ድለ

ብጹዕ ኣቡነ ካቦ ካኖ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ንሰበኻ ማድሪድ ብጹዕ ኣቡነ ካቦ ካኖ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ንሰበኻ ማድሪድ  (Vatican Media)

ብጹዕ ኣቡነ ካቦ ካኖ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ንሰበኻ ማድሪድ

ብጹዕ ኣቡነ ካቦ ካኖ ኣብ ዞባ ኣንዳሉሲያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳቢዮተ ዝተወልዱ ወዲ 57 ዓመት ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብ 1994 ዓ.ም. ጀሚሮም ዝኻሃኑ

57 ዓመት ዝዕድመኦም ብጹዕ ኣቡነ ካቦ ካኖ ነቶም ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዞም ንርእሰ ሰበኻ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ዘገልገሉ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ኦሶሮ ሴራ ንኽትክኡ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሰበኻ ማድሪድ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዞም ዝመርሑ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎስ ኦሶሮ ሲየራ ብሕገ ቀኖና መሰረት ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኦም ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ዘቕረብዎ ሕቶ ዝተቐበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ወዲ 57 ዓመት ብጹዕ ኣቡነ ኾሴ ኮቦ ካኖ ሊቀ ጳጳሳት ንሰበኻ ማድሪድ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጹዕ ኣቡነ ካቦ ካኖ ኣብ ዞባ ኣንዳሉሲያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳቢዮተ ዝተወልዱ ወዲ 57 ዓመት ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብ 1994 ዓ.ም. ጀሚሮም ዝኻሃኑ ብሕጊ ዝተመረቑ ጠበቓ ከምኡ እውን ካብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ዳማሶ ብቲዮሎጊያ ምሩቕ ቆሞስ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ማድሪድ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ተሰምዮም ከም ዝጸንሑን ካብ 2020 ዓ.ም. ጀሚሮም እውን ኣብ ናይ ስፐይን ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ዛዕባ ማሕበራዊ ጉስነትን ሰብኣዊ ምዕባለን ናይ ዘነቓቕሕ ሽማግለ ኣባል ኮይኖም የገልግሉ ከም ዘለዉ ይሕብር።

14 June 2023, 16:19