ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ‘ውሑስ ቶኽሲ ደው ምባል” ክህሉ ንጸልይ! ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ‘ውሑስ ቶኽሲ ደው ምባል” ክህሉ ንጸልይ!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ‘ውሑስ ቶኽሲ ደው ምባል” ክህሉ ንጸልይ!

ኣጽዋር ስቕ ይበል ምኽንያቱ ኣጽዋር ውሕስነትን ምርግጋእን ፈጺሙ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። የገዳስ ንዅሉ ናይ ሰላም ተስፋ ዘዕንው እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 14 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ሓሳቦም ናብ ቅድስቲ መሬት ገይሮም፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍስልጥኤምን ኣብ ምድረ በዳ ወሽመጥ ጋዛ ዝተበጽሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምሞ ጸኒዑ መታን ክቕጽል ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣጽዋር ይታዓበስ” ምኽንያቱ ኣጽዋር ፈጺሙ ውሕስነትን ምርግጋእን ዘምጽእ ኣይኮነን! ኣክንድኡስ ናይ ሰላም ተስፋ እዩ ዘዕንው!” ቢሎም፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም መታን ክወርድ ድማ ናይ ኩሉ ጸሎት ሓቲቶም፥ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ውሽመጥ ጋዛ ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤልን እስላማዊ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ዝርአ ዘሎ ግጭት፥ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ሰለስተ ናይቶም ዕጡቓት ሓይሊ ላዕለዎት መራሕቲ ምስ ተቐትሉ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተበራተዐ ውግእ ደው ክብል ንጸልይ ቢሎም፥ እቲ ብመንጎይናነት ምስሪ ዝተበጽሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተግባራዊ ይኸውን ከም ዘሎ እውን ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ጸኒዑ ክቕጽል ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ መንጎ እስራኤልን ጅሃዳዊ እስላምዊ ዕጡቓት ሓይሊ ዝተኻየደ ግጭት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ንጹሃን ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ዝግለጽ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም፥ ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ህጻን ዝርከቦም 13 ሰባት ካብቶም ኣብ ጋዛ ኣድማ ዘካይዱ ዝነበሩ ከም እተቐትሉን ክንገር እንከሎ፥ ቅዱስነቶም “እቲ ዝተበጽሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክቕጽልን ክልቲኦም ወገናት ኣጽዋሮም ከንብሩ ከም ዝኽእሉ እውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

ኣጽዋር ስቕ ይበል ምኽንያቱ ኣጽዋር ውሕስነትን ምርግጋእን ፈጺሙ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። የገዳስ ንዅሉ ናይ ሰላም ተስፋ ዘዕንው እዩ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 May 2023, 16:10