ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሃገርና መንግስተ ሰማይ እዩ!

ነዚ ሸቶ እዚ ምስ ተረዳእናዮ፡ ናብኡ ከመይ ገርና ኢና ንበጽሕ” ቢልና ንነብስና ንሕተት።” ሓደ ሓደ ግዜ “ብፍላይ ክንገጥሞም ዘሎና ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ዝህልወሉን ክፍኣት ዝሓየለ እዩ ዝብል ስምዒት ምስ ዝህሉን ‘እንታይ ክንገብርን ኣየናይ መንገዲ ክንስዕብ ከም ዘሎና ገዝእ ርእስና ንሕተት”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ ንስግተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 14, 1-12 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ መንግስተ ሰማያት ዓድና ምዃኑን ናብዛ ሃገርና ንኽንበጽሕ ንኢየሱስ ምስዓብ የድሊ እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንፈሳውያን ነጋዶ፥ እቲ ኢየሱስ ቅድሚ ሞቱ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ለበዋ ዝነግር ኣብ ዕለቱ ምንባብ ዝተሰምዐ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓበሮም መገዲ ሎሚ እውን ንዓና ይንገረና ኣሎ። “ናበይ ከም እንኸይድ ከመይ ገርና ከም እኸይድ ይምዕደና” ምስ በሉ፥

ናበይ ከም እንኸይድ

ቀጺሎም፥ “ናበይ ምኻድ” ዝብል ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ኢየሱስ ናይ ደቀ መዛሙርቲ ጭንቀት ይርኢ እሞ፥ ወትሩ ኣብ ቦታኦም ኪኾኑን መሕደር እውን ከም ዘዳለወሎም የረጋግጸሎም። “ኢየሱስ ነቲ ፍሉጥ ዝኾነ ምስሊ ‘ቤት’ ንሱ እውን ናይ ዝምድናን ቅርበትን ቦታ ከብ ኣብነት የቅርቦ። ኣብ ቤት ኣቦ “ንፈተውቱን ንነፍሲ ወከፍናን ቦታ ኣሎ። ኣብዚ ቤት እዚ ድማ ኵላትና ሓንጎፋይ ዝብል ኣቀባብላ እዩ ዝጽበየና።

እዚ ቃል እዚ፥ “ናይ መጸናንዕን ተስፋን ምንጪ እዩ . . . ኢየሱስ ካባና ኣይፍለይን መገዲ ድማ ኣርሂዉልና እዩ። ንሱ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ጽሕፎትና ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ምርኻብ እዩ . . .  ነዚ ዕላማ’ዚ ክንስሕቶ የብልናን፥ ሎሚ ብዙሕ ግዜ እንርስዖ . . . ናይ ፍጻሜ ኣገደስቲ ሕቶታት፥ ናበይ ኢየ ዝኸይድ . . . ናበይ ኢና እንኸይድ፡ ናበይ ገጽና ኢና እንጓዓዝ፡ ምንባረይ ወይ ምንባርና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፡ ብዘይ እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንህይወትና ኣብ ህሉው ጥራይ ኢና እነንብራ . . . ሃገርና መንግስተ ሰማይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከመይ ጌርና ኢና እንጓዓዝ

ነዚ ሸቶ እዚ ምስ ተረዳእናዮ፡ ናብኡ ከመይ ገርና ኢና ንበጽሕ” ቢልና ንነብስና ንሕተት።” ሓደ ሓደ ግዜ “ብፍላይ ክንገጥሞም ዘሎና ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ዝህልወሉን ክፍኣት ዝሓየለ እዩ ዝብል ስምዒት ምስ ዝህሉን ‘እንታይ ክንገብርን ኣየናይ መንገዲ ክንስዕብ ከም ዘሎና ገዝእ ርእስና ንሕተት” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኢየሱስ ነዚ ሕቶ እዚ ባዕሉ መልሱ ነጊሩና እዩ፥ ኣብ ሓቂ ንምንባርን ክንስዕቦ ዝግብኣና ሓቂ ምዃኑን እዚ ሓቅን እንኮ መገድን ድማ ንሱ ምዃኑ ነጊሩና እዩ፡ ስለዚህ ኣብኡ እምነት ምግባር፥ ከምዚ ክንብል እንኰለና “ዝተዓሸገ ቀመራዊ መልሲ” ምውናን ማለት ዘይኮነስ፡ እቲ ንሱ ዝኾነሉ መልሱ እንጓዓዘሉ መገዲ እዩ፡ ክፍጸም ዘለዎ ጉዕዞን ምስኡ ዝግበርን ጉዕዞ እዩ።”

ቢሎም፥ ነቶም ኣብቲ ጸሎት ንስግስተ ሰማይ ዝሓበሩ ምእመናን ኣብ ህልው ህይወት ገዛእ ርእሶም ከይዓጽዉ ምዒዶም፡ ንመንግስተ ሰማይ እናጠመቱ ህልው ህይወት ክንበሩ ከም ዘለዎም ድማ ሓደራ ቢሎም፡ ነዚ ዕላማ ክንዝርክን ናብ ዘለዓለምን ምስ እግዚኣብሔር ንኽንራኸብ ዝተጸዋዕና ምዃንና ክንሓስብ ከም ዝግባእ” ኣተሓሳሲቦም፥ እታ ንኢየሱስ ብምስዓብ ናብቲ ሸቶ ዝበጽሔት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ተስፋ ጉዕዞና ተሰንይ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

08 May 2023, 15:48