ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ግዳያት ኲናትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ክጽለይ ይዕድሙ ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ግዳያት ኲናትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ክጽለይ ይዕድሙ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ግዳያት ኲናትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ክጽለይ ይዕድሙ

ብኲናት ንተሃሰየት ዩክሬይንን ግዳያት ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ሚሲሲፒን ኣብ ቱርክን ሶርያን ካብቲ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ኵለ መዳያዊ ኪሳራትን ንምልቓቕ ዝቃለሱ ምእንቲ ዘለዉን ኣብ ፐሩ ሰላምን ዕርቅን ክወርድ

ዕለት 26 መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ደገሙ፥ ብኲናት ንተሃሰየት ዩክሬይንን ግዳያት ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ሚሲሲፒን ኣብ ቱርክን ሶርያን ካብቲ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ኵለ መዳያዊ ኪሳራትን ንምልቓቕ ዝቃለሱ ምእንቲ ዘለዉን ኣብ ፐሩ ሰላምን ዕርቅን ክወርድ ኩሉ ክጽልይ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓሳቦም ናብቲ ብኲናትን ዕግርግርን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝተሃስየ ክፋላት ዓለም ገይሮም ኵሉ ሰብ ምእንቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ክጽልን ሓገዝ እውን ከነቕርብ ኣተባቢዖም፥

ብኲናት ዝተሃሰየት ዩክሬይን

ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬይን ዘኪሮም፥ “ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ዝርህው ብዝተለወጠ ልቢ እዩ” በዚ ርግጸይናታት ኮይንና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 25 መጋቢት ሩስያን ዩክርየይን ሰብኣዊ ፍጥረትን ቤተ ክርስቲያን ንንጹሕ ልበ ማርያም ከም ዘወፈና ኩሉ ለምዘበን እውን ዕለት 25 መጋቢት ነዚ ወፈያ እዚ  ከም ዘሐደስናዮ ኣዘኻኺሮም፥ ነቲ ”ብኲናት ኣዚዩ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬይን ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ኣብ ሚሲሲፒ

ኣስዒቦም እውን ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት ብሰፊሕን ብርቱዕ ኣዕናውን ህቦብላ ነፋስ ንዝተሃርመ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ህዝቢ ግዝኣት ሚሲሲፒ ዘኪሮም ኩሉ ሰብ ስለ እቶም ግዳያትን ዝተሃሰዩን ነቶም ካብቲ ኣዕናዊ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝደሓኑን ክንጽሊ ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ በቲ ብርቱዕ ኣዕናዊ ህቦብላ ነፋስ 26 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም የመላኽት።

ቱርክን ሶርያን

ቅዱስነቶም ነቲ ዕለት 6 ለካቲት ኣብ ቱርክን ሶሪያን ዘጋጠመ ከቢድ ርእደ መሬት ልዕሊ 50 ሺሕ ሰባት ንሞት ከምዝዳረገ ዘኪሮም፡ ከምቲ እቲ ርእደ መሬት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ነቲ ህዝቢ ብጸሎትን ብሓገዝን ቀረባ ከም ዝኾንናዮ ሎሚ እውን ስለ እቶም ካብቲ ኣዕናዊ ሓደጋ ካብ ዘውረደሎም ኵለ መደያዊ ስቓይ ንምድሓን ዕለታዊ ህይወቶም ዳግም ንኽሃንጹ ንዝቃለሱ ዘለዉ “ንጸይ ሓገዝና እውን ኣይንፍለዮም” ብምባል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ዕለት 27 መጋቢት ኣብ መላእ ሰበኻታት ኢጣሊያ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኣከበ ምጽዋት ብካሪታስ ብዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ብሰንኪ ርእደ መሬት ንዝተሃስየ ህዝቢ ሶሪያንን ቱርክን ሓገዝ ዝውዕል ምዃኑ ዝዘካኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰላም ኣብ ፐሩ

ኣብ ፐሩ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ዘኪሮም፥ ምእመናን ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ኣብታ ሃገር ክጽልዩ “ነቶም በቲ ዘሎ ኵለ መደያዊ ቅልውላው ዝሳቐዩ ንዘለዉ ቅርበትናን ጸሎትናን ነረጋግጽ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

27 March 2023, 12:18