ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ግዳያት ውሕጅ ኣብ ሩዋንዳ ይጽልዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ግዳያት ውሕጅ ኣብ ሩዋንዳ ይጽልዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ግዳያት ውሕጅ ኣብ ሩዋንዳ ይጽልዩ!

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ዞባታት ሩዋንዳ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ክሳራ ህይወትን ንብረትን ኣዚዩ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ዞባታት ሩዋንዳ ብዘጋጠመ ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ግዳያት፡ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ምእንቲ ግዳያትን ቤቶምን ንብረቶምን ዝሰኣኑ ኩሎም ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ ዝፈጠሮ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ምስ ተሓበሩ ኣብ ሩዋንዳ ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣርናልዶ ካታሎን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ነቶም ዝተጎድኡ ጽንዓት ይሃብ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ዞባታት ሩዋንዳ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ክሳራ ህይወትን ንብረትን ኣዚዩ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም፡ ነቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኽንያት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ብጀካ’ዚ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ዝተጎድኡን ዝተመዛበሉን ከምኡ እውን ነቶም ንዝተጐድኡ ኣብ ምእላይ ንዝተዋፈሩ ናይ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ሰራሕተይናታት ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም ንመላእ ህዝቢ ሩዋንዳ ሓዋርያዊ ቡርኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

ኩነታት ኣብተን ዝተጠቕዓ ዞባታት ሩዋንዳ

ምኽትል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩዋንዳ ኣላን ሙክራሊንዳ ዕለት 4 ግንቦት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዕለት 3 ግንቦት ካብ ዝጀመር ኣትሒዙ ኣስታት 130 ሰባት ከም ዝሞቱን 77 ከም እተጐድኡን ካብዚእቶም እቶም 36 ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡን ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት እውን ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ሓቢሮም፥ ልዕሊ 5,100 ኣባይቲ ከም ዝዓነወን ኣብ ልዕሊ ካልኦት 2,500 ኣባይቲ እውን መጠነይና ዕንወት ከምዝወረደን ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን፥ ናይ ሩዋንዳ መራሔ መንግስቲ ኤድዋርድ ንጊረንተ ኣብ ዝተጐድአ ከባቢታት ዑደት ብምክያድ፡ እቲ ካባቢ ናብ ንቡር ዕለታዊ ሕይወት ንኽምለስ ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝሓትት ኣፍሊጦም፡ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓቢሮም ይብል።

05 May 2023, 16:27