ድለ

20203.07.16ር.ሊ.ጳ. ን2023 ዓ.ም. ሕታም ጽንምብል ፊልም - ጂፎኒ ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም 20203.07.16ር.ሊ.ጳ. ን2023 ዓ.ም. ሕታም ጽንምብል ፊልም - ጂፎኒ ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም 

ር.ሊ.ጳ. ን2023 ዓ.ም. ሕታም ጽንምብል ፊልም - ጂፎኒ ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም

ውሽጢ ናይቲ ኣብ ዓመት መጸ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ጂፎኒ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጽምብል ናይ ፊልም ንሕጻናትን መናሰያትን ኣብ ኣውራጃ ሳሌርኖ ከተማ ጂፎኒ ቫለ ፒያና ንኣስታት ዓሰርተ መዓልቲ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ

ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ካምፓኒያ ዝካየድ ናይ 2023 ዓ.ም. “መተካእታ ዘይብሉ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘተኮረ ባህላዊ ፍጻመ ሲነማታትን ስነ ጥበብን ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣስታት ሚእቲ ዝግመቱ ደያኑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ኣብ ጉዳይ ሕጻናት ንዝውፈዩ ኩሎም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ንናይ ሕጻናት ፊልምን ስነ ጥበብን ስራሕ ዘማእከለ ብጂፎኒ ዝፍለጥ ጽምብል በቢ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ ለምዘበን ካብ ዕለት 20 – 29 ሓምላ መበል 53 ሕታም ክካየድ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮንይኑ፡ ካብቶም ዕለት 16 ሓምለ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝተረኽቡ 15 ሺሕ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ውሽጢ ናይቲ ኣብ ዓመት መጸ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ጂፎኒ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጽምብል ናይ ፊልም ንሕጻናትን መናሰያትን ኣብ ኣውራጃ ሳሌርኖ ከተማ ጂፎኒ ቫለ ፒያና ንኣስታት ዓሰርተ መዓልቲ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፥ እቶም ኣብቲ ጽምብል ምሩጽ ናይ ፊልምን ስነ ጥበብ ስርሓት መረጽቲ ሚእቲ ደያኑን ሕጻናትን ዝርከብዎም ከም ዝነበሩን ቅዱስነቶም ንኣኣቶም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ጸሎቶም እውን ከም ዘረጋገጹን ንኹሎም ምስቶም ዝነኣሱ “ኣብ ናይ ሓጋይ ንጥፈታት” መደባት ብምስታፍ ስለ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፥ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ናይ ሓጋይ መደብ ንሕጻናት ተዋፊሮም ንዘገልግሉ ዘለዉ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

17 July 2023, 16:19