ድለ

2023.03.18 ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ሰላም ዘስፍሕ “ጽቡቕ ፖለቲካ” የድልያ! 2023.03.18 ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ሰላም ዘስፍሕ “ጽቡቕ ፖለቲካ” የድልያ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ሰላም ዘስፍሕ “ጽቡቕ ፖለቲካ” የድልያ!

ንሓደ ዓመት ዝኣክል እጽዋር ምምራት እንተዝቋረጽ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ጥምየት ምውጋድ ምተኻእለ!

ዕለት 18 መጋቢት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣስታት 150 ወከልቲ ትካላትን ናይ ስራሕ ማሕበራትን ናይቲ ብናይ ኢጣሊያ ጉባኤ ጳጳሳት ዝምወል “ውጥን ፖሊኮሮ” ተራኺቦም፥ ኣብዚ ብኵናት ዝተሃስየ ዘመንና “ዝሓሸ ፖለቲካ” ህጹጽ እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ዘስመሩሉ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንስራሕ ኣልቦን ኣዚዩ መነባብሮ ንኽትገጥም ዘየኽእል ስራሕ ዘለዎም መንእሰያት ደገፍ ንምሃብ ዝዓለመ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ዝምወል መደብ ሕንጸት ንዝሳተፉ መንእሰያት ኢጣሊያ ንኢዶም፡ ተሳትፎኦም ምስ ድሌታት ሰባት ዝቐረበ “ዝሓሸ ፖለቲካ” ንኽህሉን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ሰላም ንምሃንጽ ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል ገሊጾም፥ እዚ ሞያውን ሰብኣውን ህንጸት ዘቕርብ መደብ ሕንጸት ሸቶኡ ክወቅዕ ንዝዋስኡ ኵሎም ኣመስጊኖም፥

ኵናት መርኣያ ውድቀት ፖለቲካ እዩ

እዚ ብኵናት ዝተሃሰየ እንነብረሉ ግዜ “ኣድላይነት ሰናይ ፖለቲካ” ዝገልጽ ንህዝቢ ዝሰምዕ ሰላም ዝብል ፖለቲካ ህጹጽ ከም ዝገብሮ ኣጒሊሖም፥ “ኵናት ውድቀት ፖለቲካ እዩ። ነቲ ዕሽነት ውድድር ኣጻዋርን ንግርጭታትን ንምፍታሕ እንጥቀመሉ ኣገባብ ትርጉም ኣልቦ” ምዃኑ የረጋግጸልና፥

ንሓደ ዓመት ዝኣክል እጽዋር ምምራት እንተዝቋረጽ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ጥምየት ምውጋድ ምተኻእለ!

ቢሎም . . . ቃል ቅዱስ ኣምብሮጽዮስ ብምጥቃስ፥ “ስልጣን ጥራሕ ዝብል ፖለቲካ ዓብላሊ ኣምበር ኣገልግሎት ክኸውይ ኣይክእልን። ንድኻታት ይረግጽ ንምድሪ ይምዝምዝም ውግእ ከም ግብረ መልሲ የቐድም” ቢሎም . . . ከምቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ፥ “እቲ ብውልቁ በደል ዘጋጠሞ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ረብሓ ህዝቢ እምበር ረብሓኡ ኣይደለየን። ምእንቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ገዛእ ርእሱ ኣወፈየ ገባሬ ሰላም ኮነ ኣብ ሕብረተሰብ ዝምድናታት ከምጽእ ዝኽእል መገዲ ኣመላኸተ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ለውሃትን ፍርያምነትን ኣብ ፖለቲካ

. . . ለውሃት “እቲ ዝቐረበ ፍቕሪ እዩ” ምስ ዝነኣሰን ድኹምን ድኻን ምዃን ክኸውን እንከሎ፡ ፍርያምነት ድማ ካብ ምክፋል ካብ ነዊሕ ራእይን ዘተን ምትእምማንን ምርድዳእን ምስማዕን ዝመጽእ እዩ። ማለት . . . ናብ መጻኢ ምጥማትን ኣብ መጻኢ ወለዶታት ወፍሪ ምግባርን ቦታ ካብ ምሓዝ  መስርሕ ምብጋስ ማለት እዩ።”

ግዜ ካብ ቦታ ይዓቢ!

ፖለቲከይና ኣገልጋሊ ማሕበርሰብ እዩ

ቅዱስነቶም ንኣባላት ውጥን ፖሊኮሮ ኣብ ብሕታዊ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘይኮነ ኣብ ተማራዃስነት ከተኵሩን ናይ ሰባት ተሳትፎ ብምትብባዕ ናይ ሓባር ረብሓ ክቕድም ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

እቲ ዘተሓሳስበኩም ናይ ምርጫ ደገፍ ወይ ብሕታዊ ኣሳልጦ ዘይኮነስ፡ ንሰባት ምስታፍን ስራሕ ናይ ምፍጣር ድላይ ዝዕምብብ ምግባር ከምኡ እውን ናይ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ጽን ምባል ዝብል ተግባር እዩ ፡ፖለቲከይና ኣገልጋሊ እዩ፥ ኣገልጋሊ ምስ ዘይከውን ሕማቕ ፖለቲከይና ይኸውን”

ቢሎም ነቲ ማሕበርሰብ ውጥን ፖሊኮሮ “ወትሩ ኣብ ምግልጋል” ዕዮኦም ንቕድሚት ክብሉ ኣተባቢዖም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

20 March 2023, 15:58