘድምይ ዘሎ ኲናት ሓደራ ሸለል ኣይንበሎ፡ ሎሚ ብዙሕ ውግእ ኣሎ፡ ነቶም ዝሳቐዩ ንሓግዞም ንጸሊ . . . ጸሎት ንዓለም ዝሕሉን ዘጽንዕን ልኡም ሓይሊ ስለ ዝኾነ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ዝተረስዑ ዝመስሉ ግጭታት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውን ማሕበራውን ዋጋ ዘኽፍል ከምቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘይምርግጋእ ኪኖ ዶባት ዝሰፍሕ ዘሎ ኲናት ከም ዝዘከሩ ኣፍሊጡ።

ሱዳን

ካብ መባእታ ናይዚ ዓመት እዚ ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት ማለት እሙናት ሰራዊት መንግስትን ናይ ህጹጽ ሓደጋ ተኸላኻሊ ሓይልን ብዝተፈጥረ ግጭት፥ ሞትን ማህሰይትን ዕንወትን ስደትን ምዝብልናን ይሰፍሕ ከምዘሎን እዚ ካብ ካርቱም ተበጊሱ ናብ ዳርፉር ዝተዘርግሐ ሕድሕዳዊ ግጭት ኣስታት 2.5 ሚሊዮን ሱዳናውያን ከም ዘመዛበለን ልዕሊ ሓደ ሺሕ ዝግመቱ ንሞት ከምዝዳረገን ክሕበር እንከሎ፡

ሳሄልን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን

ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሔል ካብ ኣትላንቲ ውቅያኖስ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ 5,400 ኢሎ ሜትር ዝሽፍን ከባቢ ዘሰክፍ ፍጻሜታት ይርአ ከምዘሎን ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝን ሓለዋን ዘድልዮም ኮይኖም ከም ዘለዉን ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ዘካይድዎ ዘለዉ ሓድሕዳዊ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ጥፋእት ይሰፍሕ ምህላዉን ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥

የመን ሶሪያ ዩክሬይን

ኣብ ካልኦት ቦታታት ኣብ የመን ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ እዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብዙሕ ይሻቐል ምህላዉን ኣብ 2014 ዓ.ም. ዓማጽያን ዕጡቓት ሓይሊ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ሓዊሱ መብዛሕቲኡ ክፋላት እታ ሃገር ምስ ተቖጻጸረ፡ ዕረፍቲ ዝነስእ ዓመጽ ምህላዉን ኣብ 2015 ዓ.ም. ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት ናብቲ ኲናት ምስ ተጸንበረ እቲ ውጥረት ኣዚዩ ከም ዝገደደን ከምኡ እውን ኣብ ሶሪያ ዋላ እውን ኣብ ማዕከናት ዜና ቀዳሜ ገጽ ዘይወሃቦ ይኹን ካብ 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ንሞት ዝዳረገ ዓመጽ ገና ይቕል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም እቲ ኣብ ሶሪያ ግዝኣት ኢድሊብ ብሩሲያ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነፈርቲ ብውሑድ 11 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣብታ ሃገር ዘሎ ተጻብኦ ብዙሕ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 July 2023, 15:27