ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰርቢያ ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቅትለት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰርቢያ ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቅትለት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰርቢያ ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቅትለት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም

እቶም ዝተቐትሉ ንጹሓን ኣብ ሑቕፊ እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንሰአ ጎይታ ከምዘለዉ እምነቶም ጽኑዕ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ንኣባላት ስድራ ቤት ምዉታት ቅርበቶምን ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖምን ኣረጋጊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰርቢያ ብዝተፈጸመ ክልተ ዝተፈላለየ ጃምላዊ ቶኽሲ ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘንን ቅርበትን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ዝተሰምዖን መሪር ሓዘን ገሊጾም ጸሎት ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ግንቦት ኣብ ሰርቢያ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተፈጸመ ዝተፈላለየ ጃምላዊ ቶኽሲ፡ ሸሞንተ መንእሰያት ተመሃሮ ዝርከብዎም ዓሰርተ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝበጸሖም ሓበሬታ፥ ዘሕደረሎም ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝገለጹን ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ናይ በልግራድ ሊቀ ጳጳሳት ላዲስላቭ ነመት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ “ንኹሎም በዚ ትርጉም ኣልቦ ተግባራት ዓመጽ ዝተቐትሉን ማህሰይትን ዝወረዶምን ዝተሰኒኢብ ሓዘን መሪር ምዃኑ ገልጾም ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት

ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 3 ግንቦት ኣብ ቤልግራድ ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ቭላድስላቭ ሪብኒካ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ብዝፈነዎ ቶኽሲ ሸሞንተ መንእሰያትን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሓላዊ ጸጥታን ከም እተቐትሉን ከምኡ እውን ዕለት 5 ግንቦት ሓደ መንእሰይ ምሸት ኣብ መናፈሻ ዱቦና ካብ መኪናኡ ኮይኑ ብዝፈጸሞ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት 14 ድማ ከም ዝቖሰሉን ካብእቶም እቶም ክልተ ኣብ ዘሰክፍ ኩነት ከም ዝርከቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቶም ነቲ ቶኽሲ ዝፈነዉ ክልተ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከቡን ካብ ቤልግራድ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ እቶም ዝተቐትሉ ንጹሓን ኣብ ሑቕፊ እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንሰአ ጎይታ ከምዘለዉ እምነቶም ጽኑዕ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ንኣባላት ስድራ ቤት ምዉታት ቅርበቶምን ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖምን ኣረጋጊጾም፥ ኣባይቲ ስድራ ቤት ምዉታትን ዝተሃስዩን ብእምነቶም ክጸናንዑን ምንጽንናዕን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ከም እምሕጸኑ ኣፍሊጡ፣

ዛዕባ ኣጽዋር ዝምልከት ናይ መቆጻጸሪ ሕጊ

ናይ ሰርቢያ ርእሰ ብሔር ኣለክሳንደር ሹቺች ነቲ ተኹሲ “ኣብ ልዕሊ መላእ ህብዚ ሰርቢያ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ” እዩ እንክብሉ ኮኒኖም፥ ልዕሊ 1,200 ሓደስቲ ኣባላት ጸጥታ ክህልዉን ከምኡ እውን መንግስቶም ሓደስቲ ስጉምትታት ጸጥታ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን፥ ብተወሳኺ ዛዕባ “ነኣሽቱ ኣጽዋር ምውናን” ዝምልከት ሕጊ ዝኽተሎ ናይ ፍቓድ መምዘኒ ጽኑዕ ክኸውንን እቶም ኣጽዋር ክውንኑ ፍቓድ ዝሓቱ ስነ ኣእምሮኣዊ መርመራ ክግበረሎም ይግባእ ቢሎም፡ እዚ ውሳኔ እዚ እውን ከተግብርዎ ምዃኖም ቃል ከም ዝኣተዉን ይኹን እምበር ኣብ ሰርቢያ ከምዚ ዓይነት ግብረ ቅትለት ሳሕቲ ዝረአ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሰርቢያ ዝለዓለ ዋንነት ነኣሽቱ ኣጽዋር ዝረኣየላ ሃገር ከም ዝኾነት የመላኽት።

06 May 2023, 16:10