ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሽወደን ዝተፈጸመ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ብሓቂ የሕዝን! ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሽወደን ዝተፈጸመ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ብሓቂ የሕዝን!  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሽወደን ዝተፈጸመ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ብሓቂ የሕዝን!

. . . ዕላማና ነቲ ሃይማኖታዊ ስምዒት ናብ ምትሕግጋዝ ናብ ሕውነት ናብ ጭቡጥ ሰናይ ስራሕ ምቕያር እዩ፡ ሎሚ ሃነጽቲ ሰላም እምበር ኣፍረይቲ ኣጽዋር ኣየድልዩናን። ሃነጽንቲ ሰላም እምበር ግርጭት ዘለዓዑሉ ኣይኮኑን ዘድልዩና። መጥፋእቲ ሓዊ እምበር ሓዊ ዘባርዑ ኣይኮኑን ዘድልዩና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኤሚራት ዓረብ ምስ ዝሕተም ኣል - ኢቲሓድ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣገዳስነት ናይቲ ዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝምልከት ሰነድ ከምኡ እውን ኣደዳ ናይ ሓሶት ተስፋን ናይ ስልጣነ ግጭትን ከይኾኑ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ዝሓትት ዕማም ምዃኑ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ምስቲ ናይ ኣል ኢቲሓድ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ሓማድ ኣል ካቢ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሽወደን ዝተፈጸመ ምንዳድ ቅዱስ ቁርዓን ዝምልከ ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “እቲ ተግባር ዘቖጥዕን ፍንፉንን” እንክብሉ ገሊጾም፥ ዝኾነ ይኹን መጽሓፍ ብሰዓብቲ ሃይማኖታት ቅዱስ ተገይሩ ዝሕሰብ መጻሕፍቲ ንሰዓብቱ ወይ ምእመናን ካብ ዘለዎ ኣኽብሮት ተበጊሱ ክኽበር ኣለዎ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ድማ ንኻልኦት ንምንዓቕ ከም መመኽነይታ ፈጺሙ ክውዕል የብሉን። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ምፍቓድ ክንጸግን ክኹነንን ኣለዎ” ኢሎም።

ከምኡ እውን ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረሎም ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ኩነታት ጥዕናኦም እንታይ ይመስል ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ብርግጽ እቲ መጥባሕቲ ከቢድ እዩ ነይሩ፥ ሕጂ ግን ኣምላኽ ይመስገን ሳላ ተወፋይነትን ብቅዓትን ናይቶም ኣዚየ ዘመስግኖምን ዝጽልየሎምን ሓኻይምን ሰራሓተይናታት ኣለይቲ ሕሙማንን ጽቡቕ ኣለኹ . . . ስለ እቶም ምእንታይ ዝጸለዩን ዝጽልዩን ኣባይቲ ስድራን ምእመናንን ካልኦት እውን ብሓቒ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ከመስግን እፈቱ” ይብሉ።

ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡዳቢ ዘካየድዎ ዑደት ብምዝካር፥ ሕውነትን ሰላምን ምክብባርን ምጽውዋርን ንምስፋሕ ዝተወስደ መገዲ፡ ንተወፋይነት ሕቡራት ኤሚራት ዓረብን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድን ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም፡ መንእሰያት ኣደዳ ናይ ሓሶት ተስፋታትን ናይ ስልጣኔታት ግጭት ከይኮኑ ምሕጋዝ ከም ዘድልን፥ “ንመንእሰያት ካብ ኣሉታዊ መልእኽትታትን ሓሶትን ዝተመሃዘ ዜናን ከምኡ እውን ካብ ፈተና ንዋታዊነትን ጽልእን ዓመጽን ዝከላኸለሉ እንኮ መገዲ፡ ኣብዚ ውግእ እዚ ንበይኖም ዘይምሕዳግ እዩ . . . ግን ከኣ ናጽነትን ምስትውዓልን ሓላፍነትን ዝኾኑ ኣድለይቲ መጋበርያታት ምቕራብ የድሊ። ንሰብ ዝፈልዮ ውህበት ናጽነት እዩ! እግዚኣብሔር ንኽንነጽጎ ከይተረፈ ናጻ ገይሩ ፈጢሩና፡ ንኽዓብዩን ንኽመሃሩን ክንሕግዞም፡ ናይ ኣተሓሳስባን ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ኣገዳሲ እዩ፡ ክመርጹን ክውስኑን ዓቕሚ ዘይብሎም ገርና ኣብ ምሕላው ተመክሮ ፈጺምና ክንወድቕ የብልናን - ንሳቶም ህልዋት እዮም፡ ኣብኦም ወፍሪ ምግባር ማለት ቀጻልነት ምውሓስ ማለት እዩ፥ እዚ ድማ ‘ካልኦት ክገብሩልካ እትደልዮ ግበር’ ዝብል ወርቃዊ መምርሒ ብምስዓብ” ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሰነድ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፥ ኣብ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝመጹ ዝቕበለዎም ኣጋይሽን ልኡካንን ኩሉ ግዜ ነታ ሰነድ ከም ገጸ በረኸት ከም ዝህብዎም ኣረጋጊጾም፥ “ምኽንያቱ ንዘተ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ ሰባት ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ንኽህሉ ዝድግፍ ኣገዳሲ ጽሑፍ ምዃኑ ስለ ዝኣምን እየ፡ ናይ ሕውነት ወይ ናይ ጽልኢ ስልጣነ ክህሉ እዩ . . . መጻኢ ወይ ብሓባር ንሓንጾ ወይ ፈጺሙ ኣይክህሉን እዩ፡ . . . ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ መልእኽትን ዓላማን እቲ ሰነድ ብምቕባሉ ሕጉስ እየ፡ ሰብኣዊ ሕውነት ዓለም ዘድልያ ፈውሲ እዩ . . . መጻኢ ምትሕብባር ሃይማኖታት ኣብ መትከል ምትሕግጋዝ፡ ምኽባር ነቲ ካልእን ሓቅን ዝተመስረተ እዩ።”

. . . ዕላማና ነቲ ሃይማኖታዊ ስምዒት ናብ ምትሕግጋዝ ናብ ሕውነት ናብ ጭቡጥ ሰናይ ስራሕ ምቕያር እዩ፡ ሎሚ ሃነጽቲ ሰላም እምበር ኣፍረይቲ ኣጽዋር ኣየድልዩናን። ሃነጽንቲ ሰላም እምበር ግርጭት ዘለዓዑሉ ኣይኮኑን ዘድልዩና። መጥፋእቲ ሓዊ እምበር ሓዊ ዘባርዑ ኣይኮኑን ዘድልዩና!”

. . . ድሕሪ ምሕታም እቲ ሰነድ፡ ዝተጀመረ ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታት ዘኪሮም። ብዛዕባ ሕውነት ምዝራብ ቀሊል እዩ፡ እቲ ሓቀይና መዐቀኒ ሕውነት ግን ብጭቡጥ ክንሕግዝን ብጭቡጥ መገዲ ክንበርን ክግለጽን እዩ ዘለዎ። ንዝተሸገሩን ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡን ምድሓንን ምድጋፍን ምእንጋድን ዝብልን ዝነብርን ሰብኣውነት፡ ኩሉ ሰናይ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ከቕርብ ኣለዎ። ነቶም ከማይ ዝሓስቡ ወይ ዝኣምኑ ጥራይ ጽቡቕ እንተገይረሎም ጽቡቕ ናተይ ምስሉይነት እዩ፡ ምኽንያት ሰናይ ኣድልዎን ምግላልን ስለዘይፈልጥ።” . . . ብዛዕባ ምውሳኽ ስግኣታት ግብረ ሸበራ ብዝምልከት፥  . . . ኩሉ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባራት ከም ምጽናት ዓሌት ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ግዱድ ምምዝባል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምንጻል ጥንስን ምቕታልን ከምኡ እውን ነዚ ኩሉ ዝድግፍ ሕግታትን” ኮኒኖም፡ ኣብ መወዳእታ፥ ኣብ ኣቡዳቢ ዝርከብ ቤት ኣብርሃም እተሰምየ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ እተወፍየ ቤተ ክርስቲያን መስጊድን ምኩራብን ዝሓቁፍ ቦታ፡ መትከል ሕውነት ደቂ ሰባት ንምትግባር ዝተፈጥረ ምዃኑ ዘኪሮም ኣድናቖቶም ገሊጾም፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ህጹጽ ኩነታት ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ክዛረቡ እንከለዉ፥ ነዚ ቅልውላው እዚ ንምፍታሕ እቲ እንኮ ኣድማዒ መገዲ ነቲ ሓቀይና ጸገማት ናይቲ ስነ ምህድር ቅልውላው ክውንነታዊ ፍታሕ ምርካብ እዩ፡ ከይደንጎና መግለጽታትና ናብ ተግባር ክንቅይሮ ኣሎና . . . “ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 July 2023, 15:34