ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽር መበል 650 ዓመት ግልጸት ሕማማት ክርስቶስ ንእናቴ ጁሊያን ዘኖርዊች መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽር መበል 650 ዓመት ግልጸት ሕማማት ክርስቶስ ንእናቴ ጁሊያን ዘኖርዊች  (Matt Brown)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽር መበል 650 ዓመት ግልጸት ሕማማት ክርስቶስ ንእናቴ ጁሊያን ዘኖርዊች

ናይ እናቴ ጁሊያን ኣደኣዊ ጽልዋን ትሕትናን ዓሚቝ ቲዮሎጊያዊ ርድኢታታትን ኣብ እዋናውን፡ እምነት ኣብ ሓልዮት ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ኣብ ነሕዋትናን ኣሓትናን ብለጋስ ኣገልግሎት ዝግለጽ ቅድስና፡ ግዜ ዘይርስዖ ሓቅታት መሰረት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብጀካ ንክርስቲያናዊ ሕይወት ደቀ መዛሙርቲ እውን ዘይኮነ ፍትሓውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ዝድግፍ ግዜ ዘይርስዖ ሓቅታት እዩ፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 650 ዓምተ ዝኽሪ ግልጸት ሕማማት ክርስቶስ ንእናቴ ጁሊያን ዘኖርዊች ኣብ ዝካየዱ መደባት ንዝሳተፉ ዘለዉ ካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያንን መንፈሳውያን ነጋዶ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ግንቦት ናብቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ኖርዊች ኣብ ዝርከባ ካቴድራላት መበል 650 ዓመት ዝኽሪ ግልጸት ሕማማት ክርስቶስ ንእናቴ ጁሊያን ዘንሮዊች ኣብ ምሉእ ዓመት ኣብ ዝካየድ መደባት መንፍሳዊ ዝኽሪ ተጋባእያን መንፍሳዊ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጁሊያን በዓልቲ ኖርዊች ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረት እንግሊዛዊት ኣብ 1373 ዓ.ም. ብዛዕባ ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸታታትሊ ጸጋ ራእይ ዝተዓደለት ክትከውን እንከላ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ባዕላ ዝደረሰቶ መንፈሳዊ መጽሓፍ “ራእይ መለኮታዊ ፍቕሪ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ፥

ትርጉም ናይቲ ራእይ

“እዚ ራእይ እዚ ንባህሊ ክርስትና ዓሚቝ ትርጉም ዘለዎ ዘመናት ዝሰግር መልእኽቲ ዝሓዘ ሎሚ እውን ንኣና ዝዛረበናን ብምዃኑ ንዝክሮ ኣሎና . . . ናይ እናቴ ጁሊያን ኣደኣዊ ጽልዋን ትሕትናን ዓሚቝ ቲዮሎጊያዊ ርድኢታታትን ኣብ እዋናውን፡ እምነት ኣብ ሓልዮት ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ኣብ ነሕዋትናን ኣሓትናን ብለጋስ ኣገልግሎት ዝግለጽ ቅድስና፡ ግዜ ዘይርስዖ ሓቅታት መሰረት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብጀካ ንክርስቲያናዊ ሕይወት ደቀ መዛሙርቲ እውን ዘይኮነ ፍትሓውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ዝድግፍ ግዜ ዘይርስዖ ሓቅታት እዩ፡ . . . ብፍላይ ናይ ጁሊያን ልግሲ ነቶም መንፈሳዊ ምኽርን ምትብባዕን ዝድለዩ ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበል እዩ። እዚ ካልኦት ምእንቲ ክጥዕሞም ርእሰ ምችእነት ንምስዋእ ዘሎ ድልውነት ብፍላይ ነቲ ኣብተን ብዝያዳ ብንዋታዊ መዳይ ሃብታም ዝኾነ ክፋል ዓለም ጽምዋን ተነጽሎን ንዝነብሩ መልሲ ንምሃብ ቀረባ ንምዃን ዝድግፍ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ኣግዳስነቱ

ቅዱስነቶም መልእኽቶም፥ እቲ እናቴ ጁሊያን ብዛዕባ ምሕረትን ድንጋጸን ኣምላኽ ዝዛረብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ንእዋናዊ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ብዛዕባ ራእይ መለኮታዊ ፍቕሪ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፈቶ መንፍሳዊ ድርሳና እከይ ኣብ ማእከልና እኳ እንተሎ “ጸጋ እግዚኣብሔር ንኹሉ ንሰናይና ክልውጦ እዩ” ዝብል ጽኑዕ እምነት ዘመሓላፍን፡ ኣብዚ እምነት እዚ ዝሃንጽን እዩ ቢሎም፡ “ኩሎም እቶም ከም ውግእን ምጉዳል ፍትሒን ምህዳራዊ ዕንወት ወይ መንፈሳዊ ድኽነት ዝኣመሰለ ክቢድ ብድሆታት ዜጋጥሞም ሰባት በዘን ነባሪ ዘመን ተሳጋሪ ቃላት ጥበብ ክጸናንዑን ክበራትዑን እጽሊ . . . “ ንኾሎም ኣብቲ መደብ ንዛተፉ መንሳውያን ነጋዶ “ቡራኬ አመሓላልፍ” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 May 2023, 16:26