ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሩሲያን ዩክረይንን ንማርያም ዳግማይ የወክፉ ር.ሊ.ጳ.፥ ሩሲያን ዩክረይንን ንማርያም ዳግማይ የወክፉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ሩሲያን ዩክረይንን ንማርያም ዳግማይ የወክፉ

ዕለት 25 መጋቢት ምእመናን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ሰበኻታትን ቁምስናታትን፥ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ሩሲያን ዩክረይንን ንቅዱስ ልበ ማርያም ሕድሪ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተረ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ  ኣብቅዑ፥ ንሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ካብ ዘወፍዩ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምእመናን ነዘን ሃገራት ብጸሎት ንቅዱስ ልቢ ማርያም ሓደራ ካብ ምባል ከይቦኽሩ ተላብዮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም ነቲ ዝካየድ ዘሎ  ውግእ መልሲ፥ ንክልቲአን ሃገራት ንቅዱስ ልበ ማርያም ምውካፍን ከምኡ እውን በማላድነታ ዝዓርግ ጸሎት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ሓሳቦም ናብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 25 መጋቢት ምስ ኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ንቤተ ክርስቲያንን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ብፍላይ ሩሲያን ዩክረይንን ንቅዱስ ልበ ማርያም ዘወከፍሉ ኵነት ገይሮም፥ “ጉዳይ ሰላም ንንግስተ ሰላም ሓደራ ኣብ ምባል ኣይንድከም . . . ዕለት 25 መጋቢት ምእመናን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ሰበኻታትን ቁምስናታትን፥ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ሩሲያን ዩክረይንን ንቅዱስ ልበ ማርያም ሕድሪ ናይ ምባል ግብሪ ክፍጽሙ እላበው” ቢሎም ነታ ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክረይን ሓደራ ኣይንረስዓያ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።   

22 March 2023, 15:34