ድለ

2023.05.10 ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ምብጻሕኩም ኣብ ውህደት ንኽንዓቢ ዝሕግዝ ይኹን! 2023.05.10 ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ምብጻሕኩም ኣብ ውህደት ንኽንዓቢ ዝሕግዝ ይኹን!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ምብጻሕኩም ኣብ ውህደት ንኽንዓቢ ዝሕግዝ ይኹን!

ንፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ “ኣብ መንጎ ቆጵጣዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምሕዝነት” ንእትገብርዎ “ተወፋይነት” አምስግን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ግንቦት ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ክለኣዊ ስምምዕ ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊትን ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት ኣብዚ ክሌኣዊ ርክብ እዚ ዘተኮረ ምንባሩን ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ ከም ዝሓበሩን ቃሎም እውን ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ ተሰንዮም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥

ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ንኣኹም ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ናይ እስክንድሪያ ር.ሊ.ጳ. ፓትሪያርክ መንበር ጵጵስና ቅዱስ ማርቆስን ሰላምታይ ብዓቢ ሓጎስ አቕርብ . . .

ክቡር ዓርከይን ሓውን ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣብዛ ዝኽሪ ናይ ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊትን ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ምሕዝንነትን ከምኡ እውን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ እነብዕለሉ ዕለት ዕድመይ ተቐቢልኩም ስለ ምርኻብኩም ብልቢ አመስግን . . . ከም ዝበሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን

ንምሕዝነት ዘተባብዕ ህርኩት ጻዕሪ

ንፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ “ኣብ መንጎ ቆጵጣዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምሕዝነት” ንእትገብርዎ “ተወፋይነት” አምስግን ቢሎም ዕለት 10 ግንቦት መዓልቲ ምሕዝነት ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊትን ቤተ ክርስቲያ ን ክኸውን ስለ ዘቕረብክምዎ ሕሳብ እውን አመስግን፡ ወሲኾም. . . ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓበሩ ጳጳሳትን ምእመናንን ቆጵጣውያን ድማ “በማላድነት ቅዱሳንን ሰማዕታትንን ቆጵጣውያን እግዚኣብሔር ከሃሌ ኵሉ ኣብ ሓድነት ንኽንዓቢ ክሕግዘና ምሳኹም ሓቢረ እጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቃል ሰላምታ ታዋድሮስ ዳግማዊ

ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ “ፍቑር ሓው ቅዱስነትኩም ፍራንቸስኮ፥ “ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ - ብሓቂ ድማ ተንሲኡ እዩ! . . . ብዝብላ ቃላት ዘስምዕዎ መደረ ኣበጊሶም፥ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብቲ ቦታ ምብጻሕ ኣካይዶምን ብቕዱስነቶም ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ዕለት 10 ግንቦት ድማ መዓልቲ ዕርክነት ቆጵጣውያንን ካቶሊካውያንን ኣቢያተ ክርስትያን” ክትከውን ዘቕረብክዎ ሓሳብ ብፍቕሪ ሓንጎፋይ ቢልኩም ክትቕበልዎ እዝክር . . . ዓመት መጸ ዕለት 10 ግንቦት ድማ መዓልቲ ምሕዝነትና እንዝክረላ ዕለት እያ። . . . “ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ምስሪ ስለ ዘካየድክምዎ ምብጻሕ ብምዝካር አመስግን፡ . . . ኣብ ሰራውርናን ምትእስሳርናን ፍልልይ እኳ እንተሎ በቲ ኣብ ውሽጥና ዝነብር ፍቕሪ ክርስቶስ ከምኡ እውን በቶም ብሓዋርያውያን ኣበውን ቅዱሳትናን ተመሪሕናን ተኸቢብናን ንሓብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ምብጻሕኩም ኣብ ውህደት ንኽንዓቢ ዝሕግዝ ይኹን!
ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ምብጻሕኩም ኣብ ውህደት ንኽንዓቢ ዝሕግዝ ይኹን!

ዝኽሪ ሰማእታት ሊቢያ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሳቦም ናብቶም "ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ገይሮም፥ እቶም ኣብ 2015 ብጅሃዳውያን እስላማዊ መንግስቲ ዝተሰየፉ 21 ክርስትያን ሰማእታት ስም ክርስቶስ እናጸውዑ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ዝሞቱ ብዓሚቝ ናይ እምነት መንፈስ ከም ዝዘከሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብዛ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም እተወፈየት ወርሒ ግንቦት፡ እታ እትሳቐይ ዘላ ሃገረ ዩክረይን ንኣኣ ሕድሪ ቢሎም፡ ብሓባር ኣቡነ ዘበ ሰማያት ጸሎት ክድገም ዓዲሞም ድሕሪ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰናያት ንእመናን ኣብ ዝህብዎ ሓዋርያው ቡራኬ ቅዱስነቶም ፓታሪያርክ ታዋድሮስ ክሓብሩ ዓዲሞም ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ብዝሃብዎ ሓዋርያዊ ቡራኬ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 May 2023, 16:15