ድለ

2023.04.29 ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ሃንጋሪ፥ ‘መንእሰያት ቀጻሊ ምስክርነት የድልዮም’ 2023.04.29 ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ሃንጋሪ፥ ‘መንእሰያት ቀጻሊ ምስክርነት የድልዮም’  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ሃንጋሪ፥ ‘መንእሰያት ቀጻሊ ምስክርነት የድልዮም’

ንመንእሰያት ከመይ እንተገልገልና እዩ ዝሓሸን ዝበለጸን? ዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ዘይለዋወጥ ቀጻልን ሓቀይናን ምስክርነት ብምቕራብ ኣብነታዊ ምስክርነት እዩ ዘድሊ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዎ መገሻ ዕለት 29 ሚያዝያ ኣብታ ሃገር ምስ ዘገልግሉ ዘለዉ ደቂ ማሕበሮም ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም ተራኺቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን “ካቶሊካዊ ስልጣነ” ኣብ እተሰምየ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ተሓቲሙ ንንባብ ከም ዝበቐዔ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ቡዳፐስት ዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ምስ ዘገልግሉ ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም ብሕታዊ ርክብ ከም ዘካየዱን፡ ናይቲ ኣብቲ ቡዳፐስት ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ዝተኻየደ ርክብ ምሉእ ትሕዝቶ ብዋና ኣሰናዳኢ መጽሔት “ካቶሊካዊ ስልጣነ” ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ተሰኒዱ ከም ዘቕረበን ቅዱስነቶም ነቶም 32 ኢየሱሳውያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ብናጽነት ሕቶኦም ከቕርቡ ድማ ዓዲሞም፥ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ መሰረት ገይሮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ቀጻልን ሓቀይናን ምስክርነት

ንመንእሰያት ከመይ እንተገልገልና እዩ ዝሓሸን ዝበለጸን? ዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ዘይለዋወጥ ቀጻልን ሓቀይናን ምስክርነት ብምቕራብ ኣብነታዊ ምስክርነት ከም ዘድልን ብፍላይ መንእሰያት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መንእሰያት ካህናትን ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ካህናት ጥቡቕ ዝምድና ክህልዎምን ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ጥበብ ምምሃር ክቡርን ኣድላይን ምዃኑ ከስተውዕሉ ምድጋፍን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ እቶም መንእሰያት ተመሃሮ ዘርኣ ክህንትን መንእሰያት ካህናትን ምስ መንፈሳዊ ተመክሮ ቅዱስ ኢግናጺዮስ ብግብኡ ክላለዩ ምድጋፍ የድሊ፡ መንእሰያት ክልተ መልሓስ ኣይጻወሩን እያቶም፡ ስለዚ ምስ መንእሰያት ግልጽን ሓንትን ዘረባ እዩ ዘድሊ፡ ማለት ‘ሓቂ’ ምዝራብ የድሊ።

ካልኣይ ግዜ ኣብ ሃንጋሪ ምርኻቦም

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናብ መሬት ሃንጋሪ ንኽመጹ ዝደረኾም ምኽንያት፥ እቲ ቀዳማይ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ ዝተኻየደ መበል 52 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ንኸዛዝሙን ዝተረኽብሉ ምንባሩን . . . ድሕሪ እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ናብ ስሎቫኪያ ክበጽሕ ስለ ዝነበረኒ ኣብ ሃንጋሪ ክጸንሕ መደብ ኣይነበረን፡ ስለዚ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ ቃል ኣትየ ድማ ስለ ዝተፋነኹ በዚ ምኽንያት ነቲ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ዕድመ ኣኽቢሮም ንካልኣይ ግዜ ኣብ ሃንጋሪ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ሓቢሮም፥

ዓመጽ ዝፍጽሙ ምኹናን

ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኹሉ ሰብ እንኮላይ ነቲ ሕድገት ክትገብረሉ ዘይከኣል ግብረ ዓመጽ ብኸመይ ተሰንዮ፡ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “ግብእ መቕጻዕትን ዕርቂ ምስ ሓውን ኣገዳሲ እዩ። ጾታዊ ዓመጽ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ንምሉእ ህይወቶም ዘሰንዮም በሰላ ዝሓድግ እዩ። እቲ በዳሊ ክኹነን ዘለዎ ግን ሓው እውን እዩ። እቲ ምኹናን ግን ከም ናይ ፍቕሪ ስራሕ ምርኣይ የድሊ፥ ንጻልኢኻ ምፍቃር ዝብል ስነ መጎት ዘመላኽቶ እውን እዩ። ነዚ ክትርድኦን ክትገልጾን እውን ቀሊል ኣይኮነ።”

“እቲ በዳሊ ጻላኢ እዩ” ነፍሲ ወከፍና ነቲ ዝሳቐይ ዝተበደለ ሰብ ስቓዩ ካብ ምርዳእ ናይ ስቓዩ ተሳተፍቲ ምዃን የድሊ፡፡ ዓመጽ ኣብቲ ዝተዓመጸ ሰብ ልቢ እንታይ ከም ዝሓድግ ምስማዕ የድሊ፡ እቲ እትረኽቦ ጦብላሕታ ኣዚዩ ሓያል እዩ፡ ስለዚ በዳሊ መቕጻዕቲ ይግብኦ እዩ፡ ግን ከኣ ጓሳዊ ክንክን እውን ዝግብኦ ምዃኑ ምዝካር የድሊ . . . እዚ ቀሊል ድማ ኣይኮነን!”

ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ራእይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ . . . “ናይ ምንፍቕ ሕማም” ከቢድ እዩ . . . ምንፋቕ ሕማም ክኸውን እንከሎ ጸገም እዩ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ሓለውቲ ትውፊት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደንገግዎ ቀኖናዊ ሕጊ፥ ሓደስቲ ካህናት በቲ ናይ ቀደም ሮማዊ ስርዓተ ቅዳሴ መሰረት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ንዝደልዩ ወግዓዊ ፍቓድ ክረኽቡ ከም ዘለዎም የተሓሳስብ። ንድሕሪ ምምላስ ምስ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16 ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘይሰማማዕ እውን እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ክቡር ሃብቲ እያቶም

ቅዱስነቶም ንድሕሪት ምልስ ቢሎም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉላ ዕለት እናዘከሩ፡ ካብቶም ኣብታ ዕለት እቲኣ ምስኦም ማዕርገ ክህነት ካብ ዝተቐበሉ ሓሙሽተ ብጾቶም ንሶምን ካልእ ሓደ ጥራሕ ብህይወት ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም፥ ማዕርገ ክህነት ኣብ ዝተቐበሉሉ ዕለት ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ካብቲ ዝመሃሩሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ስነ ቅመማ ተቕዋም ዝመጹ ኣመንትን ኢኣማንያንን ከምእተሳተፉ እውን ዘኪሮም፥ ሓደ ካብኦም በቲ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ከም እተቐተለ ይዝክሩ። ነቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንዝሓተቶም መንእሰይ ኢየሱሳዊ ካህን ኣብ መወዳእታ “ካብ ኣረግቶትን ኣረጋውያንን ዘይምንስሓብ፥ ሃብቲ እያቶም! ምኽሮምን ጥበቦምን ጽን ምባል ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣርጀንቲና ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ 1976 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ብዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝተኣሰሩን ኣብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፉ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈረንክ ኻሊስስ ዝነበሮም ርክብ እንታይ ይመስል ዝብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፥ “ካብ ቤት ማሕቡስ ምስ ወጹ ኣብቲ እዋን ተራኺብናን ብዛዕባ ዝወረዶም ኩሉ የዕሊልናን ኢኣን . . . ናብ ኣመሪካ ናብ ኣዲኦም ክኸይድ ድማ ምዒደዮም። እቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብቲ እዋን ንሶም ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ሓለቓ ብምንባሮም ኣባ ኻሊሲስ ንኽፍትሑ ብዙሕ ከም ዝጸዓሩን በንጻሩ ግን እቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብቲ ጉዳይ ተዋሳኢ ከምስለኒ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ፥ በዚ ምኽንያት ድማ ናይ መእሰሪኦም ምኽንያት ኣነ ምዃነይ ዝንገር ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣፈ ታሪኽ ድማ ተደርሰ፡ . . . ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ድማ ናይ ኣርጀንቲና ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘሕተሞ ሰለስተ ሰነዳት ምንባብ ዝበለጸ እዩ፡  ቢሎም ኣስዒቦም ኣብቲ እዋን እቲ ካልእ ተኣሲሩ ዝነበረ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኦርላንዶ ዮሪዮ እውን ይዝክሩ፥ ኣዞም ክልተ ካህናት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ክውሰዱ እንከለዉ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ኣርጀንቲ ብዙሕ ዝተደናገረ እውን ብምንባሩ ክትገብሮ ኣትኽእል ዘይተፈልጠሉ እዋን እዩ ነይሩ፥ ከይውሰዱ ድማ ዝከኣለኒ ኩለ ገይረ እየ፥ ብሓቂ መሪር ታሪኽ እዩ ነይሩ” እንክብሉ ከም ዝመለሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 May 2023, 15:47