ድለ

ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ዘተ ቆጵጣዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ይንእዱ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ዘተ ቆጵጣዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ይንእዱ 

ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ዘተ ቆጵጣዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ይንእዱ

“ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያንን፥ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ርክብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሸኑዳ ሳልሳይን (1973 – 2023 ዓ.ም. )” ዘርእስቱ መጽሓፍ

ኣብ መንጎ ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተግበሰ ክሌኣዊ ዘተ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ነዚ ፍርቂ ዘመን ዘቑጽር ዘሎ ርክብን ምዕባሌታቱን ዘዘንትው ናይ ዝተደርሰ መጽሓፍ መቕድም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ዝተጻሕፈ ኮይ፡ኑ ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ዛዕባ ስነ ክርስቶስ ዝምልከት፥ ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ፍጹም መለኮት ዝብል ሃይማኖታዊ ዓንቀጸ እምነት ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዝዘከሩን፥ እቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ዘተ፡ ነዚ ሃምነናዊ ስምምዕ ዝምልከት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያንን ቆጵጣውያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ መራሕተን ፈላሚ ዘመናዊ ርክብ ካብ ዘበግሳ ሓምሳ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን ብዛዕባ እዚ ታሪኻዊ ርክብን ዘተን እቲ ርክብ ዘዕተሮ ኣብ ስነ ክርስቶስ ዘተኮረ ሓባራዊ ስምምዕ ቀንዲ ዛዕባ ገይሩ ናይ ዝተደርሰ መጽሓፍ መቕድም ከም ዝጸሓፉን፡ እዚ “ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያንን፥ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ርክብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሸኑዳ ሳልሳይን (1973 – 2023 ዓ.ም. )” ዘርእስቱ “ናብቲ ታሪኻዊ ርክብ ዝመርሕ መገዲ ዘተን ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ዘፍረዮን ዝድህስስ ዕለት 9 ግንቦት ንንባብ ከም ዝበቐዔ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናብ ምሉእ ሓባራዊ ቁርባን ዝወስድ ቀጻሊ ጉዕዞ

ፍራንቸስኮን ታዋድሮስን ኣብቲ ዝደረስዎ ናይታ መጽሓፍ መቕድም፥ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስያን “ናብ ምሉእ መንበረ ታቦታዊ ውህደት ገጸን ክጓዓዛ” ዘለወን ድሌት ብምግላጽ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ምዕባለ እውን ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እቲ ድሮ ዝተወስደ ስጉምትን ድሮ ዝተጓዕዝናዮ ርሕቐትን ብምዝካር እውን ንኣምላኽ ከነመስግን ይግብኣና፡ እዚ ድማ መብዛሕቲኡ ግዜ ካብቲ እንሓስቦ ኣዚዩ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ” ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዘንበሩ ኣመላኺቱ፥ ጳውሎስ ሻድሻይን ሸኑዳ ሳልሳይን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 9 – 13 ግንቦት 1973 ዓ.ም. ከም እተራኸቡን እቲ ርክብ ድሕሪ ልዕሊ 1000 ዓመታት ኣብ መንጎ “ጳጳስ ሮማን ፓትሪያርክ ቆጵጣዊትን ንፈለማ ግዜ ዝተኻየደ ርክብ ከም ዝነበረን ነቲ ድሕሪ ጉባኤ ቄልቄዶኒያ 451 ዓ.ም. ዛዕባ ስነ ክርስቶሳዊ ዝምልከት ዝተለዓለ ክትዕ መወዳእታ ዝሃበን “ቃል ስጋ ኮነ - ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም መለኮት” ኣብ ዝብል ሃምነናዊ ስምምዕ ከም እተፈራረሙን እቲ ርክብ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተደሪኹ ንቕድሚት ይብል ከም ዘሎ የዘኻኽር።

እናዓበየ ዝኸይድ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ

ኣብ መንጎ ጳውሎስ ሻድሻይን ሽኑዳ ሳልሳይን ዝተኻየደ ርክብ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ምፍጣር ሓዊሱ ነቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ፍርያም ይገብሮ ምህላዉን፡ እቲ ርክብ ናብ ሓባር ስምምዕ ከም ዘብጸሐን፥ እቲ ናይ ሓባር ኣህጉራዊ ሽማግለ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መላእ ስድራ ቤት ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየድ ቲዮሎጊያ ዘተ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ምርድዳእ እናዓበየ ክኸይድ ይገብር ምህላዉ ፍራንቸስኮን ታዋድሮስ ዳግማውን ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕውነታዊ ፍቕርን ምሕዝነትን ዝተጠርነፉ

ፍራንቸስኮን ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ሮማ ዕለት 10 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ከም እተራኸቡን ዕለት 10 ግንቦት ናይ ክልቲኤን ኣቢያተ ክርስቲያን “መዓልቲ ምሕዝነት” ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ከም ዝወሰኑን ኣዘኻኺሮም እቲ ናይ ሓባር ዘተ “ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” ዝብል ናይ ክርስቶስ ጸሎት መልሲ ዝኾነ ፍረ ኣብ ምፍራይ ክቕጽል ተስፋኦም ገሊጾም፡ ነቲ ዝደረስዎ ናይ ሓባር መቕድም፥ “እቲ ንኣቢያተ ክርስቲያን ዝጥርንፍ ሕውነታዊ ፍቕርን ምሕዝነትን ‘ዓለም ምእንቲ ክኣምን’ ክሳብ እታ ኣብ ሓደ መሰውኢ ብሓባር ቅዱስ ቁርባን እነብዕልን ካብ ሓደ ጽዋዕ ክንቅበልን እንኽእለሉ ዝተባረኸትን ብናፍቆት እንህንጠያ መዓልቲ ዘብጽሕ ይኹን” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 May 2023, 16:10