ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ፍቕሪ ምንቕቓሕ ቀጽልሉ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ፍቕሪ ምንቕቓሕ ቀጽልሉ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ፍቕሪ ምንቕቓሕ ቀጽልሉ!

ተስፋይ፡ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ካቶሊካውያን ነቲ ጐይታ ዝሃቦ ዓቢ ገዛእ ርእሳውነት ህያብ ኣግራሞትን ፈሪሃነትን ስምዒት ከም ብሓድሽ ንኽረኽቡ ዘነቕቕሕ ክኸውን ዝብል እዩ

ዕለት 19 ሰነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ንዘዳልው ሽማግለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ቅዱስ ቍርባን እምነትን ፍቕርን ንኽሕደስ ንዝገብርዎ ጻዕሪ” ኣድኒቖምን ክቕጽልሉን ድማ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምንጭን ጠርዝን ክርስቲያንዊ ሕይወት ንዝኾነ ትንሳኤ እምነትን ፍቕርን ኣበርክቶ ንምግባር ኣተካይድዎ ጻዕሪ” ክትቕጽልሉ ኣላበው። በዘን ቃላት እዚኣተን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪክ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣሰናዳኢ ሽማግለ ተቐቦሎም ዝለገስዎ ምዕዳን ኣበጊሶም፥ ንፍቕሪ ቅዱስ ቍርባን ንምድንፋዕ ንዝገብርዎ ጻዕርን ኣገልግሎትን ድማ ምስጋኦም ኣቕሪቦም፥

ብሓቂ ቅዱስ ቍርባን ነቲ ዝዓሞቐ ጥሜት ልቢ ሰብ፡ ጥሜት ሓቀይና ህይወት እግዚኣብሔር ዝህቦ ምላሽ እዩ፡ ከመይሲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክርስቶስ ባዕሉ ብሓቂ ኣብ ማእከልና ኣሎ፡ ኣብ ጎዕዞና ክምግበና ከጸናንዓናን ክድግፈናን እዩ!

“እቲ ዘሕዝን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መ ንጎ ካቶሊካውያን ምእመናን ቁርባን ካብ ክውንነት ህላወን ፍቕርን ጐይታ ንላዕሊ ምልክት ጥራሕ እዩ ቢሎም ዝኣምኑ ኣለዉ፡” እዚ እውን ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም፥ ግቡእ ስምዒት ናይ ቅዱስ ቍርባን ኣምልኾ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይጠፍእ ከምዘሎ ነቒፎም፡ ምእመናን ነዚ ዝንባለ ክቃለሱ ድማ ተማሕጺኖም፡ ብተወሳኺ ነቶም ብዙሕ ግዜ ዝድርበዩ ኣብ ክድንኡ ድማ ብጸሎቶምን ተወፋይነቶምን ጽቡቕን ሓያልን ኣብነት እምነት ዝኾኑ ኣረጋውያን ዋጋ ክንህቦም ከም ዘለና የተሓሳስቡ።

ጐይታ ዝሃቦ ህያብ ገዛእ ርእሳውነት ምድናቕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሓቀይና ትርጉም ቅዱስ ቍርባን ናብ ቅድሚት ከብጽሑ ዘለዎም ድሌት እንክገልጹ፥

ተስፋይ፡ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ካቶሊካውያን ነቲ ጐይታ ዝሃቦ ዓቢ ገዛእ ርእሳውነት ህያብ ኣግራሞትን ፈሪሃነትን ስምዒት ከም ብሓድሽ ንኽረኽቡ ዘነቕቕሕ ክኸውን ዝብል እዩ

ብተወሳኺ ጉባኤ ምእመናን “ኣብ ጽምብል ቅዱስ ቍርባን ኣብ ውልቃዊ ጸሎትን ኣምልኾን ኣብ ፊት ቅዱስ ቍርባን ከሕልፉ ዝድርኾም ክኸውን ድሌቶም ገሊጾም፥ ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፥”ብዘይ ክህነት ቍርባን ክህሉ ኣይክእልን እዩ” ቢሎም፡ ክህነታዊ ጸዋዕታ ምትብባዕ ከም ዘድሊ ካብ ምዝኽኻር ዓዲ ኣይውዕልን፥ “ቅዱስ ቍርባን ንምብዓል ካህናት የድልዩ” እንክብሉ ብቅጽንዖት የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ቍርባን፥ ምስቲ ገዛእ ርእሱ ምእንታና ዘሕለፈ እንራኸበሉ ‘ቦታ’ እዩ

ምእመናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝዓበየ ቅንኣት ኣብ ዓለም ልኡካን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ንምዃን ቃል ክኣትዉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ኣብ ቅዱስ ቍርባን ምስቲ ምእንታና ኩለንተናኡ ዝሃበ ህይወት ክህበና ኢሉ ገዛእ ርእሱ ዝኸፈለ ክሳዕ መወዳእታ ምስ ዘፍቀረና ይጠምረና፡ ንሕና ድማ እሙናት መሰኻኽር ናይቲ ሓጐስን ዝልወጥን ጽባቐን ንኸውን፡” ወንጌል ኣብዚ ምስጢር እነብዕሎ ፍቕሪ ንርእስና ክንዕቅቦ ዘይኮነስ ምስ ኩሉ ክንካፈሎ ከም ዝሓትት ምስ እልፈጥ ጥራሕ እዩ።” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣካል ክርስቶስ ናብ ሓያልን ተወፋይነትን ዘለዎ ፍቕሪ ብጻይ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝሳቐዩን ንዝተጸገሙ ወይ ዝደኸሙ ይድርኸና ኢሎም።

ኣብ ህይወት ቤተ ክርስትያን ኣመሪካ ትርጉም ዘለዎ ህሞት

ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ሽማግለ ኣሰናዳኢ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ “ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣመሪካ ትርጉም ዘለዎ ህሞት እዩ” እንክብሉ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ “እዚ ትገብርዎ ዘለኹም ኩሉ ንነፍሲ ወከፍኩም ናይ ጸጋ ኣጋጣሚ ይኹን፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መላእ ህዝብኹም ናብቲ ኣብ መንጎና ብህላወኡ ተስፋ ዳግማይ የበራብርን ንህይወትና ይሕድሶን።” ንኣኣቶም ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓደራ ቢሎም፡ ንኣኣቶምን ንስድራ ቤቶምን ኣብ ከባቢኦም ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያናት ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ይዛዝሙ።

20 June 2023, 16:29