ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ነቢይ ንኢየሱስ ንኽልኦት ዘመልክት ዝምስክር ሎሚ ኣብ ምንባር ንመጻኢ ከም መደባቱ ንምህናጽን ዝሕግዝ እዩ!

“ንኻልኦት ብምስማዕ ግርጭታት ምውጋድ”  ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሓምለ 2023 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 10, 37 – 42 ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክኸውን እንከሎ፥ ውሳኔ ኣብ እንገብረሉ እዋን ጸሎትን መንፈስ ቅዱስ ክንጽውዕን ነቲ ካልእ ንምርዳእ ብቕኑዕ ድሌት ምስማዕን ኣገዳሲ እዩ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማቴ. 10, 41 ጠቒሶም፥ “ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ” ቢሎም፡ ናይ ሎሚ ነብያትን ጻድቕን ምቕባል ኣድላይነቱ ኣዘኻኺሮም፡ ካብ ጸጋ ጥምቀት ኩላትና ህያብ ትንቢታዊ ተልእኾ ከም ዝተቐበልና እመልኪቶም፥ “ነፍሲ ወከፍና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቢያት ኢና!’

ኩላትና ነቢያት ኢና

“ንቢዪ ማለት ንኻልኦት ብተግባር መንፈስ ቅዱስ ንህልው ኩነታት ከንብቡ፡ መደባት ኣምላኽ ክርድኡን ምስኡ ክሰማምዑን” ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጾም፡

ነቢይ ንኢየሱስ ንኽልኦት ዘመልክት ዝምስክር ሎሚ ኣብ ምንባር ንመጻኢ ከም መደባቱ ንምህናጽን ዝሕግዝ እዩ!

“ኩላትና ነቢያት ኢና! ቢሎም፡ መሰኻኽር ኢየሱስ ንእግዚኣብሔር ንኻልኦት ዘመልክቱ ፍቕራዊ ምልክታት ነጸብራቕ ብርሃነ ክርስቶስ ኣብ መንገዲ ሕውነትን ኣሓትነትን! ምእመናን፥ “ከም መሰኻኽር ኢየሱስ ኮይኖም ዝነብሩ ድዮም? ቁሩብ ካብ ብርሃኑ ናብ ህይወት ካልኦት የብጽሑ ድዮም” እንክብሉ ሓቲቶም፥ ነፍሲ ወከፍና ነዛ ሕቶ እዚኣ ንገዛእ ራስና ነቕርብ፥ ገዛእ ርእስና ንገምግም፡ ምስክርነተይ እንታይ ይመስል፡ ትንቢይተይ እንታይ ይመስል?” ቢልና ንሕተት።

ንዅሉ ምስማዕ

ኣብ ወንጌል ጐይታ ሰባት ንነቢያት ብሓጎስ ኽቕበሉ ከም ዝሓትት ኣስተብሂሎም፥ “ከም ተሰከምቲ መልእኽቲ እግዚኣብሔር መጠን ነፍሲ ወከፍ ከከም ኩነትቱን ጸዋዕታኡን ንሓድሕድና ምቕብባል ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ኣብ እንነብረሉ ቦታ ኣብ ስድራ ቤት ኣብ ሰበኻ ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን ክግበር ዘለዎ ምዃኑ ኣረዲኦም። ከምኡ እውን መንፈስ፥ “ኣብ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ውህበት ትንቢት ከም ዝዓደለ” ምስትውዓል፡ ደሓር ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዋላ እቲ ዝነኣሰ ኣገዳሲ ትንቢታዊ ህያብ ከም ዘለዎ ተኣሚንካ ምስማዕን ምዝራብን ሰናይ እዩ። ንክርስቲያን ንሰባት “ዘሐጉሰና ስለ ዝዛረቡ ዘይኮነስ ከምቲ ዘለዎም ህያባት ተቐባልነት ከም ዘለዎምን ዋጋ ከም ዝወሃቦምን ምእንቲ ክስምዖም” እንክብሉ ዓዲሞም፥

ብኸምዚ ኣገባብ ክንደይ ግርጭታት ክወገድን ክፍታሕ ከም ዝክእል ነስተንትን፡ ንሓድሕድና ክንረዳዳእ ልባዊ ድሌት ሒዝና ንኻልኦት ምስማዕ!

እብክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም ምስ ኩሎም ነጋድያን ብሓባር ጽሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከም ዝድገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 July 2023, 15:20