ድለ

ቤት ሕክምና ጀመሊ ቤት ሕክምና ጀመሊ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕውየት ጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ

ድህረ መጥባሕቲ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ሓኻይሞም ዝጽበይዎ ዝነበረ ጽብቕ ምዕባለታት የርእይ ምህላዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ብሰንኪ መዓናጡ ምውራድ ዝፈጥረሎም ዝነበረ ቃንዛ ንምእላይ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ክግበረሎም ዕለት 7 ሰነ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከምዝኣተዉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ሕውየቶም ብጽቡቕ ይቕጽል ምህላዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ዕለት 12 ሰነ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕትን ኣብ ዘን ዝሓለፋ መዓልታት ናይ ቅዱስነቶም ሕውየትን ጽብቕ ምህላዉን እውን ነቲ መጥባሕቲ ዝመርሑን ዘካየዱን ጉጅለ ሓኻይም ዝመርሑ ከም ዝሓበርዎ ይብሉ ብሩኒ፥ ድህረ መጥባሕቲ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ሓኻይሞም ዝጽበይዎ ዝነበረ ጽብቕ ምዕባለታት የርእይ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፥ ከምቲ ልሙድ መዓልታዊ ሕይወቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና፡ ብጸሎትን ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ዕዮታትን ዝተሰነየ ምዃኑ ገሊጾም።

ክሳብ ዕለት 18 ሰነ ዝነበረ ናይ ቅዱስነቶም ወግዓዊ መርሓ ግብርታት ከም እተሰረዘን ምስ ምሉእ ሓይሎም መታን ክምለሱ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ እውን ኣብቲ ቤት ሕክምና ክጸንሑ ሓኻይሞም ከም ዝወሰኑን ብሩኒ ኣፍሊጦም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፖርቱጋልን ኣስዒቦም እውን ኣብ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ መብጻሕ ከካይዱ ብመደብ ዝተተሓዘ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

13 June 2023, 15:33