ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ጌሮም ከም ዝቕበሉ ዝፈልጡ ንኡሳን ጥራይ እያቶም

ኢየሱስ ንኣቡኡ የመስግኖ! ምኽንያቱ ዕብየቱ ኣብ ፍቕሪ ስለ ዝቖመ ካብ ፍቅሪ ወጻኢ ፈጺሙ ዘይሰርሕ ስለ ዝኾነ - እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሃዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “በቶም እግዚኣሔር ዝኽውኖም ዓበይቲ ነገራትን ብጽሞና ብሰናይ ግብሪ ንዓለም ዝቕይሩን ንኽንምሰጥ” ክንፈቅድ ይላበዉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ (ሰንበት ዕለት 9 ሓምለ) ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 11, 25 – 30 ዝተወስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም፥ ኢየሱስ ኣብ ናብ ኣቦ ዘቕርቦ ጸሎት ኩሉ ከስተንትኖ ብምዕዳም፥ ኢየሱስ ንጐይታ ኩሉ ስርሑ ነቶም ምቕባል ዝፈልጡ “ንኣሽቱ” ስለ ዝገለጸሎም የመስግኖ (ማቴ. 11,25 ረኣ)፣ ከምኡ እውን ኩሎም ምእመናን ከም ቈልዑ በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ግብሪ ኣምላኽ ይግረሙ ድዮም ወይስ ዘይግረሙ ኮይኖም ግብሪ ኣምላኽ ክሓልፍ ብሱቕታ እዮም ዝዕዘቡ? ገዛእ ራስና ንሕተት።

ኢየሱስ ቅድሚ ናብ ኣቦ ዘቕረቦ ጸሎት፥ ጐይታ ዝፈጸሞ ስርሓቱ፥ “ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሑ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ” (ማቴ. 11, 5 ረኣ) እክብል ከምዝዘከረን፡ እዚ ድማ “ኣምላኽ ኣብ ዓለም ይሰርሕ ከም ዘሎ ዘርእዩ ምልክታት እያቶም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝፍውስን ዘድሕንን ፍቕሪ ኣምላኽ

መልእኽቲ ወንጌል ንጹር እዩ! “ኢየሱስ ንሰብኣዊ ‘ስብእና’ ብዝፍውስን ዘድሕንን ፍቕሩ ሓራ የውጽእ፡

ኢየሱስ ንኣቡኡ የመስግኖ! ምኽንያቱ ዕብየቱ ኣብ ፍቕሪ ስለ ዝቖመ ካብ ፍቅሪ ወጻኢ ፈጺሙ ዘይሰርሕ ስለ ዝኾነ - እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ!

ይኹን እምበር ዕብየት ፍቕርን ግብርን እግዚኣብሔር በቶም “ገዛእ ርእሶም ዓበይቲ ገይሮም ዝሓስቡ ዕቡያትን ብኣምሳሎም እግዚኣብሔር ዝሰርሑ ሓያላንን ነቓጻትን ይቕረ ዘይብሉ ቂመይናታት” ዝርድእዎ ከም ዘይኮኑ ድማ ገሊጾም፥ እቶም ብኣንነት ዝተመልኡ ብገዛእ ርእሶም ዝሕበኑ ንረብሓኦም ጥራይ ዝግደሱ ማንም ከምዘየድልዮም ዝኣምኑ ንኣምላኽ ከም ኣቦኦም ክቕበልዎ ኣይክእሉን እዮም . . . ኢየሱስ ነተን ኣብ ዘመኑ ዝነበራ ሰለስተ ሃብታማት ከተማታት - ቆራዚን ቤተሳይዳን ቅፍርናሆምን - ንዓብየቲ ነገራት ኣምላኽ ከመይ ገይረን ክቕበላ ምፍላጥ ዝተሳእነን ምንባረን ይጠቕሱ፥

ንኣሽቱ ንዓበይቲ ግብሪ ኣምላኽ ብሓጎስ ክቕበሉ ዝፈልጡ

በንጻሩ እቶም ንኣሽቱ ከመይ ጌሮም ከም ዝቕበልዎ ዝፈልጡ እዮም። ኢየሱስ ድማ “ልቦም ካብ ትዕቢትን ርእሰ ፍትወትን ናጻ ዝኾኑ ልኡማት ሰባት - ንኣምላኽ ክፉታት ዝኾኑን ብግብሩ ክግረሙ ዝፈቕዱን ተራ ሰባት” የመስግን። እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ቅድሚ ግብሪ እግዚኣብሔር ዘሎ ቅኑዕ ባህሪ እዩ” ዝብል ርእይቶ ሂቦም፥ “ብብዙሒ ሰናይ ተግባራት” ኣብ ህይወትና ምእንቲ ክምዕብሉ ብኣኦም ክንምሰጥ ንፍቀድ።”

ብጽሞና ንዓለም ዝቕይሩ ንኣሽቱ ተግባራት

ቅዱስነቶም፥ “ኣብዚ ሎሚ ዝዕብልለና ዘሎ ዕልቕልቕ ዜና፥ “ከም ቈልዑ - ንኣሽቱ በቲ ብጽሞና ንዓለም ዝቕይር ሰናይ ግብሪ ክንድነቕ ንፈቕድ ዲና፥ እግዚኣብሔር ድማ በብመዓልቱ ስለ ስርሓቱ ነመስግን ዲና፡ ገዛእ ርእስና ንሕተት እንክብሉ ብዘቕረብዎ ዕድመ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 July 2023, 14:49