ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንዓመተ ኢዮቤል ከም ኣጋጣሚ ማሕበራዊ ዳግመ ልደት ይጥምትዎ ር.ሊ.ጳ. ንዓመተ ኢዮቤል ከም ኣጋጣሚ ማሕበራዊ ዳግመ ልደት ይጥምትዎ 

ር.ሊ.ጳ. ንዓመተ ኢዮቤል ከም ኣጋጣሚ ማሕበራዊ ዳግመ ልደት ይጥምትዎ

ቅዱስ ዓመት “ሃይማኖታዊ ልምዲ ከም ዕላማ ንባዕሉ” ጥራይ ዘይኮነስ “ካብ ውልቀ ሰባት ዝነቐለን ንኹሉ ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ዝምድናታት ዘጠቓልል መስርሕ ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን” ዝብል ራእይ ንምስፋሕ ዝዓለም መስርሕ ክኸውን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ዝሕተም ኢል መሳጀሮ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ቀዳማይ ሕትመቱ ዘበገሰሉ ዝኽሪ መበል 145 ዓመት ምኽንያት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ነቲ ካብ ሮማ ናብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ ፍጻመ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ይጥምቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ዘመን ኢዮቤል እታ ዘለኣለማዊት ከተማ እታ ክርስቲያናዊ መልእኽታ ናብ ዓለም ዘብለላ ከተማ ሮማ ተስፋን ሓድሽ ድርኺትን ንህንጸት ዝያዳ ሕውነታዊ ሕብረተሰብን ዳግማይ ከተነቓቕሕ እያ።” ቅዱነቶም ነዚ ዝበሉ ኢል መሳጀሮ እትሰምየ ናይ ሮማ ዕለታዊ ጋዜጣ ካብ ዝምስረት መበል 145 ዓመት ኣብ ዘኽብረሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ ትምኒት መግለጺ መልእኽቶም፡ ኣብ ኣገዳስነት ናይቲ ዝመጽእ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. “ንኸተማ ሮማ ብቐረባ ዝምልከታ ግን ኤውሮጳን መላእ ዓለም ብምልእታ ዝጸልው እዩ . . . ንኣመንቲ ፍሉይ ናይ ጸጋ ዓመት ኮይኑ፡ ነቶም ነዚ ኣጋጣሚ ናብ ሮማ ንኽነግዱ ትጽቢት ዝግበረሎም ብዙሓት ነጋድያን ተስፋን ምጽንናዕን ዳግማይ ልደት ከም ዝህብ” ኣስተብሂሎም፡

ዕርቅን ሕውነትን

ቅዱስ ዓመት “ሃይማኖታዊ ልምዲ ከም ዕላማ ንባዕሉ” ጥራይ ዘይኮነስ “ካብ ውልቀ ሰባት ዝነቐለን ንኹሉ ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ዝምድናታት ዘጠቓልል መስርሕ ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን” ዝብል ራእይ ንምስፋሕ ዝዓለም መስርሕ ክኸውን እዩ። ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ሕድገትን ይቕረን ዝግበረሉን እቶም ዝበደሉ ንኽሓውዩን ፍትሒ ዝምለሰሉን በዚ ድማ ኣብ መንጎ ውድባት ዕርቂ ንኽህሉን ዝያዳ ስሙርን ሰብኣውን ዓለም ንምህናጽን ይምችእ።”

ነቲ ሓርነት ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቅዉም ሓሳብ ጭቡጥ ኣካልን ቅርጽን ዝህብ ዓመት እዩ!

ኣብ ኩሉ ስነ ሰብኣውን ማሕበራውን ኩነታት፡ ሓርነት ዝብል ቅዉም ሓሳብ ምእመናን “ንህዝቢ፡ ከተማታት፡ ሃገራትን መላእ ህዝብታት ካብ ኩሉ ዓይነት ጊልያነትን ውርደትን ሓራ ዘውጽእ ተግባራትን መገድታትን ክገብሩ” ዝብል ዕድመ ዘመልክት እዩ።

ሓቂ ኣንጻር ናይ ሓሶት ሓበሬታ

ቅዱስነቶም፥ ንዕለታዊ ጋዜጣ ሮማ - ኢል መሳጂየሮ ብፍሉይ እናሓሰቡ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክዛዝሙ እንከለዉ፥ ንጋዜጠይናታትን ሓበሬታን መወከሲ ነጥቢ ብኸመይ ከም ዝውክል ኣመልኪቶም “ኣብ ስራሕኩም እናተባባዕኹ ዕዮኹም ብስነ ምግባር ክተባባዕን ክሰፍሕን እደሊ፡ ምኽንያቱ ሓቂ ካብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምፍላይ ኣብ ዝኽብድሉ ዘሎ ማሕበራውን ባህላውን ዘመን ስለዘለና” ኢሎም።

20 June 2023, 16:22