ድለ

ር.ሊ.ጳ. ነታ ብርእደ መሬት እተሃስየት ሃገረ ኤኳዶር ቅርበቶም የረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ነታ ብርእደ መሬት እተሃስየት ሃገረ ኤኳዶር ቅርበቶም የረጋግጹ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ነታ ብርእደ መሬት እተሃስየት ሃገረ ኤኳዶር ቅርበቶም የረጋግጹ

እቲ ርእደ መሬት 6.8 ሪኽተር ዝዓቐኑ ብውሑድ 16 ሰባት ንሞት ካልኦት ድማ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ክቕበሩን ዝገበረ ኣስታት 381 ሰባት ዘቝሰለን ምዃኑን

ዕለት 19 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፥ ነታ ብርእደ መሬት እተሃስየት ሃገር ኤኳዶር ቅርብቶምን ምእንቲ እታ ብውግእ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ጸሎት ከይቋረጽ ከምኡ እውን ዕለት 19 መጋቢት ‘ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ” ኣብ እትዝክረሉ ዕለት መዓልቲ ኣቦታት ዝሕሰበሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽካር ስለ ኣቦታት ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቀዳም ዕለት 18 መጋቢት ምሸት  ንደቡባዊ ኤኳዶርን ፐሩን ዘናወጸ ሓያል ርእደ መሬት ዘኪሮም ስለ እዘን ሃገራትን ህዝበንን ብፍላይ ስለ እቶም በቲ ርእደ መሬት ዝተጐድኡ ንጸሊ እንክብሉ ቅርበቶም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ርእደ መሬት 6.8  ሪኽተር ዝዓቐኑ  ብውሑድ 16 ሰባት ንሞት ካልኦት ድማ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ክቕበሩን ዝገበረ  ኣስታት 381 ሰባት ዘቝሰለን ምዃኑን፡ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእው ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ንዅሎም ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ንዝተሃሰዩን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንዩክረይን

ከምኡ እውን ከምቲ ልሙድ ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብታ ብኲናት እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ገይሮም፡ ኵላትኩም ስለቲ ዝሳቐ ዘሎ ስዉእ ህዝቢ ዩክረይን ሓደራ ምጽላይ ኣይትረስዑ . . . ቢሎም

መዓልቲ ኣቦታት

ዕለት 19 መጋቢት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ እትዝክረሉ ዕለት ምዃኑ ገሊጾም፡ ምስኡ ተተሓሒዙ እውን መዓልቲ ኣቦታት ዝበዓለሉ ዕለት ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሮም ንዅሎም ኣቦታት ጸሎቶምን ቅርበቶምን ድማ ኣረጋጊጾም፥

ኣባታዊ ኣብነት ቅዱስ ዮሴፍ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ኣቦነቱ ብጽቡቕ ክነብሮ ዝሕግዝን ዘጽንዕን እዩ!

ምስ በሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 March 2023, 16:07