ድለ

2023.03.08 ር.ሊ.ጳ.፥ ደቂ ኣንስትዮ በጠማምተኤንን ልበንን ዝያዳ ሰብኣዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ይሃንጻ 2023.03.08 ር.ሊ.ጳ.፥ ደቂ ኣንስትዮ በጠማምተኤንን ልበንን ዝያዳ ሰብኣዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ይሃንጻ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ደቂ ኣንስትዮ በጠማምተኤንን ልበንን ዝያዳ ሰብኣዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ይሃንጻ

ብዝያዳ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ብመሃዛዊ ኣጠማምታን ምዉቕ ልብን ክውንነት ናይ ምስትውዓል ዓቕመን ኣቢለን ንዝገብርኦ ተወፋይነት አመስግነን። እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ዕድል ጥራሕ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረቡሉ ዕለት 8 መጋቢት እታ ዕለት ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተወፍየት ብምዃና ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣዘኻኺሮም፥ ሓሳባቶም ናብ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ገይሮም ከምኡ እውን ቃንዛ ስዉእ ህዝቢ ዩክረይን ከይርሳዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሓሳቦም ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ገይሮም፡ ኣብ መላእ ዓለም ዕለት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነን ሓሳቦም ናብ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ገይሮም፥

ብዝያዳ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ብመሃዛዊ ኣጠማምታን ምዉቕ ልብን ክውንነት ናይ ምስትውዓል ዓቕመን ኣቢለን ንዝገብርኦ ተወፋይነት አመስግነን። እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ዕድል ጥራሕ እዩ!

ንህዝቢ ዩክረይን እሓስብ

እቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ስዉእ ህብዚ ዩክረይን “ኣብ ልብናን ኣብ ጽሎትናን ህልዋን እያቶም፡ ቃንዛኡ ክንርስዕ የብልናን ቢሎም፡ ኣብ  መላእ ሆላንድ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዝካየድ ዘሎ መንፈሳዊ ሱባኤ ዘኪሮም፥ “ንመን ፈሳውን ክርስትያናዊ እምነትኵምን ንምንጻሕ እተስተንትንሉ ህሞት ክኸውን” ተላብዮም “ሰናይ ፍረ ንምፍራይ ኣብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ቀረባ ብምዃን እዚ እውን ነቶም ኣብ ሃገርኩም እንግዶት ረኺቦም ንዘለዉ ስደተይናታት ዩክረይን ኣብ እተቕርብዎ ድጋፍን ሓገዝን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ወንጌላዊ ተወፋይነት ምሕያል

ዓቢይ ጾም “ንወንጌልን ንሰብኣውነትን ብሓጎስ ኣገልግሎት ንምሃብ ቤተ ክርስቲያን እተቕብሮ ናይ ምልዋጥን ንስሓን ዕድመ ብምእንጋድ ንዓለም ወንጌል ብሓሴት ንምእዋጅ ምንቕቓሕ ተልእኾ ወንጌል ዳግማይ ንምሕያል ምቹእ ግዜ ክኸውን ይኽእል” ቢሎም፥ “እቲ ዝተጸዋዕናሉ ውህበት ምልኣት ህይወት ብናጻ ዝተዓደለና ምዃኑ ኣብ ምልላይ ክንምራሕ መታን ናብ ፍቕሪ ኣቦን ናብ ተልእኾ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ምምላስ” ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

08 March 2023, 15:04