ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ናብቲ ኣዚዩ ዝረሓቀ ዶባት ኣብጸሖ

“ንፍራንቸስኮ ኻቪየር ረኣዩ፡ ደረት ዓለም ረኣዩ፡ ነቶም ብርቱዕ ጸገም ዘለዎም ህዝብታት ረኣዩ። ነቶም ዝሳቐዩን ንኢየሱስ ዝደልዩን . . . ኪዱ ትብዓት ድማ ይሃልኹም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ “ኣብዚ ግዜና ካብ ኩሉ ዝዓበየ ልኡከ ወንጌል” ዝነበረ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር” ማእከል ዝገበረ ኣብ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ዝነበሮ ሓዋርያዊ ቅንኣት ንኢዶም፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ወንጌል ንምስፋሕ ናብ ርሑቕ ክፍልታት ዓለም ከም ዝደረኾ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ዝርሓቀ ዶባት ዝድርኽ ሓይሊ እዩ። እቲ ናብ ዝርሑቕ ክፍልታት ዓለም ዝደረኾ ፍቕሪ ክርስቶስ ብቐጻሊ ጻዕርን ሓደጋን ዕንቅፋትን ተስፋ ምቑራጽን ሰጊሩ፡ ብሓቂ ክሳብ መወዳኣታ ምጽንናዕን ሓሴትን” ከም ዝጸገዎ ብዘረጋግጽ ሓሳብ ኣበጊሶም፥ በዚ መሰረት ሓዋርያዊ ቅንኣት ዘማእከለ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፥ “ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ናይ እዋንና እቲ ዝዓበየ ልኡከ ወንጌል ተባሂሉ ብግቡእ ዝእመነሉ” ምዃኑ እውን ገሊጾም፥ እዚ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእኾታት ሓላዊ ቅዱስ፡ ወንጌል ንምስፋሕ ኣብ ዝተረኽበሉ ቦታ ኩሉ ንሕሙማንን ድኻታትን ህጻናትን ዝነበሮ ሓልዮት ንኢዶም፥

እቲ ጽዑቕ ንጥፈታቱ ወትሩ ምስ ጸሎትን ምስ ኣምላኽ ዝተወሃሃደ እዩ ነይሩ!

ምስጋና ንናይ ሎሚ ልኡካነ ወንጌል

ቢሎም ካብ “ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ክንመሃር ንኽእል ኢና፡” ምስ በሉ ንኣኡ ዘለዎም ኣድናቖት ነቶም ብእምነትን ብፍቕሪ ክርስቶስን ተደሪኾም ሎሚ እንነብረሉ ዓለም ንልኡካነ ወንጌል ከምኡ እውን ኣብዚ ተልእኾ እዚ ዘገልግሉ መንእሰያት ኣመስጊኖም፡ እዚ ትብዓት እዚ ሎሚ ኣብ ልኡካነ ወንጌል ንርእዮ ኣሎና። . . .

ብዙሓት ትሑታትን ረኣዩለይ ስምዑለይ ዘይብሉ ልኡካነ ወንጌል ኣለዉ። ሎሚ እውን እንተኾነ ካብ ቅዱስ ፍርንቸስኮ ኻቪየር ንላዕሊ ኣበርቲዖም ዝዓዩ!

ብዙሓት ካህናት ዓለማውያን ምእመናን ኣሓትን ኣሓውን ናብ ተልእኾ ወንጌል ዝኸዱ ኩሎም ዘኪሮምን ንኢዶምን ካብኣቶም ብዙሕ ክንመርሃ ከም እንኽእል እውን ገሊጾም፥

ንእግዚኣብሔር ብዘይገለ ዕቃበታት ምግልጋል

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ኣብ መንጎ ዕግርግር እውን እንተኾነ ምስ ክርስቶስ ምቕራቡን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ምግባሩን ኩሉ ግዜ ከመይ ከም ዘሐየሎን ኣጉሊሖም፥

ኣብ ጸሎት ሓይሊ ከም ዘሎ ስለ ዝኣምን ካብ ጸሎት ፈጺሙ ኣይቦኽረነ

ፍራንቸስኮ ኻቪየር ኣብ 1560 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ስፐይን ኣብ እትርከብ ከተማ ናቫረ ከም ኣተወልደን ድሒሩ ድማ “መጻኢኡ ዘውሕስ ጽቡቕ ደሞዝ ዘኽፍሎ ኤቅለሳውያ ስልጠና ንምርካብ” ኣብ መንበረ ጥበብ ፓሪስ ኣተዩን ኣብ መጽናዕትን ስፖርትን ከም ተመሃራይን ከምኡ እውን ብመንፈሳዊ ህይወቱ ዝድነቕ ከም ዝነበረ ሓቢሮም፥ . . . ካብኡ ምስ ዝዓበየ ብጻዩ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላ ድማ ይራኸብ፥ ዕርክነቱ ከም ዘጽንዑን እዚ እውን ሓድሽን ዓሚቝን መንፈስዊ ተመክሮ ክነብሩ ከም ዝሓገዞም ኣጉሊሖም፥ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ካብቶም ኣብቲ እዋን ናብ ርሑቕ ምብራቕ ምስ ካልኦት ኢየሱሳውያን ኮይኑ እምነት ንኸብጽሕ ዝተካእከ እዩ፥

ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍለጥ

ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ዘይተኣደነ ጸገማትን ሓደጋን ክጻወሩ ናብ ጭፍ መሬት ብምኻድ ምስ ዘይፈልጥዎ ባህልን ቋንቋን ህዝብን ክራኸቡን ንጉዓዝ ከም ዝጀመሩን፡ ካቪየር እዚ ንኽገብር ዝደረኾ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ክፍለጥን ወንጌል ናብ ኩሉ ምብጻሕን ዝብል ዝነበሮ ዓቢይ ድሌት ምዃኑ እውን ገሊጾም፥

ኣብቲ ዝኸዶ ርሑቕ ምስራቕ ድማ ጳውሎስ ሳልሳይ ናይ ቅድስቲ መንበር ሕዋርያዊ ልኡኽ ክኸውን ከም ዝሰመይዎን ኣብ ውሽጢ ዓሰረተ ዓመት ድማ ፍሉይ ዕዮታት ፈጸመ፡ ኣብቲ እዋን ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞታት መራኽብ ኣዚዩ ከቢድን ሓደገይናን እንተነበረን ብዙሓት ኣብ መገዲ ብሰንኪ ሓደጋ ምስባር መራኽብን ወይ ሕማምን ይሞቱ እንተነበሩን ኻቪየር ንልዕሊ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓብ ኣብ ጉዕዞ መርከብ ዘሕለፈሉ እዋን ምንባሩን እዚ ድማ ናይቲ ምሉእ ንውሓት ግዜ ተልኾኡ ሲሶ ዝሽፍን እዩ።

ኩሉ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘበገሰ እዩ

ኻቪየር ኣብ ጎዋ ምስ በጽሐ ኣብኡ ድማ መደብሩ ኣቖመ፡ ይኹን ኣምበር ኣብኡ ከም ዘይተረፈን ነቶም ድኻታት ገፈፍቲ ዓሳ ደቡባዊ ገማግን ህንዲ ወንጌል ከብጽሕ ይወጽእን ንሕጻናት ትምህርተ ክርስቶስ ይምህርን የጠምቅን ንሕሙማን ይፍውስን ቀጺሉ ኣብ መቓብር ቅዱስ ሓዋርያ በርጠለመዎስ ለይቲ ለይቲ ብምኻድ ድማ ጸሎት የዕርግ ነበረ፡ ኪኖ ህንዲ ክኸይድ ከም ዘለዎ ስለ ዝተሰመዖ ናብታ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሓያሎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘቖመላ ደሴታት ኢንዶነዢያ ይብገስ። ብቛንቋ ናይቲ ከባቢ ድማ ትምህርተ ክርስቶስ ከቕርብ ጀመረ . . . ኣስዒቦም ምእመናን ናይ ቅዱስ ኻቪየር መልእኽታት ከንብቡ ድማ ዓዲሞም፥

ዓበይቲ ፍረታት ኣብ እስያ

ኣብ ሓደ ኣዋን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ህንዲ ምስ ሓደ ጃፓናዊ ይራኸብ እሞ ንሱ ድማ ብዛዕባ ርሑቕን ገና ሓደ ኤውሮጳዊ ልኡከ ወንጌል ዘይበጸሖን ሃገሩ ይዘንትወሉ እሞ . . . ኻቪየር በዚ ድማ ናብ ጃፓን ክኸይድ ወሰነ . . . እተን ኣብ ጃፓን ዝጸንሐለን ሰለስተ ዓመታት ጽንኩር እዩ ነይሩ፥ ብሰንኪ ኩነታት ኣየርን ተቓውሞታትን ቋንቋ ናይቲ ህዝቢ ዘይምፍላጥን እውን እንተነበረ ኣብዚ እውን እንተኾነ እቲ ዝተተኽለ ዘርኢ ዓቢይ ፍረ ከፍሪ ክኢሉ እዩ . . .

ውድቀት ምግጣም

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኻቪየር ናብ ጎኣ ተመሊሱ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ ቻይና ንወጻእተይናታት ዕጽውቲ እንተነበረት ናብ ቻይና ክኣቱ ተስፋ ብምግባር ድማ ናብ ቻይን ጉዕዞኡ ኣቕነዐ፡ . . . እንተኾነ ግን ኣይተዓወተን።

ኻቪየር ኣብ  መበል 46 ዓመት ዕድመኡ ኣብ 1552 ዓ.ም. ኣብ ንእሽተይ ደሴት ሳንቺያን ኣብታ ኣብ ጥቓ ካንቶን ኣብ ዝርከብ መሬት ክበጽሕ ብኸንቱ እናተጸበየ . . . ኣብ ጐይታ ተደጊፉ ድማ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። በዚ ድማ ምድራዊ ጉዕዞኡ ዛዘመ።

ሓሴት ኣስፍሆተ ወንጌል

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብነታዊ ዝኾነ ናይ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ጸላይ ሕይወትን ከምኡ እውን ክሳብ መወዳእታ ምስ ክርስቶስ ዝነበሮ ቅርበትን ንኽርስቶስ ዝነበረ ፍቕርን ንኢዶምን ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥

“ንፍራንቸስኮ ኻቪየር ረኣዩ፡ ደረት ዓለም ረኣዩ፡ ነቶም ብርቱዕ ጸገም ዘለዎም ህዝብታት ረኣዩ። ነቶም ዝሳቐዩን ንኢየሱስ ዝደልዩን . . . ኪዱ ትብዓት ድማ ይሃልኹም። ሎሚ እውን ተበዓት መንእሰያት ኣለዉ። ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ንኣብነት እቶም ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ዘለዉ እሓሰቡ ንኹሎም ልክዕ ንናይ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ጉደና ዝተኸተሉ ልኡካነ ወንጌል እሓስብ . . . ጐይታ ንኹላትና ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓሴት ይጸግወና” እንክብሉ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 May 2023, 15:34