ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ጉባኤ ካርዲናላት ጸዊዖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ጉባኤ ካርዲናላት ጸዊዖም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ጉባኤ ካርዲናላት ጸዊዖም

“ንሓደስቲ ካርዲናላት ንጸሊ! ምስ ክርስቶስ መሓርን እሙንን ሊቀ ካህናት ዘለዎም ምትእስሳር ከረጋግጹን ንናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ኣገልግሎቶም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንሰናይ ምሉእ እሙን ህዝበ እግዚኣብሔርን ክሕግዙ መታን” ብዝብል ጻውዒት ዕለት 30 መስከረም 2023 ዓ.ም. 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ንዕለት 30 መስከረም 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ጉባኤ ካርዲናላት ከምዝጠለቡን፥ ምእንቲ እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት እውን ክጽለ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንሓደስቲ ካርዲናላት ንጸሊ! ምስ ክርስቶስ መሓርን እሙንን ሊቀ ካህናት ዘለዎም ምትእስሳር ከረጋግጹን ንናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ኣገልግሎቶም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንሰናይ ምሉእ እሙን ህዝበ እግዚኣብሔርን ክሕግዙ መታን” ብዝብል ጻውዒት ዕለት 30 መስከረም 2023 ዓ.ም. 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ከምዝጠለቡ፥ ባዕሎም ዕለት 9 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 30 መስከረም ሓደስቲ ካርዲናላት ንምሻም ጉባኤ ካርዲናላት ክካየድ ምዃኑ ከፍልጥ እፈቱ፡ እቶም ካርዲናል ዝስመዩ ናይታ ንዅሉ ህዝቢ ዓለም ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ ኣማላኽ እትእውጅ ኵላውነት ቤተ ክርስልቲያን ዘንጸባርቑ እውን እያቶም” እንክብሉ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብተወሳኺ ቅዱስ ኣቦና፥ እቶም ኣብ ሃገረ ስብከት ሮማ ዝውሰኹ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ መንጎ መንበረ ጴጥሮስን ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያናት ዘሎ ዘይነጻጸል ምትእስሳር ዘርኢ እዩ” ከምዝበሉን፥ እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ፥ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሮበርት ፍራንሲስ ፕሮቮስት ናይ ብምራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ክላውዲዮ ጉጆሮቲ፥ ናይ ሆንግ ኮንግ ሊቀ ጳጳሳት እስተፈን ክሪው ሳው ያን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ ፒየር፥ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኤሚል ፖል ሸርግ፡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ክርስቶስፈር ልዊስ ጊዮርገስ ፒየር፥ ናይ ከፕታውን ሊቀ ጳጳሳት ስተፈን ብሪስሊን፥ ናይ ኮርዶባ ሊቀ ጳጳሳት ኣንገል ሲስቶ ሮሲ፥ ናይ ቦጎታ ሊቀ ጳጳሳት ልዊስ ኾሰ ሩአዳ ኣፓሪሲዮ፥ ናይ ሎድዝ ሊቀ ጳጳሳት ግርዘጎርዝ ርይስ፥ ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ስተፈን ኣመዩ ማርቲን ሙላ፥ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ኾሰ ኮቦ ካኖ፥ ናይ ቶብራ ተሓባበሪ ጳጳስ ሊቀ ጳጳሳት ፕሮታሰ ሩጋምብዋ፥ ናይ ፐናንግ ሊቀ ጳጳሳት ሰባስቲያን ፍራንሲስ፥ ናይ ኣጃቾ ተራዳኢ ጳጳስ ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሱዋ ኻቪይር ቡስቲሎ፥ ናይ ሊዝበን ተራዳኢ ጳጳስ ኣመሪኮ ማኑኤል ኣልቨስ ኣጉያር፡ ናይ ሳሊዥያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ክብሩ ኣባ ኣንገል ፈርናንደዝ ዝርቲመ፥ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኣጎስቲኖ ማርከቶ፡ ናይ ኩማና ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ዲየጎ ራፋኤል ፓድሮን ሳንቸስ፥ ኣብ ቡወኖስ ኣይረስ ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ቤተ መቐድስ ኣናዛዚ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣባ ልዊስ ፓስካል ድሪ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 July 2023, 15:19