ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ይዝክሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ይዝክሩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ይዝክሩ

ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ጸሎተይ ደጊመ አረጋግጽ ተመሳሳሊ መዓት ንምክልኻል ድማ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር እምሕጸን!

ቅዱስነቶም ዕለት 18 ሰነ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ብሓባር መሪሖም ጽሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ነቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ግዳያት ምጥሓል መርከብ ዝኾኑ ስደተይናታት ዘኪሮም፡ ደጊሞም ጸሎት ድሕር ምቕራብ፥ ከምዚ ዓይነት መዓልቲ ንምኽልኻል ኩሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ጻዕሪ ክገብር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብውሳኔ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ እታ 700 ስደተይናታት ጽዒና ዝነበረት ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝጠሓለት መርከብ እናሓሰቡ፥ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም፥

ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ጸሎተይ ደጊመ አረጋግጽ ተመሳሳሊ መዓት ንምክልኻል ድማ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር እምሕጸን!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቲ ዕለት 14 ሰነ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል መርከብ 78 ከም ዝሞቱን 104 ድማ ከም ዝደሓኑን ብዙሓት ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን ገና ይድለዩ ከምዘለዉን አመላኺቱ፡ ካብቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ድማ እቶም 100 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምዝኾኑን እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ እዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እቲ ዝዕበየ ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።

19 June 2023, 16:00