ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጴጥሮስ ኣምላኽ ኣብ ድኻምና ከመይ ከም ዝሰርሕ የርእየና

. . . ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ዘጽንዕ ብፍቕሩ ዘወሃህደና ብምሕረቱ እውን ይቕረ ዝብለና” ምዃኑ የረጋግጸልና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ኣብነት ሃዋርያዊ ጴጥሮስ ኣማእኪሎም፥ ብለጋስነቱን ድኻሙን ናብ ክርስቶስ ዝወስድ መገዲ የመላኽተና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱሳን ጴጥሮስን ወጳውሎስን ክብረ በዓል ኣብ ዘኽበረትሉ ዕለት 29 ሰነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፡ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብነት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ኢየሱስ፥ “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ ኣብዚ ከውሒ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያነይ ክሃንጻ እየ” ከም ዝበሎን እቲ ‘ኸውሒ’ ዝብል ቃል እምኒ ወይ ጸጸር ዝብል ቃል ዘስምዕ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፥

ከም ከውሒ ተባዕ

ጴጥሮስ ከውሒ ዝብል ስሙ፥ “ተባዕ ጽኑዕ ለጋስ ገርሀይና” ኣብ ምዃኑ ከም ዝገለጾን . . . ንኢየሱስ ክስዕብ ኩሉ ይሓድግ፡ ንኽርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ የለልዮ፡ ናብቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ብታህዋኽ ክኸይድ ድማ ናብ ባሕሪ ይእትው፡ ቅድሚ ምእሳሩን ድሕሪ ምግራፊን ንኢየሱስ ብትብዓት ይእውጅ፡ ትውፊት ጴጥሮስ ሰማእነት ኣብ ዝተቐበለሉ ኣዋን ዝነበሮ ጽንዓት ይነግረና።”

ከም እምኒ ዘተኣማምን

ካልኣይ ጴጥሮስ ዝብል ስም፥ “እምኒ” ብዝብል ቃል ምርዳኡ ዝከኣል እዩ፡ ንኻልኦት ደገፍ ዝህብ፡ ጴጥሮስ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣብ ዕዮ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝድግፎም ቅዱስነቶም ገሊጾም፥ ጴጥሮስ ንጻውዒት ኢየሱስ ብልግሲ ምላሽ ከም ዝሃበ ይዘንትዉልና፡ ካልኦት ንኽርስቶስ ክስዕቡ ዘለዎም ድሌት ዘረጋግጽን እቲ ሕብረተሰብ ወንጌል ክእውጅ ዘተባብዕን ምዃኑ ይሕብረና . . . ንሱ ‘ከውሒ - እምኒ’ እዩ ንመላእ ሕብረተሰብ ዘተኣማምን መወከሲ!”

ከም ጸጸር ድኹም

ማዕረ ማዕሪኡ - ቅዱስነቶም ወሲኾም፡ ጴጥሮስ ንኡስነት ዝገልጽ እውን እዩ፡ እዚ እውን ‘ጸጸር’ ምዃኑ እዩ። “ሓድሓደ ግዜ ነቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ኣይርድኦን እዩ . . . ጴጥሮስ ምስ ማእሰርቲ ኢየሱስ ክገጥም እንከሎ ንፍርሒ ዕድል ብምሃብ ንኢየሱስ ይኽሕዶ፡ ድሕሪኡ ተንሲኡ ኣምሪሩ ድማ ይበኪ፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ግን ደው ክብል ትብዓት ኣይረክብን። . . . ትውፊት Qua vadis - ናበይ ኢኻ ትኸይድ ከም ዝሕብሮ ድማ ሰማእትነት ኣብ ዘሕትተሉ እዋን ናብ ሮማ ክሃድም ደለየ።”

ሓያልን - ድኹም ሓቀይና ሰብ

ጴጥሮስ ንነፍሲ ወከፍ እቶም ሰለስተ መዳያት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ክልለየሎም ዝኽእለሉ መዳያት፡ “ኣብ ጴጥሮስ፥ ሓይሊ ከውሒ ተኣማንነት ከም እምኒን ንእሽቶ ከም ጸጸርን ዝብሉ መዳያት ነለልይ፡ ንሱ ከሃለ ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ከማና ኣብ ዘይፍጽምናኡ ንኢየሱስ ብለጋስነት ‘እወ’ ዝበለ ሰብ እዩ። . . . ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ዘጽንዕ ብፍቕሩ ዘወሃህደና ብምሕረቱ እውን ይቕረ ዝብለና” ምዃኑ የረጋግጸልና። ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ብሓቂ ሰባት እያቶም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ጌጋታትን ብርታዐን ድኽመታትን ዘለዎም!”

ብርታዐ ልግስን ትሕትናን

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ንክርስቲያን ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ  ብኸመይ ከም ዝመስሎ ገዛእ ርእሱ ክሓትት ዓዲሞም፥ ዝተባርከት እኖ ድንግል ማርያም ከኣ ንሓይሉን ልግሱን ትሕትናኡን ክንለብሶ ክትሕግዘና ንጸልይ። “ንእሳን ምዃንና ንፈልጥ ዲና? ልዕሊ ኩሉ ድማ ንድኻምነትና ነቲ ብትሕትናን ቅንዕናን ኣቢሉ ዓቢዪ ነገር ዚገብር ጐይታ ሕድሪ ንህቦ ዲና?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖም ከምዝድገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 June 2023, 16:19