ድለ

እቶም ናይ ንስሓ ኣቦ ዝነበሩ ምስ ኢየሱስ ኣብ መሓርነቱ ዝራኸብዎ ኣባ ድሪ ካርዲናል ክሽየሙ ኢዮም! እቶም ናይ ንስሓ ኣቦ ዝነበሩ ምስ ኢየሱስ ኣብ መሓርነቱ ዝራኸብዎ ኣባ ድሪ ካርዲናል ክሽየሙ ኢዮም! 

እቶም ናይ ንስሓ ኣቦ ዝነበሩ ምስ ኢየሱስ ኣብ መሓርነቱ ዝራኸብዎ ኣባ ድሪ ካርዲናል ክሽየሙ ኢዮም!

ኣምላኽ ግና ይቕበለካ፣ ኣምላኽ የፍቅረካ፣ ኣምላኽ ምሳኻ ይኸይድ፣ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልካ ደኣ እምበር ኪቐጽዓካ ኣይመጸን፣ ምሳና ኪኸውን መጺኡ፣ ምሳና ኪኸውን ሰማይ ሓዲጉ እዩ

ኣብ መንጐ እቶም ትማሊ ሰንበት አተመዙ ሓደስቲ ካርዲናላት እቲ ናይ መወዳእታ ኣባ ሉዊስ ድሪ እተባህሉ ወዲ 96 ዓመት ካብ ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺኒ ኣዝኾኑ፣ ኣብቲ ኣብ ቦናስኣይረስ ዝርከብ ቤተ-መቕደስ ናይ አኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፖምፐይ ንሓያሎ ዓመታት ኣቦ ንስሓ ብምዃን ዘገልገሉ ኢዮም። ምሸት ምሸት ኣብ ክንዲ እቲ ብዙሕ ፍትሓት ምሃቦም ኣብ ቅድሚ ሙዳየ ቁርባን ብሕቶኦም ብምዃን "ክፉእ ኣብነት ዝሀብካኒ ንስኻ ኢኻ!" እናበለ ይቕረታ ይሓትት ነበረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሓደስቲ ካርዲናላት እቲ ናይ መወዳእታ እኳ እንተ ዀነ ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ግና ናይ መወዳእታ ቦታ ኣይኮነን ዘለዎም። ዝርዝር ኣስማት እቶም ኣብ ዝመጽእ 30 መስከረም ነቲ ቀይሕ ዝሕብሩ ቆቡዕ ካርዲናላት ዚቕበሉ ሓደስቲ ስዩማን እንክእውጁ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ስም ናይ ሓደ ካህን ብ2007 ጡረታ ኻብ ዚወጽኡ ኣትሒዞም ኣብቲ ፍጹም ጽሞና ዝመልኦ ስፍራ ኑዛዜ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፖምፐይ ኣብ ቦናስኣይረስ ዚነብር ዝነበረ፣ ብዕድመ ዝደፍአ ፍራንቸስካዊ ካህን ብምጽዋዕ ኣዋጆም ዛዚሞም። እዞም ካህን እዚኦም ሓው ሉዊስ ፓስኩዋል ድሪ ኢዮም ዝበሃሉ። ብ17 ሚያዝያ 1927 ኣብታ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ኣውራጃ ኢንትረ ሪዮስ እትርከብ ከተማ ፈደራሲዮን እተወልደ ኣባል ናይ ሓንቲ ብሓድነታ እትልለ  ስድራ ቤት አንክኾኑ ኩሎም ኣሕዋቶም ድማ ንውፉይ ሕይወት ዝተወፈዩ ኢዮም ዝነበሩ።

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ አዞም ካህን እዚኦም ብተደጋጋሚ ተዛሪቦም ኢዮ። ብ6 መጋቢት 2014 ንመጀመርታ ግዜ ምስ ቆሞሳት ናይ ሰበኻ ሮማ ኣብ ዝተራኸብሉ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ማለት ብ11 ግንቦት 2014 ኣብቲ መዓርገ ክህነት ንምሃብ እተገብረ መስዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ኣብነት ናይ እዞም ካህን ደጊሞም መስኪሮሙሉ ኢዮም። ኣብታ "ስም ኣምላኽ ምሕረት እዩ!" ዘርእስታ ቃለ-መጠይቓዊት መጽሓፍ ከይተረፉ ክጠቕስዎ ተረኺቦም ኢዮም፣ ድሕሪኡ ኣብ የካቲት 2016 ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ፍራንቸስካያን ኣሕዋት አብ እተገብረ ቅዳሴ ኣብ ግዜ ስብከቶም፣ ከምኡውን ኣብቲ ምስ ኣቦታት ንስሓ ናይ ዓመተ ኢዮቤል  እተገብረ ኣኼባ ኸም ብሓድሽ ክጠቕስዎ ተረኺቦም ኢዮም። ኣብ የካቲት 2017 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቆሞሳት ሰበኻ ሮማ ነታ “ይቕረ ምባል ኣይትፍራህ” ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ታሪኽ ህይወት ናይ ኣባ ድሪ ኪህቦም ፈቐዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ኑዛዜን ንስሓን እንክሓስቡ ከምኡ ውን ምስ ተነሳሕቲ እንክራኸቡ ኵሉ ሳዕ ነዞም ካህን ከይዘከርዎም ኣይሓልፉን ኢዮም። 

"ሓደ ኣብ ቦናስእይረስ ኣገልግሎቱ ዝፈጸመ ዓብዪ መናዘዚ ዝነበረ ፍራንቸስካዊ ካህን ትዝ ይብለኒ። ሓደ አዋን ክረክበኒ ምስ መጸ ክዛረበኒ ውን ደለየ። ከምዚ ድማ በለኒ ፦ "ክትሕግዙኒ እደሊ ኣሎኹ፣ ኣብ ኑዛዜ ኵሎም ዓይነታት ሰባት ኢዮም ዝመጹኒ ትሑታት ከምኡ ውን ብዙሕ ትሕትና ዘይብሎም ከምኡ ውን ብዙሓት ካህናት ይመጹኒ ኢዮም። ኣነ ንኹሎም ፍትሓት እህቦም ይቕረ ውን እብለሎም ሓደ ሓደ ግዜ ግና ምስ ገዛእ ርእሰይ እምብዛ ይቕረ እብለሎም ኣሎኹ ብምባል ክጠራጠር ይርከብ።” በዚ ከምዚ ድማ ብዛዕባ ምሕረት ተዘራረብና፣ ከምኡ ምስ ተሰምዖ እንታይ ከም ዝገብር ድማ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ "ናብቲ ኣብ ቤት ጸሎትና ዘሎ መንበረ ታቦት ኸይደ ንኢየሱስ ጐይታይ ብዙሕ ፍትሓት ስለዝሃብኩ ይቕረ በለለይ ። እንተኾነ ግና ነዚ ሕማቕ ኣብነት ዘርኣኻኒ  ንስኻ ኢኻ! እብሎ!" ነዚ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ ። ሓደ ኻህን በዚ መገዲ እዚ ንርእሱ አብ ምሕረት ምስ ምሕረት ምስ ዝነብር ንኻልኦት ውን ገባር ምሕረት ኮይኑ ርከብ እዩ" ክብሉ ቅዱስ አቦና መስከሩሎም።

ሸውዓተ ዓመት ይገብር ኣብቲ ኣብ ቦናስአይረስ ንድንግል ማርያም ዘፖምፐይ እተወፈየ ቤተ መቕደስ ክንረኽቦም ኬድና ኔርና። አብቲ ግዜ እቲ ሒደት ሰባት እዮም ነይሮም ግን ከአ ሃታሃታ ዝመልኦ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ቀደም ስቱድዮ ረድዮ ዚመሳሰል ጻዕዳ መጕልሒ ድምጺ ዘለዎ ናይ ኑዛኔ ሳጹን ሓደ ፍራንቸስካዊ ካህን ናይ ምጽባይ ልምዲ ዘለዎ ጸንሓና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ካህን ንሱ ምዃኑን ስለምንታይ ብተደጋጋሚ ከም ዝጠቐስዎን ነገሩና። "ብሓጺሩ ንዓይ ብዙሕ ዘተሓሳስበኒ እኳ እንተ ዘይኮነ ብዛዕባ ኑዛዜ ንሱ ግና ቁሩብ ዘተሓሳሰቦ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ቦናስአይረስ ካርዲናል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብኡ ብዙሕ ምትእምማን ነበረኒ ከዘራርቦ ውን ይኸይድ ነይረ ሓደ እዋን "ምሕረት ግበር፣ ምሕረት ግበር፣ ከመይ ብዙሕ ምሕረት ክንገብር ኣሎና" በልክዎ። እቶም ካህን ድማ “አነ ደአ ሕራይ ምሕረት እገብር አሎኹ፣ ንዓይ ግና ዘተሓሳሰኒ ነገር አሎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብ ኢየሱስ ከይደ ንሱ ባዕሉ ነዚ ከም ዝመሃረንን ሕማቕ ኣብነት ከም ዝሃበኒ እነግሮ፣ ምኽንያቱ ኢየሱስ ንኹሉ ምሕረት ይገብር ነበረ ንዋላ ሓደ እውን ከም ዘይነጸገ ነገርክዎም።” እዘን ቃላት እዚኣተን ንቅዱስ አቦና ኸም ዝተንከፋኦ ኢዩ ዘርኢ፣ በዚ ድማ ከም ዝተመሰጡ። ቅዱስ አቦና ባዕሎም ብዙሕ ግዜ ንነዊሕ ሰዓታት ንግሆ ዀነ ምሸት ከም ዝናዝዝ ይፈልጡ ኢዮም። ንገሊኦም ካህናት ገለ ጸገማት ዘጋጠሞም ናባይ መጺኦም ኬዘራርቡኒ ብተደጋጋሚ መኸርዎም፣ አነ ኸኣ ጽን ኢለ ይሰምዖም፣ ምስ ገለ ኻባታቶም ምስቶም ብተደጋጋሚ ዚመጹ ብመንፈሳውነትን ብዘድልዮም ኩሉን ንዛራረብ ከምኡ ከአ ጽቡቕ ርክብ ንገር። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለቲ ኣባይ ዘለዎም ምትእምማን ኣዝየ ኸመስግኖም ኣሎኒ ከመይሲ ኣይግብኣንን ኢዩ። ኣነ ማንም ካህን ፈላሲ መጽናዕቲ ዝገበረ ኢየ፣ ናይ ዶክተርነት መዓርግ የብለይን ዋላ ሓንቲ የብለይን። እንተዀነ ግን ህይወት ብዙሕ ምሂራትኒ ኢያ፣ ህይወት መለለዪ ትዀነኒ ኢያ፣ ኣዝየ ድኻ ካብ ዝኾኑ ስድራቤት ኢየ ዝውለድ፣ እንተኾነ ድማ ንዝዀነ ይኹን ናብዚ ዝመጸ ሰብ ናይ ምሕረት ናይ ዕርቂ ቃል ከወፍየሎም ከም ዘሎኒ ኢየ ዝአምን። ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይተረዳእክዎ፣ ከም ዝተናዕቀ ወይ ተስፋ ዝቖረጸ ዀይኑ ክስምዖ አይደልን ኢየ።"

እቲ ንግሆ ንግሆ ዀነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብኑዛዜ ዝጸንሕ ካህን ብቐጻሊ "ሽምዓ መኺኹ ክሳብ ዝውዳእ!"  ዝጸንሕ ነቶም "መሳርሕቱ" መናዘዝቲ ዝህቦም ፍሉይ ምኽሪ ኣይነበሮን ብዘይካ "እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝብልዎ እንተ ዘይኮይኑ። ካልእ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፣ ከመይሲ እቲ ኩነት እነብሮ ዘለኹ ኮይኑ ኢዩ ዚስምዓኒ ። ምሕረት፣ ምርዳእ፣ ምሉእ ህይወትካ ኣብ ምስማዕ፣ ንኻልኦት አብ ምርዳእ ምግባር፣ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኩነት ናይ ካላኦት አውሪድካ ምርአይ፣ እንታይን ከመይን ይስምዖ ከም ዘሎ ንምርዳእ ዝሕግዝ ኢዩ። ካብ ገዛእ ርእሰይ ጀሚርና ገለ ነገር ክንገብር ሰበ-ስልጣን ክንከውን ኣየድልየናን ኢዩ - 'እወ ኣነ አብዚ መዓርግ ክበሽሕ ተመዚዘ አሎኹ።' 'እወን ኣይኰነን፣ ንምባል አይኮነን ንምባል አይኮንኩን'። እዚ ኹሉ ብኣንጻሩ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኑዛዜ እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዘይፈልጡ ሰባት ስለ ዘለዉ ኣጸቢቕና ክንቀርቦም ከም ዘሎና ኮይኑ ይመስለኒ። 'ኣይትፍርሁ ኣይትጨነቑ።' አብ ኑዛዜ... ዝሓሸ ዝበለጸን ንስኻ ንምዃን ዘሎካ ባህጊ ጥራይ እዩ ዜድሊ። ምስ መን ክንደይ ሳዕ ከምኡ ዀነ ኻልእ ክትሓስብ ኣየድልየካን እዩ። እዚ ዅሉ ኸንቱ እዩ። ነቲ ሰብ ካብ ኑዛዜ ዘርሕቖ ዘሎ እዚ እዩ ዚመስለኒ። ሰባት ናብ ኣምላኽ ማለት ናብ ኢየሱስ ከም ዚቐርቡ እውን ክገብር ኣሎና" በሉ።

እቲ ቀይሕ ዝሕብሩ ኽዳን ዝለበሰ ሓው ነቶም ተነሳሕቲ ክብሎም ክምዕዶም ዝደልዮ እንተ አልዩ "ኣይትፍርሑ። ኵሉ ሳዕ ነቲ ምስሊ ናይቲ ሓቛፊ ዝኾነ አቦ ነቲ በታኒ ዝኾነ ወዱ ዘርአዮ ምሕረት ከርእየኩም ኢየ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ 'ኣምላኽ ይቕረ ኺብለለይ ድዩ?' ኢሎም ይሓቱኒ እዮም። ኣምላኽ ግና ይቕበለካ፣ ኣምላኽ የፍቅረካ፣ ኣምላኽ ምሳኻ ይኸይድ፣ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልካ ደኣ እምበር ኪቐጽዓካ ኣይመጸን፣ ምሳና ኪኸውን መጺኡ፣ ምሳና ኪኸውን ሰማይ ሓዲጉ እዩ። እሞ ደኣ’ኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንፈርህ እንኽእል? ከምዚ ምሕሳብና ትርጕም ኣልቦ፣ ወይ ጕድለት ፍልጠት፣ ከምኡውን ብዛዕባ ኣቦና ዝኾነ ኣምላኽ ግጉይ ምርዳእ ዘሎና ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።" 

አባ ድሪ ብዛዕባ ምስቶም አብ ኑዛዜ ዝመጹ ተነሳሕቲ ከም ቅዱስ አባ ሊዮፖልድ ማንዲክ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ይዝክሩ። “እወ፣ ብሓቂ ጽቡቕ ጌረ ኢየ ዝፈልጦም፣ ንታሪኽ ህይወቶም ውን ኣንቢበዮ ኢየ፣ ካብኦም ድማ ብዙሕ ተማሂረ እየ፣” ክብሉ እቶም ኣብ ኣርጀንቲና ዝነበሩ ሓው ህይወቶም ኣካፈሉና፣ “ካብ ቅዱስ ፒዮ እውን ተማሂረ እየ ፦ አብ 1960 ምስኦም እየ ነይረ። እዚ ዅሉ ድማ ብዙሕ ምሂሩኒ እዩ። ምስ ፓድር ፒዮ አብ ዝነበርኩሉ ናባኦም ሓጢኣተይ ክናዘዝ ይኸይድ ኔረ፡ ብ1960 ኣብቲ ንሶም ዝነበሩሉ ዝነበሩ መካነ ሕውነት ምስኦም ተቐሚጠ ኢየ ። ቅዱስ ሊዮፖልድን ቅዱስ ፒዮን ብዛዕባ ምሕረት ፍቕሪ ሰላም ህድኣት ምቅርራብ ብዙሕ ባህ ዘብል ነገራት ምሂሮምኒ ኢዮም ። ቅዱስ ፒዮ ኣዝዮም ሓያልን ጽኑዕን እኳ እንተ ነበሩ ክሰምዑን ከናዝዙን እንከውለዉ ግን ንኢየሱስ ኢዮም ዝመስሉ ኔሮም።" 

11 July 2023, 16:12