ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ፥ ሕውነት ጽልኢ ብምጥፋእ እዩ ዝህነጽ! ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ፥ ሕውነት ጽልኢ ብምጥፋእ እዩ ዝህነጽ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ፥ ሕውነት ጽልኢ ብምጥፋእ እዩ ዝህነጽ!

ር.ሊ.ጳ.፥ “ዝኽሪ ምጽናት ምሊዮናት ህብዚ ኣይሁድን ካልእ እምነታትን ሰዓብቲ ክዝንጋዕን ክከሓድን ዘይኣክል እዩ። መጀመርታ ነቲ ንራዕዲ ናዚ ነዳዲ ዝኾኖ ጽልእን ዓመጽን ካብ ሱሩ ከይበተኽካ ሕውነት ክህሉ ኣይከኣልን”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥሪ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ዝኽሪ ምዃኑ ኣቐዲሞም ብምዝኽኻር፥ ጽልእን ዓመጽን ንናዝያዊ ግብረ ምጽናት ሰብ፡ ነዳዲ ኮይንዎ ቢሎም፥ ጽልእን ዓመጽን ናበይ ክመርሕ ከም ዝኽእል ብምዝካር፡ ሕውነት ጽልኢ ብምጥፋእ ዝህነጽ ምዃኑ ምስትውዓል ከም ዘድሊ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝኽሪ ምጽናት ምሊዮናት ህብዚ ኣይሁድን ካልእ እምነታትን ሰዓብቲ ክዝንጋዕን ክከሓድን ዘይኣክል እዩ። መጀመርታ ነቲ ንራዕዲ ናዚ ነዳዲ ዝኾኖ ጽልእን ዓመጽን ካብ ሱሩ ከይበተኽካ ሕውነት ክህሉ ኣይከኣልን” ዝብል መልእኽቲ ቅዱስነቶ ዕለት 27 ጥሪ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቅትለት በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ 1945 ዓ.ም. ዝተረኽበ ናይ ናዚ ‘ናይ ራዕድን መዳጎን ሰፈርን”

ዕለት 27 ጥሪ 1945 ዓ.ም. ንግሆ ሰዓት ሸሞንተ ሓይሊ ምክልኻል ነበር ሶቪየት ሕብረት ናብ መዳጎን መዓስክር ኦሽዊትዝን ቢርከናውን ዝኣተውሉን ናይቲ መዳጎን ሰፈር ማዕጾ ዝኸፈትሉ ዝዝከረሉ ዕለት ሓይሊ ምክልኻል ነበር ሶቪየት ሕብረት ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቶ ኣብቲ መዳጎን ሰፈር ኣስታት 7 ሺሕ ዝግመቱ ብዝሓት ካብኣቶም እውን ህጻናት ዝርከብዎም ኣካሎም ዝማሰነ እሱራት ከም ዝረኸበን . . . እዚ ኸኣ ኣብቲ ናይ ናዚ መዳጎን ሰፈር እንታይ ይፍጸም ከም ዝነበረ ዘግሃደን . . . እቲ ኣብቲ መዳጎን ሰፈር ዝተፈጸመን ኩምራ የዕጽምቲ ማእለያ ዘይብሎም ሰባትን፡  እቶም ነቲ ማዕጾ ተኸፊቱ ካብቲ መዳጎን ሰፈር ንዝወጹ ብሓቂ ዝረኸበዎ ሓርነት ሓገስ ክፈጥረሎም ዘይከኣልን ዘይሕሰብን እዩ። እቶም ሰብ ምዃኖም ተረሲዑ ብቑጽሪ ዝልለዩ ከም ሰብ ዘይኮነስ ከም ግኡዝ ነገር ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ተደራሪቡን ክብሮምን ታሪኾምን ክሓክኽ ዝተለዓዓለ ኣረመናዊ ስርዓት ሰብ ንምዃንካ ጓና  ዝኾነ ተግበር እዩ። ካብቲ መዳጎን ስፈር ዝተረፉ ኢጣሊያ ደራሲ ፕሪሞ ለቪ “እዚ ሰብ እንተኾይኑ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ናይ ናዚ ናይ ህልቂትን ራዕድን መዓስክር ብዕሞቅት ይገልጽዎ።

ዝኽሪ ንዘይ - ምርሳዕ

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይቲ መዳጎን ሰፈር ዕዙዝ መርትዖታት ርኢኻ ክሳብ ብሓቂ ኣጋጢሙ እዩ ቢልካ  ክትሓስብ ዝገብር እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ምርሳዕ ክህሉ ብፍጹም ዘይሕሰብ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 25 ጥሪ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ዝኽሪ ምዃኑ ብምዝኽኻር ዝገለጽዎ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ “ዝኽሪ ናይቲ ምጽናት ምሊዮናት ኣይሁዳውያንን ካልእ እምነታትን ክዝንጋዕ ወይ ክከሓድ ኣይከኣልን እዩ። መጀመርታ ነቲ ራዕዲ ናዚ ነዳዲ ዝኾነ ጽልእን ዓመጽን ከይተበትከ ብሓባር ሕውነት ንምሃንጽ ቀሊል ተወፋይነት ክሁሉ ኣይክእልን።እዚ እውን እተን ካብቲ መዳጎን ስፈር ዝደሓና ኢጣሊያዊት ሊልያና ሰግረ ዕለት 23 ጥሪ ኣብ ሚላኖ ነቲ ዘጋጠመ መሪር ታሪኽ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ዘሰንብድ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተፈጸመ ግፍዒ ዝርአ ናይ ምርሳዕ ሓደጋ ምህላዉ ንዝገለጽኦ ሕሓብ ዘዘኻኽር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ምስ ኤዲት ብሩክ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኤዲት ብሩክ ደራሲትን ገጣሚትን ኣብ እዋን ስርዓት ናዚ ብኣይሁድ እምነት ዝተገፍዓ ብዙሕ ግዜ ከም እተራኸብወንን፥ ቅዱስነቶም ኣብ ቤተን ብምኻን በጺሖምን፥ “ስለ ምስክርነትክን አመስግነክን ብዕብዳን ህዝባውነት ናዚ ዝተሰውኡ ክብሪ ንምሃብ እየ ዝበጽሓክን ዘለዅ፡ እቲ ኣብያድ ቫሸን ተረኺበ ዝበልክዎ ቃል ሕጂ እውን ንኣኽን ይብሎ። ኣብ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ከማኽን ዝኣመሰሉ እደግሞ፥ “ብስም ሰብኣዊ ፍጥረት ድማ ካብ እግዚኣብሔር ይቕረታ እልምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

28 January 2023, 16:41