ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ህዝቢ ዩክሬይን መዓልታዊ ኣብ ልበይ እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ህዝቢ ዩክሬይን መዓልታዊ ኣብ ልበይ እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ህዝቢ ዩክሬይን መዓልታዊ ኣብ ልበይ እዩ!

እቲ ሰላም ዘርእስቱ ብዕንባባ ዝተወቀበ ቀብኣ ቅንስል መልእኽቲ ሰላም ዘቃልሕ ብፍላይ ነቲ መዓልታዊ ኣብ ልበይ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬይን ኣብ እነቕርቦ ጸሎት ከይንደክም የዘኻኽረና!

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናሕሰቡ፡ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ጉደና ደላ ኮቺሊያዚዮነ ዝተነብረ ዕንባባዊ ቅብኢ ብምድናቕ፥ ምእንቲ ሰላም ኣብ ምጽላይ ኣይንድከም ሓደራ ቢሎም፡ ኣስዒቦም እውን ብምኽንያት እቲ ክብረ በዓል ልኡካኖም ዝሰደዱ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ “ክቡር ሓው - አምስግነኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ‘ሓለውቲ ቅዱሳን ከተማ ሮማ’ ኣብ ፊት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘሎ ነዊሕ ጎደና ደላ ኮቺሊያዚዮነ “ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተነብረ ዕንባባዊ ቅብኣ ቅንስል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣስተንፍሶ ገይሩ ዝቐረበ እውን ምዃኑ ዘኪሮም ነቲ ዕምባባዊ ቅብኣ ቅንስል ንዘቅረቡ ኣመስጊኖም፥

እቲ ሰላም ዘርእስቱ ብዕንባባ ዝተወቀበ ቀብኣ ቅንስል መልእኽቲ ሰላም ዘቃልሕ ብፍላይ ነቲ መዓልታዊ ኣብ ልበይ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬይን ኣብ እነቕርቦ ጸሎት ከይንደክም የዘኻኽረና!

ምስጋናይ ንሓው በርጠለመዎስ ቀዳማዊ

ቢሎም፥ ኣስዒቦም፡ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ በቢ ዓመቱ ዕለት 29 ሰነ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ከም ዝሳተፉን ዘኪሮም ነቶም ናይ ቁስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ስለ ምርኻቦም ኣመስጊኖም፥

ንልኡካን መንበረ ጳጳስ ቁስጥንጥንያ ሰላምታይ ደጊመ አቕርብ ንክብር ሓው ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ምዉቕ ሰላምታይ ከመሓላላልፍ ድማ እፈቱ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 June 2023, 16:24