ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ብንስሓን ብዝተኣማመን ልቢ ውህበት ምሕረት እግዚኣብሔር ንቕበል

ብቕንዕናን ብትሕትናን ድኽመታትና ኣብ ቅድሚኡ ኣብ እነቕርበሉ እዋን . . . እግዚኣብሔር ይጽበየና፡ ብፍላይ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ይጽበየና . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረይሉ ዓመት ኣትሒዞም ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም “24 ሰዓት ንጐይታ” ብዝብል መደብ ኣብ መላእ ሰበኻታት ክካየድ ዘበገስዎ ናይ ጸሎትን ንስሓን ዕርቅን መንፈሳዊ ስርዓት መሰረት ዕለት 17 መጋቢት ነዚ መደብ ተሓሳቢ ገይሮም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ምልእተ ጸጋ ሓውጾተ ኖልዎ ፈጺሞም ነቲ ናይ ጸሎትን ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት መሪሖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኩሉ ሰብ ብንስሓን ብምትእምማንን ልቡ ኣብ ጎይታ ከወክል ኣተባቢዖም፡ ንሓጢኣትና ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ውህበት ምሕረትን ሓሴትን እግዚኣብሔር ማለት መለኮታዊ ሕቑፊ ክንልምን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 17 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ምልእተ ጸጋ ቁምስና ብምኻድ ተበግሶ “24 ሰዓት ንጐይታ” መሪሖም ከምቲ በዚ መደብ እዚ መሰረት በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዝገብርዎ ድማ ንኣኦም ምስጢረ ንስሓ ከም እተሰረዓሎምን ማለት ተናዚዞምን ንክላኦት ምስጢረ ንስሓ ከም ዝሰርዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ መደብ 24 ሰዓት ንጐይታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ኮይኑ፡ ምእመናን ናይ ዕርቂ - ምስጢር ክቕበሉን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ሮማ ብመንፈሳዊ ሓድነት ክጽልዩን ዘተባብዕ እውን ምዃኑ የዘኻኽር።

ሓጢኣተይና እየ እሞ መሓረኒ
ሓጢኣተይና እየ እሞ መሓረኒ

ሓጢኣተይና እየ እሞ መሓረኒ

ናይ ለምዘበን መደብ “24 ሰዓት ንጐይታ” መርሕ ቃል ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 18,13 “. . . ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ” ዝብልን ብናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ፡ ናይ ለምዘበን መደብ “24 ሰዓት ንጐይታ” መሰረት ዝገበረ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከም ዘዳለወን እዚ እውን ካብቲ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ምርጋፍ ዝከኣል ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም፥ ከመይ ገይርና እቲ ናይ ገዛእ ርእስና ኢጎነትን ትዕቢትን ኣብ መገዲ ዘተ ምስ ጐይታ ክኣቱ ማለት ከምቲ ወንጌል ዘዘንትዎ ፈሪሳዊ ብሃይማኖታዊ ዓወታቱ ዝሕበን ዝነበረ ንነብሱ ካብ ካልኦት ኣልዒሉ ዝሓስባ ንገዛእ ርእሱ ናብ ኣምላኽ ከየብል ዝዓጹ ዝነበረ፥

ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ጸሎት ትሑታት ጥራይ ንደመና ዝስንጥቕ’ (ሲራ. 35 ረኣ) እንክብል ይነግረና፡ ምኽንያቱ እቶም ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ምድሓንን ይቕረታን ከም ዘድልዮም ዝፈልጡ ጥራይ እዮም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝመጹ። ብብቕዓቶም ከይተመክሑ ብዘይ ምስሉይነት ወይ ትምክሕቲ ‘ዋላ ሓደ ዘይውንኑ’ ኣብ ቅድሚኡ ይቐርቡ ንጐይታ ስለ ዝረኽብዎ ድማ ኩሉ ይረኽቡ!

ወትሩ ትሕትና

ቅዱስነቶም ነቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ እቶም ክልተ ናብ ቤተ መቕደስ ክጽልዩ ዝኸዱ ፈሪሳዊን ኣካቢ ቀረጽን ዘቕርበልና ምሳለ ብምዝካር፥ . . . እቲ ኣካቢ ቀረጽ ጥራይ ከመይ ገይሩ ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ከም ዝበጽሕ ገሊጾም። ንሱ ንሓጢኣቱ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ርሑቕ ድሒሩ ደው ኢሉ ስለ ሓጢኣቱ ካብ እግዚኣብሔር ምሕረቱን ፍቕሩን ይልምን . . .

ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚት ኣየንበረን ኣብ ድሕሪት እዩ ዝነበረ። እዚ ብርሑቕ ደው ምባል ድማ እቲ ኣብ መንጎ ሓጢኣቱን ቅድስና እግዚኣብሔር ዘሎ ርሕቐት እዩ ዝገልጽ። እዚ ኣፍልጦ እዚ ድማ ነቲ ፍቕርን ምሕረትን ዝመልኦ ሕቑፊ ኣቦ ንኽረክብ የኽእሎ። ርሒቑድ ደው ምባሉ ድማ እግዚኣብሔር ናብኡ ንኽኸይድ ቦታ ይፈጥረሉ፥ እግዚኣብሔር ክመጾ መታን!

ዘተ ድልድላት ይሓንጽ

ዘተ ዝህልው ኣብ መንጎ ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ዝተወሰነ ቦታ ክንዕቅብ ምስ እንኽእል ጥራሕ እዩ። ምኽንያት ነቲ ዘሎ ርሕቐት ዘቀራርብ ዘራኽብ ድልድል ንምህናጽ ዝያዳ ከነስተውዕል ስለ ዝገብረና’ እቲ ኣብ ወንጌል ዝተዘንተወ ኣካቢ ቀረጽ ኣብ ድሕሪት ቤተ መቕደስ ደው ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዘይግብኦ ምዃኑ ዘለዎ ምስትውዓል እግዚኣቤር ናብኡ ንኸብል ንኽመጾ ገበረ . . .

ብኽፉት ልቢ

ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነዚ ንዘክር፡ ካብቲ ትዕቢተይና ኢጎነትና ንድሕሪት ምስ እንምለስ ጐይታ ናባና ይመጽእ። ብቕንዕናን ብትሕትናን ድኽመታትና ኣብ ቅድሚኡ ኣብ እነቕርበሉ እዋን . . . እግዚኣብሔር ይጽበየና፡ ብፍላይ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ይጽበየና . . .

ኩሉ ድማ ናይ ሕልና መርመራ ክገብር ኣተባቢዖም፡ ምኽንያቱ ኣተሓሳስባ ፈሪሳውን ኣካቢ ቅረጽን ክልቲኦም “ኣብ ውሽጥና ክሓድሩ” ይኽእሉ እዮም። ካብቲ “ምስሉይነተ መልክዕ” ክንርሕቕን ኣብ ክንድኡ ድማ “ጸልማትና ጌጋታትና ሕሰምና ንምሕረት ጐይታ ከነቕርቦ ኣሎና።” እዚ ብምግባርና “ኣብ መንጎ እቲ ኣምላኽ ንህይወትና ዝሓልሞ ርሕቐትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መን ምዃንና ዝገልጽ ክውንነትን” ክንርኢ ንኽእል ኢና። ጐይታ ነቲ ርሕቐት ድልድል ብምግባር በእጋርና ደው ክንብልን ክንጓዓዝን የኽእለና።

ትርጉም ምስጢር ዕርቂ ንልቢ ዝፍውስን ውስጣዊ ሰላም ዘውህበና በዓላዊ ርክብ እዩ። ብፍርሒ ዝቕረብ ሰብኣዊ ቤት ፍርዲ ዘይኮነስ ምጽንናዕ ዚርከበሉ መለኮታዊ ሕቝፊ እዩ!

ቅዱስነቶም ነናዛዘቲ ነቶም ምስጢረ ንስሓ ዝሰርዑ እናሓሰቡ ድማ ምስጢረ ዕርቂ ነቶም ምሕረት ዝደልዩን ሰላም ክጽገዉ ንዝደልዩ ኩሎም ይቕረ ክብሉን ብግልጽን ብምስትውዓልን ብዘይ ታህዋኽ ክሰምዕዎምን ኣተባቢዖም፥

ጐይታይ ሓጢኣተይና እየ እሞ መሓረኒ

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፥ ብፍላይ ኣብ ዘመነ ዓቢይ ጾም ኩላትና ብዝተጣዕሰ ልቢ ከምቲ ኣካቢ ቀረጽ ስቕ ኢልና፥ “ኣምላኽ ሓጥእ እየ እሞ መሓረኒ!” እናበልናን እናደጋገምናን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝወደቕናሉ እዋን እናዘከርና ይቕረታ ንሕተት።

ነዘን ቃላት እዚኣተን ንውሑዳት ደቓይቕ ብንስሓን ምምትእምማንን ብልብና ንድገመን። ኣምላኽ ሓጥእ እየ እሞ መሓረኒ! በዚ ናይ ንስሓን ምትእምማንን ተግባር ኣቢልና ድማ ልብና ንሓሴት ምሕረት ኣምላኽ ንኽፈት!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 March 2023, 16:10