ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣምላኽ ኣብቲ ኣዚዩ ጽንኩር እዋን ምሳኻን ምሳኽን እዩ!

እግዚኣብሔር ቀረባ ምዃኑ ንምእዋጅ ዝሕግዝ መገዲ “ብዙሕ ቃላት ምዝራብ ዘይኮነስ ብስም እግዚኣብሔር ብዙሕ ናይ ፍቕርን ተስፋን ተግባር ምፍጻም እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሰነ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 36 - ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 1- 8 ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ወንጌላዊ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ክንወድቕን ክንቃለስን እንኮለና ከም ኣቦ ብኢዱ ዝሕዘና ጐይታ ይመስገን” ቢሎም ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝነበሩለን መዓልታት ምእመናን ስለ ጾሎቶምን ንኹሎም ቅርበቶም ንዝገለጹሎም “ምስጋናይ ይብጻሕኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንኹሎም ፍቕርን ሓልዮትን ምሕዝነትን ጸሎትን ድጋፍን ንዘቕረቡ ልዑል ምስጋናኦም ብዝገልጻ ቃላት፡ ሰንበት ፍርቂ መዕላቲ ዕለት 18 ሰነ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣንቂሎም፥

እዚ ሰብኣውን መንፈሳዊ ቅርበትን ንዓይ ዓቢ ሓገዝን ምጽንናዕን እዩ ነይሩ፡ ንኹልኹም ድማ ኣየቐንየለይ! ካብ ልቢ አምስግን!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥

እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልን እዩ

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ወንጌላዊ ምንባብ ኣማእኪሎም፡ ብፍላይ ማቴ. ምዕ. 10, 7 “ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ እንክብል ኢየሱስ ንሓዋርያት ከም ዝልኣኾም ገሊጾም፥ ጐይታ ብፍቕሪ ቀረባናን ኣብ ማእከልና እዩ፥ እዚ ከኣ “መሰረታዊ ክውንነት ህይወት እዩ።”

“ብሓቂ ኣምላኽ ሰማይ ቀሪቡ እንተኾይኑ ኣብ ምድሪ በይንና ኣይኮንናን ኣብ ጸገም እውን እንተ ኾነ ንሱ ምሳና እዩ . . . እምነት ኣይነጥፍእ” ቢሎም፡ እግዚኣብሔር ንደቁ ዝፍልጦምን ዘፍቅሮምን ምዃኑ ገሊጾም፡ “ዋላ እውን ኣብ ቁልቁል ዝኣፉን ጽንኩርን መገዲ ክንጓዓዝ እንኮለና ወዲቕና ዳግማይ ተንሲእና ናብ ቅኑዕ መገዲ ክንምለስ ኣብ እንቃለሰሉ እዋን እውን እንተኾነ ጐይታ ቀረባና እዩ!”

ኣብቲ እንደኽመሉ ህሞት ህላወኡ ብዝያዳ ክስምዓና ይኽእል። ንሱ መገዲ እዩ ምሳና ኣሎ ኣቦና እዩ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምስ እግዚኣብሔር ኩሉ ነገር ንጹርን ውሑስን ይኸውን

ንምእመናን ኣብቲ “ዓብይን ምስጢራውን” ፍሉጥን ውሑስን ዝመስል ዓለም ልክዕ ሓደ ንወዱ ብኢዱ ዝሕዝ ፈቃር ኣቦ ምስሊ ክህልዎምን ኣብኡ ክጸንዑን፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ወጺኦም ቅርበት እግዚኣብሔር ክእውጁ ዓዲሞም፥

እቲ ቀዳማይ ብስራት ቅርበት እግዚኣብሔር እዩ! ንኣምላኽ ቀረባ ብምዃን ንፍርሒ ንስዕር ንፍቕሪ ነርህው ብሰናይ ነገር ኣቢልና እውን ነዚ ቅርበት እዚ ክንእውጅ ሓሴት ይስምዓና!

“ሕያዎት ሓዋርያት ክንከውን ንደሊ እንተድኣ ኮይንና፡ ከም ቈልዑ ክንከውን ይግባእ” ብምባል ጐይታ ንልብና ክቕይርን ነቲ ንሕና ባዕልና ክንበጽሖ ዘይከኣለና ምልኣት ሓጐስን ሰላምን ክህበና ፈቀደ።”

ናይ ፍቕርን ተስፋን ተግባራት ምፍጻም

እግዚኣብሔር ቀረባ ምዃኑ ንምእዋጅ ዝሕግዝ መገዲ “ብዙሕ ቃላት ምዝራብ ዘይኮነስ ብስም እግዚኣብሔር ብዙሕ ናይ ፍቕርን ተስፋን ተግባር ምፍጻም እዩ” ቢሎም፥

ሕመረት ኣዋጅ ነቲ ብናጻ ዝተወሃበካ ብናጻ ናይ ምምስካር ኣገልግሎት እዩ!

ቢሎም፥ ምእመናን ኣብ እግዚኣብሔር ዝኣምኑን ዝውከሉን እንተኾይኖም፡ ቃሉ ዝሰምዑን ኣብ ምስጢራት ዝሳተፉን እንተኾይኖም፡ ገዛእ ርእሶም ክሓቱ ድማ ዓዲሞም፡ ኣብ ካልኦት ትብዓት ከስርጹን ምስቶም ዝሳቐዩ በይኖም ዘለዉን ክሓብሩን ቀረባ ክኾኑን ዝተጸውዑ እዮም እንብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

19 June 2023, 15:56