ድለ

2023.05.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስድራ መጻኢ ሕብርተሰብ እዩ! 2023.05.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስድራ መጻኢ ሕብርተሰብ እዩ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስድራ መጻኢ ሕብርተሰብ እዩ!

ህጻናት ውልቃዊ ንብረት ዘይኮኑስ ኣብ ዕብየት ኩሉ ኣበርክቶ ዝገብሩ ሰብኣውን ወለዶኣውን ሃብቲ ዘምጽኡ ‘ሰባት’ እያቶም

ናይ ኢጣሊያ “ግዝኣታዊ ጉዳያት መጠነ ውልደት” ዝከታተል ትካል “ዛዕባ ሕጽረት ውልደት ኣብ ኢጣሊያ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ኣብ ዝጠለቦ ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ዝተረኽቡ ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ “ናጻ ዕዳጋ” ዝፈጥሮ ‘ኣረመናዊ’ ኩነታት መንእሰያት ስድራ ቤት ከየቑምን ከይወልዱን ዕንቅፋት ይኾኖም ኣሎ፡ ስለዚህ ኣባይቲ ስድራ ንምድጋፍ ህጹጽ ጻዕሪ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም በዓል ጣልያን ዝኣመሰላ ሃገራት “ነቲ ቀዝሒ ውልደት” ክሰግረኦ እንተኾይነን፡ ወለዲ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ደገፍን ውሕስነትን ከም ዘድልየን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሳልሳይ ሕታም “ሓፈሻዊ ግዝኣታት ውልደት” ትካል ኣብ ሮማ ናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ጆርጂያ መሎኒ ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም”፥ ጉዳይ መጠን ውልደት ንመጻኢ ሕብረትሰብና ወሳኒ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ “ብሓቂ ውላድ ተስፋ ሓደ ሕዝቢ ንምዕቃን ቀንዲ መርኣዪ እዩ፥ ውሑዳት ድማ እንተ ተወሊዶም ተስፋ ውሑድ እዩ ማለት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢጣሊያ ዘሎ ቅልውላው መጠነ ውልደት

መጠነ ውልደት ኣብ ኢጣሊያ ንዓመታት እናነከየ ከም ዝመጸን ኣብ 2022 ዓ.ም. ድማ 393 ሺሕ ሕጻናት ከም እተወልዱን እዚ እውን ኣብ ታሪኽ እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ስርዓት ድሕነት ከቢድ ቁጠባዊን ማሕበራውን ሳዕቤን ከም ዘኸተለን፡ እዚ ጸብጻብ እዚ “ናይ ዘተይተረገጸ ስምዒት ንመጻኢ ዝምልከት፥ ንመንእሰያት እናዓበየ ናብ ዝኸይድ ስክፍታ የቃልዕ ምህላዉን፥ ውግእን ለበዳን ጃምላዊ ምዝንባልን ቅልውላው ከባቢ ኣየርን እውን ዓቢይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስድራ ቤት ምህናጽ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዘይብጻሕ ሕልሚ ኮይኑ ኣሎ

ስእነት ቀዋሚ ስራሕን ናህሪ ዋጋ ኣባይትን እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ከምኡ እውን እኹል ደሞዝ ዘይምርካብ፥ ስድራ ቤት ምምስራት ናብ ዓቢይ ጻዕሪ ዝቕየር ዘሎ ማሕበራዊ ሃዋሁ ዘርዚሮም፥ ኣክንዲ ንምምሕያሽ እንታይ ክግበር ኣለዎ እንብል፡ ብቐጻሊ ብዛዕባ ዋሕዲ መጠን ውልደት ኢና ደጋጊምና ንዛረብ ዘሎና፡ እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕን ኣደነትን ክመርጻ ዘገድደን ቀይዲ ኮይኑ ከምዘሎ ኣመላኺቶም፥

ስድራ ቤት ጸገም ዘይኮነስ ሓደ ናይቲ ጸገም መፍትሒ እዩ

እዚ ኩሉ ጸገማት ንፖለቲካውያንን ሰበስልጣንን ብድሆ እዩ፡ ከመይሲ ናጻ ዕዳጋ ብዘይ ኣገዳሲ ናይ መአረምታ ስጒምቲ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ይኸውንን እናገደደ ዝኸይድ ከቢድ ኩነታት ዘይማዕርነት ድማ የስዕብ ኣሎ፥

ሓደ ሰብ ንበይኑ ነቲ ቅልውላው ኣይስግሮን እዩ። ወይ ኩላትና ካብኡ ንወጽእ ወይ ከኣ ኩላትና ኣብቲ ጸገም ኢና ንተርፍ፡ . . . ወይ ብሓባር ወይ ድማ ማንም . . .

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ቍጽሪ ህብዚ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ነቲ ንውልቀ ሰባት መሰላትን ሓርነትን ፍሉይ መሰላት ዝህብ ውልቀ ሰባት ዘለዎም ባህሊ ኣብ ሕቶ የእትዎ ከም ዘሎ፡ ንመሰላት ስድራ ቤታት ዕሽሽ ምባል ከኣ እንስሳታት ዘቤት ኣብ ገሊኡ ስድራ ቤት ንቖልዑ ይትክእዎም ኣለዉ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስድራ ቤት ኣካል ናይቲ ጸገም ዘይኮነስ ኣካል መፍትሒ ምዃኑ ንግንዘብ፡ ነዚ ዝርአ ዘሎ ቀዝሒ ውልደት ንምምካት ሓባራዊ ጻዕርን ንቕድሚት ዝጥምት ስርዓተ ሕጊ ህጹጽ ኣድላይነት ኣለዎ። ብዙሓት መንእስያት ሕልሚ ስድራ ቤት ንምትግባር ይቃለሱን ነቲ ናይ ድሌት ደረጃ እውን ትሕቲ ኩሉ ንኸሰርዕዎ ይግደዱን . . . ምህላዎም ኣመላኺቶም፥

እቲ ጸገም ብሓባር ክንገጥሞ ኣለና፡ እዚ ኸኣ ብዘይ ህልዩኣዊውን መርገጽታታትን ዕንቅፋታት!

ቆልዑን ስደተይናታትን ሓንጎፋይ ቢልካ ምቕባል

ኣብ መንጎ ምቕባል ህጻናትን ምቕባል ስደተይናታትን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣጉሊሖም፥ እዚ ድማ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ መዳሊያ እዩ፡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ክሳብ ክንድይ ሓጎስ ከምዘሎ ዝገልጸልና እውን እዩ፥ ሕጉስ ሕብረተሰብ ብባህርይኡ ናይ ምፍራይን ምውህሃድን ድሌት ከማዕብል እንከሎ፡ ሕጉስ ዘይኮነ ሕብረተሰብ ድማ ብድምር ውልቀ ሰባት ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ነቲ ዘለዎ ኣብ ምክንኻ ዝጣበቕ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ተስፋ ጉዳይ

እቲ ብድሆ መጠን ውልደት ናይ ተስፋ ጉዳይ እውን ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፥ እዚ ድማ ምትላል ወይ ስምዒት ዘይኮነስ፡ ብተወፋይነት ኩሉ ሰብ ንጽቡቕነት ዝምግብ ጭቡጥ ባህሪ እዩ፡

ስለዚ ተስፋ ምምጋብ ማሕበራዊ ኣእምሮኣዊ ስነ ጥበባዊ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ስጒምቲ እዩ! ክእለትን ጥሪትን ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ምግልጋል ክውዕል ይገብር፥ ተስፋ ለውጢ የምጽእ ንመጻኢ ዘመሓይሽን እዩ!

ቢሎም ነቲ “ሓፈሻዊ ግዝኣታት ውልደት ትካል”፥ ዓቢ ናይ ተስፋ ምሕዝነት ንምፍጣር ዝድርኽ ዕድል እዩ እንክብሉ ደገፎም ገሊጾም፡ ብሓቂ ተስፋ ነቲ ቅልውላው ፍታሕ ኣብ ምርካብ ዘኽእል መገዲ ክንጓዓዝ ይድርኸና፡ መጠን ውልደት ዳግማይ ንምትብባዕ ማለት ነቲ ንመንእሰያትን ንመጻኢኦምን ዝጸሉ ዘሎ መልክዕ ማሕበራዊ ምግላል ምጽጋን ማለት እዩ፥”

ህጻናት ውልቃዊ ንብረት ዘይኮኑስ ኣብ ዕብየት ኩሉ ኣበርክቶ ዝገብሩ ሰብኣውን ወለዶኣውን ሃብቲ ዘምጽኡ ‘ሰባት’ እያቶም

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2023, 16:31