ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ “ጥምየት ሕውነት” ኣሎ፡ ንውግእ “ኣይፋል” ንበል! ር.ሊ.ጳ.፥ “ጥምየት ሕውነት” ኣሎ፡ ንውግእ “ኣይፋል” ንበል! 

ር.ሊ.ጳ.፥ “ጥምየት ሕውነት” ኣሎ፡ ንውግእ “ኣይፋል” ንበል!

ንኲናት ብጽንዓት ኣይፋል ንበል፡ ውግእ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ሰላም ጥራይ ፍትሓዊ ምዃኑ እንገልጸሉ ግዜ ብጺሑ እዩ፡ ርጉእን ነባሪን ሰላም ኣብቲ ዘይተረጋገጸ ሚዛን ምዕጋት ዘይኮነስ ኣብቲ ዝጥርንፍ ሕውነት ዝተሓንጸ ንሕናውነት ምቛም!

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውድሕ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ “ሰላም ዝከኣል ብሓቂ ምስ ዝድለ ጥራሕ እዩ” ከምኡ እውን “ሰላም ሕልሚ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት እዩ፡ እዚ ሰላም እዚ “ኣንጻር ቂምን ዕጡቕ ዓሌታውነትን እዩ  ዝብልን ናይ ውድብ ሃገራት ናይ ስምምዕ ሰነድ ብግልጽን ቅንዕናን ክትግበር ዘተባብዕ ሓሳብ ዘማእከለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ዓውደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓመጽ ግጭታትን ምህርቲ ኣጽዋርን ደው ክብል ዘቕርብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምቕራብ፥ ነቲ ናይ ሎሚ ዓለም መለለዪ ዝኾነ “ጥምየት ሕውነት” ዘንጸባርቕ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ዝኾነ ይኹን ውግእ ፍትሓዊ ኣይኮነን፥ ፍትሓዊ ሰላም ጥራይ እዩ። ስለዚ ድማ ንውግእ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣይፋል ክንብሎ ተላብዮም፡ ሰላም ዝከኣል ብሓቂ ምስ እተደልያ ጥራሕ እዩ።” እዚ ንጹር መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ዘንበቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተገማሚዑ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም

ወዲ ሰብ ዘሕልፎ ዘሎ “ወሳኒ ህሞት - ሰላም ንውግእ መገዲ ዝህብ ዝመስል” ከምኡ እውን “ኣብ ታሪኽ ናብቲ ምስ ምልዕዓል ግርሳም - ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ጉድለት ጸንፈይናነት እዋኑ ዝሓለፎ ጥራይ ዘይኮነስ ዝያዳ ዓመጽ ዝመልኦ ግርጭታት ዘናውጽ ቂመይናነት ዝመልኦ ዕጡቕን ቀጥዒ ኣልቦ ሃገራውነት” ናብ ዝንበረሉ ዝነበረ እዋን ንምለስ ኣሎና . . . ግርጭት እናወሰኸ ይኸይድ` ምርግጋእ ድማ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ገሊጾም፥ በብቕሩብ እናተገማመዐ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየድሉ እዋን ንነብር ኣሎና፥ እዚ ድማ እናተገማምዐ ሰለይ ኣናበለ ተኣኪቡ ናብ ዝሰፈሐ ውግእ ዘብጽሕ እዩ ዝኸውን፣”

ኣይፋል ንስነ ሓሳባትን ወገናዊ ረብሓታትን

እቲ ኣብ ዓለም ጸጥታን ሰላምን ንምክትታል ዕማም ዘለዎ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንባዕሉ “ብዓይኒ ህዝቢ ፡ሓይሊ ዘይብሉን ልሙስን ይመስል” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ተዓዚቦም፥ “እንተኾነ ግን እቲ ብቕድስቲ መንበር ብዙሕ ዝምስገን ስራሕኩም ሰላም ንምስፋን ኣገዳሲ እዩ” ቢሎም ኣስዒቦም፥ “ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ ስነ ሓሳባትን ወገናዊ ረብሓታትን ንጐድኒ ገዲፍኩም ናይ ሓባር ጸገማትና ክትገጥሙ ልባዊ ዕድመ ከቕርበልኩም እደሊ።”

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅዋም ብግልጺ ምትግባር

እቲ ሓደ ዕላማ ንኹሉ ጻዕርታት ከንቀሳቕስ ኣለዎ - እዚ ድማ ንጽቡቕ ኩሉ ሰብኣውነት ምጽዓር እዩ። “እዚ ቤት ምኽሪ እዚ “ቅዋም ሕቡራት ሃገራት ብግሉጽነትን ብቕንዕናን ብዘይ ሕቡእ ድራኸን ከም ግዴታዊ መወከሲ ፍትሒ እምበር ከም ናይ ሓሶት ዕላማታት ንምሽፋን ከይኣመተ” ከኽብሮን ክጥቀመሉን ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓውሎማዊ ዓለም ኵላትና ንቀራረብ ኣሎና፡ ካብዚ ሓሊፉ ግን ሕውነታዊ ዝብል ኣይኮነን፡ ብኣንጻሩ “ብጥምየት ሕውነት” ኢና ንሳቐ ዘሎና፡ እዚ ድማ ካብቲ ብዙሕ ኩነታት በደል ድኽነትን ዘይማዕርነት ከምኡ እውን ካብ ዘይምህላው ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ዝፍጠር እዩ።”

ንድሕሪ ምኻድ

ቅዱስነቶም ን2023 ዓ.ም. መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምጥቃስ፥ “ብሰፊሕ ውልቃውነትን ኢጎነትን ንዋታዊ ሃልኪን ዝልለይ ሓደስቲ “ስነ ሓሳባት ማሕበራዊ ምትእስሳር የዳኽሙ። ነቲ ‘ጓሓፋይ - ከም ውዳቕ ዝሓስብ’ ባህሊ የጓሃህር፡ እዚ ድማ ናብ ሸለልትነትን ምንጻልን ንዝደኸሙ ኣብ ግምት ናብ ዘይምእታው ይመርሕ . . . በዚ መገዲ እዚ ናይ ደቂ ሰባት ሓባራዊ ህይወት ናብ ሓደ ተራ ግበረለይ ክገብረልካ ናብ ዝብል ቀመራዊ ዝንባለ ይሰድድ እዚ ድማ ትዕቢትን ርእሰ ፍትወትን እዩ።”

ናይቲ ዘሎ ጥሜት ሕውነት ዝኸፍአ ሳዕቤን “ዕጥቃዊ ግጭትን ውግእን” እዩ። እዚ ድማ “ንውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ንመላኣ ህዝብታት ጸላእቲ ዝገብር ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ድማ ናብ ወለዶታት ዝሰጋገር እዩ” እዚ ንደቂ ሰባት ንድርሒት ዝመልስ ስጉምቲ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ምስቲ ድሕሪ ክልተ “ዘስካሕክሕ” ውግኣት ዓለም ዝነበረ ዘመናት ክነጻጸር እንከሎ፡ ክሳብ ምምስራት ሕቡራት ሃገራት ዘብጽሐ ትምህርቲ ዝሃበ ዝመስል ዝነበረ  ንሱ ድማ ናብ ዝያዳ ርግኣትን ሰላምን ኣብ መወዳእታ ስድራ ቤት ኣህዛብ ንምዃን ካብ ዝብል ተመክሮ ምርሓቕ ማለት እዩ።”

ካብ መሸጣ ኣጽዋር ቀሊል መኽሰብ

ከም ኣማኒ “ሰላም ሕልሚ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ “በሰንኪ ኩናት እዚ ዘደንቕ ሕልሚ ናብ ሕልሚ ቀትሪ ይቕየር ኣሎ፡ . . . ሱር ናይቲ ጸገም ቁጠባዊ እውን እዩ፡ ኲናት መብዛሕቲኡ ግዜ ካብ ሰላም ንላዕሊ መሳጢ እዩ፡ መኽሰብ ዘስፍሕ ክሳብ ዝኾነ። ግን ኩሉ ግዜ ንውሑዳትን ብዋጋ እቲ ክቡር ህይወት መላእ ህዝቢ ዝርከብ መኽሰብ እዩ፡ እቲ ካብ መሸጣ ኣጽዋር ዝርከብ ሃብቲ ገንዘብ ብንጹሓን ደም ዝጨቀወ እዩ፡ ሰብ ዘርክስ ተግባር እዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝረቐቐን ሓያልን ኣጽዋር ካም ምሻጥ ሰላም ንምሕላው ኢልካ ነቲ ኣመለኻኽታ ቀሊል መኽሰብ ምኽሓድ የድሊ። ካብ ውግእ ምክያድ ሰላም ምድላይ ዝያዳ ትብዓት ይሓትት። ርክብ ንምስፋሕ ዝያዳ ትብዓት ይሓትት፡ ካብ ምግጣም ካብ ተጻብኦታት ምቕጻል ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍ ምባል።”

ሓደገይና ኑክለሳዊ ኣጽዋር

ሰላም ንምህናጽ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ “ካብ ስነ መጎት ሕጋውነት ኩናት ክንርሕቕ ኣሎና” ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝካየድ ዝነበረ ዕጥቃዊ ግጭታት ዝያዳ ድሩት ስፍሓት ዝነበሮ ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ ግን “ምስ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ጃምላዊ ጥፍኣትን ርኢኻ እቲ . . . ዓውደ ውግእ ብተግባር ደረት ኣልቦ ኮይኑ ኣሎ። ሳዕቤናቱ ድማ ኣዕናዊ እዩ ዝኸውን።”

ንኲናት ብጽንዓት ኣይፋል ንበል፡ ውግእ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ሰላም ጥራይ ፍትሓዊ ምዃኑ እንገልጸሉ ግዜ ብጺሑ እዩ፡ ርጉእን ነባሪን ሰላም ኣብቲ ዘይተረጋገጸ ሚዛን ምዕጋት ዘይኮነስ ኣብቲ ዝጥርንፍ ሕውነት ዝተሓንጸ ንሕናውነት ምቛም!

ብሓቂ ኣብ ሓንቲ ምድሪ ኢና እንጓዓዝ ዘሎና፡ ነበርቲ ናይ ሓንቲ ናይ ሓባር ቤት ኢና፡ ነቲ እንነብረሉ ሰማይ ብደመና ብሔርተይናነት ከነጸልምቶ ኣይግባእን” እንክብሉ ኣመልኪቶም፡

ትዕግስቲ ኣርሒቕካ ምርኣይ ጽንዓት ዘተን ምስማዕን

ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ እንተሓሲቡ ኣበይ ኢና ክንበጽሕ? እንክብሉ ሓቲቶም፥ “እቶም ሰላም ንምሃንጽ ዝጽዕሩ ሕውነት ከስፍሑ ኣለዎም።” እዚ “ኒሕን ትዕግስትን ተመኩሮን ኣርሒቕካ ምርኣይን ጽንዓትን ተወፋይነትን ዘተን ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ” ዝሓትት “ኢደ ጥበብ” እዩ። ከምኡ እውን ብፍላይ ናይቶም ብሰንኪ ግጭት ዝሳቐዩ ሰባት ብፍላይ ድማ ናይ ህጻናት ኣውያት “ምስማዕ” ይሓትት።

ንብዓት ዝነብዓ የዒንቶም ክፈርዳና እያተን፡ እቲ ንሕና እነዳልወሎም መጻኢ ቤት ፍርዲ ናይዚ ሕጂ ዘለናዮ ምርጫ ክኸውን እዩ!

ኣብ ታሪኽ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላም ንምጽሓፍ ገና ግዜ ከምዘሎ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥ “ኲናት ናይ መጻኢ ዘይኮነስ ናይ ሕሉፍ ግዜ መገዲ ከም ዝነበረ ዝዝከር ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ወሳኒ መፍትሕ ድማ ‘ሕውነት’ እዩ።

ሕውነት ረቒቕ ሓሳብ ኮይኑ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ፡ ናይ ብሓቂ መበገሲ ነጥቢ ክኸውን ኣለዎ!

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 June 2023, 15:40