ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ትካላት ግብረ ሰናይ ኣብ ደ.ረ. ኮንጎን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ዘርኢ ተስፋ ይዘርኡ

ሎሚ ብዙሓት ድኻታት ክስጎጉ እነክለዉ ንስኻትኩም ግን ትሓቑፍዎም ዓለም ክትምዝምዞም እንከላ ንስኻትኩም ግን ተተባብዕዎም። ምትብባዕ ኣንጻር ምዝመዛ ዋላ ውን ምብራስ ኣግራብ ብኽነትን ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን ዝዓቢ ዘሎ “ዱር ግብረ ሰናይ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቃን ኣብ ክኒሻሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መቐበል ኣጋይሽ ምስ ወከልቲ ሓያሎ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብዘካየድዎ ርክብ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ከም ዝዛዘሙን ንቶም ኣዚዮም ንዝተፈላለየ ሓደጋን ድኽነትን ዝተቓልዑ ተኣፋፍያን ዝህብዎ ኣገልግሎት ክቡር ስራሕ እንክብሉ ገልጾም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ኣብ ዝርከብ መቐበል ኣጋይሽ ንጉጅለ ወከልቲ ትካላት ግብረ ሰናይ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽን በደልን፡ ኣባላት ግብረ ሰናይ ብጽሞና ተቐቢሩ ዝፈሪ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ከም ዝነኣዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትካላት ግብረ ሰናይ

ናይተን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘገልግላ ሽዱሽተ ትካላት ግብረ ሰናይ ወከልቲ፥ ኣብ ዓውድታት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ሰብኣዊ ልምዓትን ንጹጉማት ዝተገለሉን ዘቕርብዎ ኣግልግሎት ንቶም ብዝተፈላለየ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ዝተጠቕዑን ህሙማንን ብፍላይ ብሕማም ሃንሰንን ካልእ ሕማማትን ንዝተጠቕዑ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣማእኪሎም ድሕሪ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት፥

ድኻታት ወጅህን ኣስማትን ዘለዎም እያቶም

ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ትካላት ግብረ ሰናይ ዝህብዎ ኣገልግሎት ንኢዶም፡ እቲ ዘቕረብዎ ምስክርነትን ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ጸገማት ከም ጭብጥታት ብስነ ኣሃዝ ጸብጻባት ኣብ ምቕራብ ጥራሕ ከይተሓጽረ ነቶም “ስምን ወጅህን ዘለዎም ሰባት ክርስቲያን “ሕቖኡ ሂቢ ክሓልፎም ብፍጹም ዘይከኣል እዩ” ንዝብል ውፉይ ኣገልግሎት መግለጺ ኡኢ ቢሎም፥

ሎሚ ብዙሓት ድኻታት ክስጎጉ እነክለዉ ንስኻትኩም ግን ትሓቑፍዎም ዓለም ክትምዝምዞም እንከላ ንስኻትኩም ግን ተተባብዕዎም። ምትብባዕ ኣንጻር ምዝመዛ ዋላ ውን ምብራስ ኣግራብ ብኽነትን ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን ዝዓቢ ዘሎ “ዱር ግብረ ሰናይ” ንርኢ ኣሎና፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ዕብየትን ተስፋን ንምድንፋዕ እንታይ ትገብሩ ከም ዘለኹም ካብቲ ዝሰምዖ ንላዕሊ ብቐረባ ካባኻትኩም ክሰምዕ ድማ ደለኹ እዚ ድማ ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ምዃን ካብ ዘሎኒ ድሌት ተበጊሰ እየ ዝመጻእኩ።

ድኽነት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍጸም በደል እዩ

መራኸቢ ብዙሓን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ “ዘይተኣደነ ክእለትን ዛንታታት ሓቀይና ሰብኣውን ክርስቲያናዊ ዕቤትን ብዙሕ ቦታ ከም ዘይህባ ገሊጾም፥ ስለዚ ድማ ኣብኡ ምርኻቦም ነዚ ዘይንገርን ዘይስማዕን ኩነት እዚ ድምጺ ንምሃብ ደልዮም ኣብኡ ምርኻቦምን፡ “ነቲ ክውንነት ማለት ምዝመዛን ዓመጽን ኣድልዎን ምግላልን ዘስዕበሎም ስቓይ ክረአን ክስማዕን መታን ድምጺ ክንኮኖም ይግባእ፥

ድኽነት ክንቃለሶ ዝግብኣና ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍጸም በደል እዩ፡ ክብረቶም ዝምንዝዕ እዩ . . . ስለዚህ ንኽብረቶም ኣፍልጦ ብምሃብ ጥራይ ኢና ሰብኣውነት ንዕቅብ” . . . ሕጻናትን ኣረጋውያንን ሱርን መጻእን ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዝውክሉ ክነሶም፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ምሕራግን ከም ውዳቕ ክረኣዩ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፥

ሓቀይና ምዕባለ ደቂ ሰባት ዝኽሪ ወይ መጻኢ ኣብ ዘይብሉ ክዕምብብ ኣይክእልን እዩ!

ሰናይ ምስፋሕ

እቶም ናይ ግብረ ሰናይ ኣካላት፡ ዋላ’ኳ ጸገም እንተሃለወ እቲ ጻዕሮም ካብቲ ዘቕረብዎ ቃል ምስክርነት ክሳብ ክንደይ ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ድማ ተስተውዕል፡ እዚ እውን ብግብረ ሰናይ እምበር ድኻታት በቲ ዘልምስ ብስነ ኣህዝ ምግላጽ ኣገባብ ዘይኮነስ ዝሓቑፉን ቀረባኦም ብምዃን ዝፍጸም ኣገልግሎት ምዃኑን እዚ እውን እቲ ብናጻ ዝተቐብልካዮ ብናጻ ኣካፍሎ ዝብል መንፈስ ዝስዕብ እዩ። ብፍላይ መንእሰያት ነዚ ተግባር እዚ ክርእዩ ኣለዎም፡ “ንሰባት ብዓይኒ ብምጥማት ከምኡ እውን ኣጽዋር ዘይሕዙ ወይ ገንዘብ ብዘይግቡእ ዘይጥቀሙ ኣእዳው ክርእዩ ኣለዎም፡ ግን ከኣ ነቶም ኣብ መሬት ዘለዉ ኢዶም ዘርጊሖም ናብ ክብረቶም ንምምላስ ዘልዕልዎም ይደልዩ እዮም -

ሓቀይና ግብረ ሰናይ ምስ ኣምላኽ የሰማምዓና ንሱ ድማ ብዘይተጸበናዮ ብዘፍቅሮም ሰባትን ኣቢሉ የገርመና!

ክርስቲያን ነቲ ምስክርነት ግብረ ሰናይ ፈጺሙ ዕሽሽ ክብሎ የብሉን

. . . ሓላፍነት ንቶም ኣዚዮም ተኣፋፍንያን ዝኾኑ ዝወሃብ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ እውን ምክንኻን ናይ መንግስቲ እኳን እተኾነ፡ “ኣመንቲ ክርስቶስ ምስክርነት ግብረ ሰናይ ፈጺሞም ዕሽሽ ክብልዎ የብሎምን” ስለዚ ድማ “እቲ ዘለዎም ምስቶም ዘይብሎም ክካፈሉ ኣለዎም. . . ድኽነት እቲ ዘሎ ዘይምዕሩይ ምምቕራሕ ጸጋታትን ዕድላትን ዝፈጥሮ እዩ . . . ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ “እምነት ብዘይ ግብሪ ትመውት” እያ ስለዚህ ካብ እምነት ዝነቕልን እምነት ዝድርኾን ግብረ ሰናይ ፍትሒ እዩ . . .

ክርስቲያናዊ ግብረ ሰናይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ፍረ ዘለዎ መልክዕ ምስክርነት ፍቕሪ ኢየሱስ ንጽጉማት ንኽኸውን ካቶሊካውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ሰለስተ መዐቀኒታት ክኽተላ ኣለወም፥ እቲ ቀዳማይ “ኣብነት ምዃን - ኣብ ምምሕዳር ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ተኣማንን ግልጽን ከምኡ እውን ብቝዕ ምዃንን ዝብል እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንድኻታት እተቕርቦ ሓገዝ ንድኻ ናብ ርእሰ ምርኮሳ ዝድርኽ ክኸውን እለዎ

እቲ ካልኣይ መምዘኒ ድማ “ኣርሒቕካ ምርኣይ” ዝብል እዩ። እዚ ድማ ንህጹጽ ድሌታት ድኻታት ምቕራብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ርሑቕ ዝጥምት ኣብ መጻኢ ርእሶም ክኽእሉ ዘኽእሎም መደባት ልምዓት ምድንፋዕ ይግባእ። እዚ ድማ እቲ . . . ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ኣብ ካልእ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ብናይ ድሕነት መነባብሮ ኣገልግሎት ኣቢላ ተሳልጦ . . .

ኵሉ ግዜ ሕጽረት ዝህልዎም ንዋት ካብ ምቕራብ ፍልጠትን ልምዓትን ርእሰ ምሕደራን ርእሰ ምርኮሳን ዝውሕስ መጋበርያ ምቕራብ ይሓይሽ!

ንድኻታት ዝኸውን መርበባዊ ስርሓት ምርግጋጽ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፥ ክርስቲያናዊ ግብረ ሰናይ ፍርያምን ኣድማዕን ንኽኸውን ዝገብር ሳልሳይ መዐቐኒ፥ ካቶሊካውያን ማሕበራት ምትእስሳር ክህልወን ዝብል ‘ማሕበራዊ ምትእስሳር - መርበባዊ - ዕዮ - ንሓድሕደን ምትሕብባርን ከምኡ ካብ ካልኦት ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባትን ካልኦት ሃይማኖታትን ሰብኣዊ ማሕበራትን ብዘይ ምንጻልን ብዘይ ርእሰ ተወካስነት ብምትሕብባር ክዓያ ዝብል እዩ ቢሎም፥ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንዘገልጋሉ ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ባሪኾም ነቲ ክቡር ዕዮኦም ደጊሞም ብምምስጋን “ዓቢ ሃብቲ ኢኻትኩም” እክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዝሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 February 2023, 15:34