ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ መዲትራኒያን ባሕሪ ዘጋጠመ ኪሳራ ህይወት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ መዲትራኒያን ባሕሪ ዘጋጠመ ኪሳራ ህይወት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን  (AFP or licensors)

ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ መዲትራኒያን ባሕሪ ዘጋጠመ ኪሳራ ህይወት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን

እቲ ኣብ ባሕሪ ግሪኽ ዘጋጠመ ሓደጋ ስደተይናታት ብዙሓት እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝክእል ዝገልጽዎ ኮይኑ፥ ካብቶም ዝደሓኑ ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብታ መርከብ ኣስታት 750 ስደተይናታት ከም ዝነበሩን ካብኣቶም እውን ኣስታት 100 ሕጻናት ምዃኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ መዲትራኒያን ዘጋጠመ ናይ ስደተይናታት ሞት ዘሕደረሎም ሓዘን መሪር ምዃኑ ዝገልጽ ንኹሎም ስደተይናታት ቅርበቶምን ጸሎትን ዘረጋግጽ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ኣብ ግሪኽ ናብ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ስደተይናታት ዝጸዓነት መርከብ ዘጋጠማ መዓት ምኽንያት ኣብ ግሪክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሮሜዮ ፓውሎቭስኪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ዝተወሃበ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ጠቒሱ፡ ብውሕዱ 78 ስደተይናታት ከም ዝጠሓሉን ልዕሊ 100 ድማ ከም ዝደሓኑ ካብቶም ዝደሓኑ ዝተውሃበ ሓበሬታ ጠቒሱ፥ ኣብታ ጀልባ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 750 ሰባት ከም ዝነበሩ ሓቢሩ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ገማግም ባሕረ ግሪኽ ዘጋጠመ ሓደጋን ዘስዓቦ ከቢድ ኪሳራ ህይወት መሪር ምዃኑ ገሊጾም፥ ንኹሎም ስደተይናታት ቅርበቶም፡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ተማሕጺኖም፡ ነቶም ዝደሓኑ ኣገዳሲ ሓገዝን ቅርበትን ድማ ከይፍለዮም ተላብዮም፡ ነቶም ዝኣልይዎም ዘለዉ ናይ ረድኤት ሰራሕተይናታት “ሓይልን ጽንዓትን ተስፋን” ውህበት ካብ ጎይታ እልምን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ከቢድ መዓት

እቲ ኣብ ባሕሪ ግሪኽ ዘጋጠመ ሓደጋ ስደተይናታት ብዙሓት እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝክእል ዝገልጽዎ ኮይኑ፥ ካብቶም ዝደሓኑ ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብታ መርከብ ኣስታት 750 ስደተይናታት ከም ዝነበሩን ካብኣቶም እውን ኣስታት 100 ሕጻናት ምዃኖም ዜና ቫቲካን ገሊጹ፥ ናይ ግሪኽ ገማግም ባሕሪ ሓለዋ ከም ዝሓበሮ፡ እታ መርከብ ቅድሚ ምጥሓላ ሓደ መዓልቲ ብናይ ግሪኽ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ክልተ ብረድዮ መስመር ርክብ ከም እተኻየደን፡ ካብቶም ስደተይናታት እውን ናይ ርድኡና ጻውዒት ከም ዘየቕረቡ ኣፍሊጡ፡ እቶም ስደተይናታት ናብ ኢጣሊያ ክኸዱ ከም ዝደልዩ ምዃኖም ናይ ግሪኽ ሚኒስትር ጉዳያት መራኽብን ርክባት ባሕርን ከም ዝገለጹን፥ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት እቲ ዘጋጠመ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ሰዓት 18 ናይ ማልታ ሰንደቕ ዕላማ ካብ ዘለዋ መርከብ መግብን ማይን ከምዘቕረበሎምን እታ መርከብ ለይቲ ሰዓት 01.40 ደቓይቕ ሞተራ ከም እተሰብረ ንሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ብናይ ረድዮ መስመር ሓደ ካብቶም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ከም እተሓበረ ክንገር እንከሎ ድሕሪ እቲ ርክብ ቁሩብ ግዜ ጸንሓ ድማ ከም እተገልበጠት ዜና ቫቲካን ካብ ግሪኽ ዝወጹ ዘለዉ ምንጪ ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

16 June 2023, 13:25