ድለ

FILES-ITALY-BERLUSCONI-OBIT FILES-ITALY-BERLUSCONI-OBIT  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

እዞም ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ፖለቲካ መድርኽ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ዝነበሮም ኣብ ናይ ኢጣሊያ ፖለቲካ ንቑሕ ተዋሳኢ ምንባሮም ዘኪሮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሰነ ናይ ኢጣሊያ ነበር መራሔ መግንስቲ ስልቪዮ በርሉስኮኒ ኣብ መበል 86 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከም እተፈልዩ ምስ ተሓበሮም፥ ሲልቪዮ በርሉስኮኒ ሰለስተ ግዜ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ንምዃን ዝበቕዑ፡ “ኣብ ናይ ኢጣሊያ ፖለቲካ ንቑሕ ተዋሳኢ ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፡ ንነፍሰ ሄር በርሉስኮኒ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበልን ንስድራ ቤቶም ምጽንናዕ ክጽግውን እጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ፖለቲካ መድርኽ ጽልዋ ፈጣሪ ተባሂሎም ዝግለጹ ሲልቪዮ በርሉስኮኒ ኣብ መበል 86 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይም ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተበሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ስድራ ቤት በርሉስኮኒ ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና  ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በርሉስኮኒ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሳን ራፋኤል ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 9 ሰነ ኣትሒዞም ኣብ ሕክምና ከም ዝነበሩን በርሉስኮኒ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሕማም ልቢ መንሽሮን ደሓር እውን ኣብ 2020 ዓ.ም. ብሕማም ኮቪድ - 19 ምኽንያት ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣትዮም ከምዝነበሩ ናይ ኢጣሊያ ናይ ዜና ማዕከትናት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፥ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ረቡዕ ዕለት 14 ሰነ ሚላኖ ኣብ ዝረከብ ዓቢይ ካቴድራል ብናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብዝሰርሕዎ ጸሎተ ፍትሓት ክፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓዘንን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ “ስልቪዮ በርሉስኮኒ ኣቦን ናይ ኢጣልያ ኣባል ባይቶ ሓጋግን” ምስ ተሓበሩ፡ ንስድራ ቤት በርሉስኮኒ ቅርበቶም ጸሎትም ኣረጋጊጾም፥ እዞም ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ፖለቲካ መድርኽ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ዝነበሮም ኣብ ናይ ኢጣሊያ ፖለቲካ ንቑሕ ተዋሳኢ ምንባሮም ዘኪሮም፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፥ “እግዚኣብሔር ኣብ ቤቱ ክቕበሎም ንስድራ ቤቶም ድማ ካብ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ እምነ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 June 2023, 15:40