ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ

ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን ንሰላም ሓቢርና ክንሰርሕ እምበር ናይ ውግእ ስልጣን ከነዕቢ የብልናን! “ሰላም ብገዛእ ርእስና ክንበጽሖ እንኽእል ነገር ዘይኮነስ ቅድሚ ኩሉን ልዕል ኩሉን ውህበት እግዚኣብሔር እዩ፡”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንዝሓበሩ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ዕለት 30 ሰነ ኣብ ሕዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ካብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንዝሓበሩ ልኡካን ፓትሪይታርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ከምቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ  ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መንበር ልኡካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝሳተፉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ዓመት መጸ ኣብ ክብረ በዓል ቁዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ከም ዝሓብሩ ዝዝከር ኮይኑ፥ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ዘሐይል ከም ዝኸውን ኣዘካኺሮም፥

ናብ ሓድነት ዝወስድ መገዲ

ቅዱስነቶም ናይ ሓድነትን ናይ ሰላምን ክብርታት ኣጉሊሖም፡ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክስቲያን ሓባራዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ዝካየድ ዘተ፡ ሓባራዊ ጉባኤ ውጽኢቱን እዚ ድማ ኣብ ካልኣይ ሺሓውን ሎሚን ብዛዕባ ሲኖዳውነትን ቀዳምነትን ዝምልከት ዝወጸ ናይ ሓባር ሰነድ ንኢዶም፡ “ኣብ ካልኣይ ሺሕ ዓመት ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ዝምድናን ሲኖዳውነትን ቀዳምነትን ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ኣብ ሓባራዊ ንባብ ምውፋር ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፡” ሎሚ እውን፥ “ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ሲኖዳውነት ብደረጃ ኣድማሳዊ፥ ኣብ ሱታፌ ኵላዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቀዳምነት ዘንብር ኣገባብ ብሓባር ክንደሊ ንጽዋዕ።”

ጳጳስ ሮማ “ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገረ ስብከትን ንማሕበረሰብ ካቶሊክን” ዘስተማቕሮ መሰላት ግድን ናብ ማሕበረሰባት ኦርቶዶክሳውያን ክዝርጋሕ ኣለዎ ከም ዘይብል” ኣነጺሮም፡ ኣብያተ ክርስቲያን “ብእምነትን ፍቕርን ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝጥርነፋ እቲ ቅርጺ . . . ጳጳስ ሮማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣድማሳዊ ደረጃ ናይ ሱታፌ ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ቀዳምነትን ሲኖዳውነትን ዘሎ ዘይነጻጸል ዝምድና ክኸውን ኣለዎ።” ማዕረ ማዕሪኡ “ምሉእ ሓድነት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነን፡ እቲ ሓድነት በዚ መንፈስ እዚ እዩ ክድለ ዘለዎ” ቢሎም፥ ኣብ ብዙህነቶም ሕውነታዊ ጽምኢ” ክለዓል ኣለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ ሰላም ምጭናቕ

ሓባራዊ ሕውነታዊ ኣረኣእያ “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ማለት ሓዘንን ሓጎስን ጸበባን ተስፋን” ከምኡ እውን ስክፍታታትን “እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ስክፍታ ሰላም ብፍላይ ኣብታ ብኩናት ዝተሃስየት ዩክሬይን ዘሎ ስክፍታ ንምክፋል ድርኺት ክኸውን ይኽእል፡ ነፍሲ ወከፍ ኩናት “ፍጹም” ሓደጋ ምዃኑን ንውልቀ-ሰባትን ስድራ ቤትን ብርግጽ ድማ ንኹሉ ፍጥረት ዝጎድእ “ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ምዕናው ግድብ ኖቫ ካኮቭካ ዝረኣናዮ።” . . .፥

ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን ንሰላም ሓቢርና ክንሰርሕ እምበር ናይ ውግእ ስልጣን ከነዕቢ የብልናን!

“ሰላም ብገዛእ ርእስና ክንበጽሖ እንኽእል ነገር ዘይኮነስ ቅድሚ ኩሉን ልዕል ኩሉን ውህበት እግዚኣብሔር እዩ፡” ማዕረ ማዕሪኡ ግን “ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ሰላም ስራሕ ክካፈሉ ዝተጸውዑ ምዃኖምን ተቐባልነት ዝሓትት ህያብ ኮይኑ ይቕጽል።”

ብፍላይ ክርስቲያን፥ “ርእስ ማእከልነትን ኢጎነትን ዝብል ኣተሓሳስባ ብናይ እግዚኣብሔር ‘ቅዲ’ ክቃወም ኣለዎ፡ እዚ ድማ ከምቲ ክርስቶስ ብኣብነቱ ዝመሃረና ናይ ኣገልግሎትን ገዛእ ርእስኻ ምውፋይን ማለት እዩ” ቢሎም፥ “ንሕና . . . ነቲ ቅዲ ሰቢእና ኣብ ሓድሕዳዊ ሕብረት ብምዕባይ ክርስቲያን ነታ ብፍልልያትን ዘይምስምማዕን እትለለ ዓለም ከም ዝሕግዙን ርግጸይናታት ክኾኑ ይኽእሉ” ቢሎም፥ “ብኣማላድነት ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ከምኡ እውን ቅዱስ እንድሪያስ ሓው ጴጥሮስን፡ እዚ ርክብ እዚ ኣብ እምነትን ፍቕርን ናብ ሓድነት እንገብሮ ጉዕዞ ተወሳኺ ስጉምቲ ክኸውን እጽሊ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 July 2023, 16:26