ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ካብ ጀሜሊ ክፋነዉ ተኽእሎ ኣሎ ፍራንቸስኮ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ካብ ጀሜሊ ክፋነዉ ተኽእሎ ኣሎ  

ፍራንቸስኮ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ካብ ጀሜሊ ክፋነዉ ተኽእሎ ኣሎ

ነቲ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ዝመርሑ ፕሮፌሰር ሰርጆ ኣልፊየሪ፥ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ መጥባሕቲ ዝኾነ ይኹን ጸገም ከምዘይብሉ እውን ኣፍሊጦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ሕውየቶም ብስሩዕ፡ ብዘይ ጸገም ይቕጽል ብምህላዉ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ካብ ቤት ሕክምና ጀሜሊ ክወጹ ትጽቢት ይገብሩ እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ እዋናዊ ሓበሬታ ድሕሪ መጥባሕቲ ኩነታ ጥዕና ቅዱስነቶም ኣማእኪሎም ዕለት 14 ሰነ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ካብ ቤት ሕክምና ጀሜሊ ክፋነዉ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ከምዝሓበሩን፡ ኣብቲ መግለጺ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማቴዮ ብሩኒ፡ “ሰራሕተኛታት ሕክምና፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኩነታት ጥዕናኦም ብዘይሕልኽላኽ ብስሩዕ ይቕጽል ከምዘሎ ይሕብሩ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ማዕልታት ካብ ቤት ሕክምና ክፋነው መደብ ኣለዎም፡” እንክብሉ ከም ዝሓበሩ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ዝካየድ መስርሕ ስሩዕ ምዃኑን፡" ጸብጻባት ናይቲ ሕክምናዊ ጉጅለ መሰረት ገይሮም ከምዘፍለጡን፥ ዕለት 13 ሰነ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስራሕን ምንባብን ግዜኦም ከምዘሕለፉ ኣመልኪቶም፡ ነቲ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ዝመርሑ ፕሮፌሰር ሰርጆ ኣልፊየሪ፥ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ መጥባሕቲ ዝኾነ ይኹን ጸገም ከምዘይብሉ እውን ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ብሩኒ ዘኪሮም፡ ኣተሓሒዞም እውን ክሳብ ዕለት 18 ሰነ ዘለዎም መርሓ ግብራዊ ፍጻሜታት ከም እተሰረዘ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዘለዎም መደብ መሰረት ድማ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፖርቱጋልን ሞንጎሊያን ክበጽሑ እዮም” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

14 June 2023, 16:49