ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ወጺኦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ወጺኦም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ወጺኦም

ቅዱሰንቶም ክሳብ ዕለት 18 ሰነ ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት ከም እተሰረዘን ኣዘኻኺሩ፥ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናብ ፖርቱጋል ከምኡ እውን ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ስዒቡ ንምሉእ ሕውየቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ከም ዝጸንሑን ድሕሪ ዘድሊ ክንክን ጥዕና ሓውዮም ዕለት 16 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዝወጹን ቅድሚ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምምላሶም ድማ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም ኣብ ቅድሚ ቅድስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ንምሉእ ሕውየቶም ድሕሪ ክግበረሎም ዝጸንሐ ክንክን ጥዕና ዕለት 16 ሰነ ነቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝነበሩ ህሙማንን ሓኻይምን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ከም ኣተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥

ናብ ንቡር ምምላስ

ቅዱስነቶም ድሕሪ መጥባሕቲ ዝፍጸም መስርሕን ንዘድሊ ክንክን ጥዕናን ኣብቲ ቤት ሕክምና ከምዝጸንሑን ሕውየቶም ስሩዕ ኮይኑ ይቕጽል ብምህላዉ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ዝመርሑ ፕሮፈሰር ሰርጆ ኣልፊየሪ ቅዱስነቶም ካብ ቤት ሕክምና ክወጹ ዝፈቅድ ድሕሪ ዝሃብዎ ውሳኔ እነሆ ዕለት 16 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ንቡር ህይወቶም ከም እተመልሱን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱሰንቶም ክሳብ ዕለት 18 ሰነ ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት ከም እተሰረዘን ኣዘኻኺሩ፥ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናብ ፖርቱጋል ከምኡ እውን ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቅርበትን ሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህሙማን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ሰነ ኣብቲ ዝሕከምሉ ዝርከብ ክፍሊ ሕክምናን ክንክንን መንሽሮ ህጻናት ብምኻድ ዑደት ኣካይዶም ንኹሎም ህሙማን ህጻናት ኣባታዊ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ቡራኬን ከም ዝሃቡን ንኹሎም ኣብቲ ቤት ሕክምና ዘገልግሉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና፥ “ብመድሃኒት ጥራይ ዘይኮነስ ብለውሃትን ሰብኣውነትን እውን ስቓይ ካልኦት ንምቕላል” ስለ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 June 2023, 13:29