ድለ

2023.05.05 ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ጽኑዓት ክኾኑ የተባብዑ 2023.05.05 ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ጽኑዓት ክኾኑ የተባብዑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ጽኑዓት ክኾኑ የተባብዑ

“ነዚ ክፍኣት እዚ ደው ንምባልን ንግዳያት ንምሕጋዝን ብግቡእ ዘይምስራሕ ነቲ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዝምልከት ምስክርነትና ኣርኪስዎ እዩ፡”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ተቐቢሎም፥ እቶም ኣባላት በቲ እቲ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዝስማዕ ጸገማትን ብዙሕ ፍጻሜታት ኣይገበረን ዝብል መሰረት ኣልቦ ዝኾነ ርእይቶ ከይተሰናበዱ ኣብ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎቶም ክጸንዕ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻል ኣካይዳ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ዝምልከት መምርሕታትን መዐቀኒታት ንምምሕያሽ ዝግበር ጻዕሪ “ክቕጽል ኣለዎ” ከም ዝበሉን፡ እዚ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝቖመ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሁሩ ወመሃሩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ካብ ወርሒ ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ውሽጢ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክሕቆፍ ካብ ዝውሰን ንደሓር ኣብዚ ሰሙን እዚ ካልኣይ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ የካይድ ምሃዉን ናይዚ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ዝክረ ነገር፥ ካብ ዝተፈላለየ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ  ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝቐረቡ ጸብጻባት ምግምጋምን ከምኡ እውን ናይቲ ጳጳሳዊ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ፍጻሜታት ናይ ሓሙሽተ ዓመት መደባቱን ገምጋማትን ምክያድ ዝብል ኮይኑ፥ እዚ እውን ብኽፉት ዘተ ዘካይዶ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብግቡእ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ነቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ እንህቦ ምስክርነት ኣርኪስዎ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቅልውላው ጾታዊ ዓመጽ “ብፍላይ ንቤተ ክርስቲያን ዘየማትእ ዕቱብ ተግባር እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፥ ምኽንያቱ፥ “ነዚ ክፍኣት እዚ ደው ንምባልን ንግዳያት ንምሕጋዝን ብግቡእ ዘይምስራሕ ነቲ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዝምልከት ምስክርነትና ኣርኪስዎ እዩ፡” በዚ መንጽር እዚ ቅዱስነቶም፥ እቲ “ሕድገት ሓጢኣት” ዋላ’ኳ “ንኡስ ክውንነት” እንተመሰለ፡ ካብቲ ብበዳሊ ዝፍጸም ጭቡጥ ሓጢኣት ዝወሓደ ከበድ ዘይብሉ ኣይኮነን፡” ብርግጽ ብወገን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ክግበር ዝግብኦ ዘይምግባሮም “ንብዙሓት ጠንቂ ጸለመ ኮይኑዎም እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ቅልውላው ግህሰት ስቕ እትብል ኣይኮነትን

ኣብ ቅድሚ ቅልውላው ግህሰት፡ ቤተ ክርስቲያን ስቕ እትብልን ዘይንጥፍቲ ከም ዘይኮነትን ኣስተብሂሎም ብዘለዎም ናይ ተኸታል ቅዱስ ጰጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት እውን ነቲ ዝቐርብ ክስን ክንክን ዝወሀብሉ ቦታ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑን ዝገልጽ “ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ሕጊ ዘኪሮም፥ ነቶም ኣደዳ ግህሰት ምዃኖም ዝሕብሩ ዘቕርብዎ ክሲ ዘይሰምዑ ጳጳሳትን ሓለፍቲ ገዳማትን በቲ ዝፍጽምዎ ወይ ዝሽፍንዎ ግህሰት ይሕተቱ ዝብል ምዃኑን እዞም ሕግታታ እዚኣቶም ብቐዋምነት ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ እያቶም” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ኣመላኺቱ፥

ሎሚ ብቕንዕና በቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ኣይተተንከፍኩን ክብል ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን

ብጽንዓት ንቕድሚት ምባል

እቲ ጳጳሳዊ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ነቲ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ዘሳልጦ ዕዮ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፥ እቶም ናይቲ ሽማግለ ኣባላት ኣብ ግምት ከእትውዎ ዝግብኦ ሰለስተ መትከላት፥

ብቐዳምነት፥ “ጸኒዖም ንቕድሚት ክስጉሙ” ኣምበር “ውሑድ ለውጢ ዝርአይ ኮይኑ ክስምዖም እንከሎ ተስፋ ከይቖርጹ” ምዒዶም፥ “ተስፋ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ንኽንወጽእ ዝገብር መሃዛዊ ሓይሊ ኣምላኽ” ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ ከም ዝበሉን፥

ምስቶ ካብቲ ዓመጽ ዝደሓኑ ምዝታይ

ኣስዒቦም ንኣባላት ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ነቶም ብጾታዊ ዓመጽ ዝተጎድኡን በዚ ዓመጽ እዚ ስዒቡ እውን ዝተገድአ ብዙሕ ህይወት፥ ኣባይቲ ስድራን ፈተውቶምን ምስቶም ካብቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ብቐረባ ብምዝታይ ምስኦም ዕርቂ ክህሉ መታን ቃንዛኦም ንኽከፍቱን ከካፍሉን ብምትብብዕ ክሕግዙ ተላብዮም፥ ቀስ ብቐስ እውን ምስ ቤተ ክርስቲያን ክዕረቑ መታን ነዚ ሓገዝ እዚ ክፍጽሙ ሓቲቶም፥

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሓደ ካብ ግህሰት ዝደሓኑ ጉጅለ ተራኺበ፡ ንሳቶም ምስ መሪሕነት ናይቲ ቅድም ሓምሳ ዓመት ኣቢሉ ናይቲ ዝመሃርሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ዘካይድ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ትካል ክራኸቡ ሓቲቶምኒ ነይሮም፡ እዚ ዝጠቕስኩሉ ምኽንያት ብግልጺ ስለ ዝተዘራረብሉ እዩ። ኩሎም ኣረጋውያን ስለ ዝነበሩ ገለ ካባእቶም ግዜ ቀልጢፉ ይሓልፍ ከምዘሎ ስለ ዝትረድኡ፡ ዝተረፉ ዓመታት ብሰላም ከንብሩ ድሌቶም ገሊጾም። ንኣኣቶም ሰላም ማለት ምስታ ዝተጐድኡላ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮም ርክብ ዳግማይ ምጅማር ማለት እውን እዩ።

ንቤተ ክርስቲያን ሰላም ዝህብ ኩነት

እቶም ናይቲ ሽማግለ ኣባላት ኣብ ተግባራቶም “ልኡማት” ኪኾኑ ሓቲቶም፥ “ከየዕረምረሙ ጾር ሓድሕዶም ክስከሙን እንተኾነ ግን እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ናይ ካሕሳ ህሞት ኣብ ታሪኽ ድሕነት ናብ ካልእ ህሞት ከም ዝቕየር ኣብ ግምት ካብ ምእታው እዩ፣ ሕጂ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታትን ኣብቶም መከራ ዝወረዶም ሰባትን ዘስዓቦ ማህሰይትን ዝነጽግሉ እዋን ምዃኑ ኣትሪሮም ብምዝኽኻር፥ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ንእተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጾታዊ ማህሰይቲ ንምውጋድ ዝሓገዘን ክእለት ብምዝኽካር፥ ንመንእሰያትን ንተኣፋፍያንን ንምሕላው ኣድላዪ እዩ እዚ እውን ንኹሉ ሰብ መምርሒ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ እውን ቅኑዕ ኣካይዳን ጥዑይ ኣነባብራን ንምርካብ ካብ ባህሊ ሰባት ወይ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ናጻ ዝኾነ ንኹሎም ሰባት ናይ ምኽባር መሰረታዊ ስርዓታት ኵላዊ ሕጊ ክኸወን ኣለዎም” እንክብሉ እደጊሚም ብምርግጋጽ፥

ኩሎም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሕጊ እዚ በቲ ንምእመናን ዘገልግሉ ኣገባብ ከኽብርዎ ኣለዎም። ብግዲኦም ድማ በቶም ነቲ ሕብረተሰብ ዝመርሑ ብኣኽብሮትን ብኽብርን ክሕዙ ኣለዎም።

ምስ ኩርያ ሮማና ምትሕብባር

ቢሎም መደረኦም፥ እቲ ጳጳሳዊ ድርገት ሓለዋ ህጻናት ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ዘይምዕሩይነት ንምፍታሕ መደባት ስልጠናን ሓገዝን ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ንዝርከቡ ግዳያት ብምዝርጋሕ ዝሓንጸጾ መደብ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ናይ ስብከተ ወንጌል ንኣሕዛብ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝፈጸሞ ስምምዕ ውስጠ ምትሕብባር ኣድኒቖም ነዚ ዝተሓላለኸ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ክእለት ንናይ ኩርያ ሮማና ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ከኸካፍል ምዒዶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 May 2023, 16:13