ድለ

2023.01.31 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደ.ረ. ኮንጎ ነቒሎም 2023.01.31 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደ.ረ. ኮንጎ ነቒሎም  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደ.ረ. ኮንጎ ነቒሎም

ቅዱስነቶም ናብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ማኪና ጉዕዞ ኣብቲ ጥቓ እቲ መዓርፎ ንፈርቲ ዝርከብ ንኽብሪ እቶም ዕለት 11 ሕዳር 1961 ዓ.ም. ኣብ ኮንጎ ዝተቐትሉ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ተልእኾ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ዝተቐትሉ 13 ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ክብሪ ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ፊት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሰላምን ዕርቅን ዘማእከለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካይድዎ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ሎሚ ንጎሆ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት ሸሞንተን ዓሰርተን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፊውሚቺኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ሮማ ብዝተፈላለያ ኣባይቲ ስድራን ብናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ “ማእከል ኣስታሊ” ዝእለዩን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ግብረ ሰናይ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ናይተን ክልተ ሃገራት ዜጋታት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ኣብ ሮማ ብዝተፈላለያ ኣባይቲ ስድራን ብናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ “ማእከል ኣስታሊ” ዝእለዩ
ኣብ ሮማ ብዝተፈላለያ ኣባይቲ ስድራን ብናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ “ማእከል ኣስታሊ” ዝእለዩ

ቅዱስነቶም ናብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ማኪና ጉዕዞ ኣብቲ ጥቓ እቲ መዓርፎ ንፈርቲ ዝርከብ ንኽብሪ እቶም ዕለት 11 ሕዳር 1961 ዓ.ም. ኣብ ኮንጎ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ተልእኾ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ  ዝተቐትሉ 13 ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ክብሪ ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ፊት ደው ቢሎም ምእንቲ እቶም ዝወደቑን ከምኡ እውን ምእንቲ እቶም ኣብታ ብውግእ እትሳቐ ኣብ ዘላ ሃገር ግዳያት ዝኾኑን ኩሎም ናይ ጽሞና ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ኣብታ ዝጓዕዙላ ንብረት ኢታ - መገዲ ኣየር ዝኾነት ነፈሪት ምስ ኣተዉ ምስቶም ዘሰንይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣባላት ጋዜጠይናታትን ዝተፈላለዩ ናይ ካልኦት ማዕከናት ዜናን ሕትመትን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ሰላምታ ከም እተለዋወጡ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ናብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ማኪና ጉዕዞ ኣብቲ ጥቓ እቲ መዓርፎ ንፈርቲ ዝርከብ ንኽብሪ እቶም ዕለት 11 ሕዳር 1961 ዓ.ም. ኣብ ኮንጎ ዝተቐትሉ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ተልእኾ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ  ዝተቐትሉ 13 ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ክብሪ ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ፊት
ቅዱስነቶም ናብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ማኪና ጉዕዞ ኣብቲ ጥቓ እቲ መዓርፎ ንፈርቲ ዝርከብ ንኽብሪ እቶም ዕለት 11 ሕዳር 1961 ዓ.ም. ኣብ ኮንጎ ዝተቐትሉ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ተልእኾ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ዝተቐትሉ 13 ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ክብሪ ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ፊት

መልእኽቲ ተለግራም

ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋርጹለን ሃገራት ናይ ተለግራም  መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ብቐዳምነት ንናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ እቲ ንነዊሕ እዋን ሃረር ዝብልዎ ዝነበረ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻኦም ንኸካይዱ ምብጋሶምን ምስቶም ኣብተን ሃገር ዝርከቡ ምእመናን ህዝብን ክራኸብን መልእኽቲ ሰላምን ዕርቅን ከቕርቡ ምዃኖም ገሊጾም፡ ንህዝቢ ኢጣልያን ሃገርን ሰናይን ብልጽግናን ተመንዮን ብውዕዉዕ ጸሎት ንዝሰንዮም ህዝቢ ኢጣሊያ ዘለዎም ኣኽብሮት ገሊጾም “ሰላምታይ ከቕርብ ሓጎስ ይስምዓኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ንናይ ረፓብሊካዊት ቱኒዝያ ርእሰ ብሔር ካኢስ ሳየድ፥ ናይ ሃገርኩም ዶብ በረራ ኣየር ከቋርጽ እንኮለኹ ንኽብሩነትኩምን ንዜጋ ሃገርኩምን ልባዊ ሰላምታይ አመሓላልፍ` እቲ ክሉ ዝኽእል ብሰላምን ስኒትን ክባርከኹም እጽሊ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መለኮታዊ በረኸት እምህለል ከምዝበሉን ኣስዒቦም እውን ናብ ናይ ህዝባዊት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኣልጀሪያ ርእሰ ብሔር ኣብደል ማድጂድ ተቡነ፥ ንኣኹም ክቡርነትኩምን ዜጋ ሃገርኵምን ሰናይ ምንዮተይ አመሓላልፍ ጸሎተይ ድማ አረጋግጽ፡ መለኮታዊ በረኸት እምህለል ኢሎም።

ናብ ረፓብሊካዊት ኒጀር ርእሰ ብሔር ሞሃመድ ባዙም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ “ልባዊ ሰላምንታይ ንኣኹም ክቡርነትኩምን ህዝቢ ሃገርኩምን እናመሓላለፍኩ፡ ከሃሌ ኩሉ ብሓይሉን ሰላሙን ድማ ይባርኽኩም ኢሎም።

ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ጫድ ርእሰ ብሔር ማሃማት ኢድሪስ ብደብይ ኢትኖ፥ ጸሎት ዝዓሰሎ ሰናይ ምንዮተይ ንኣኹምን ህዝብኹምን እናገለጽኩ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርኩም ናይ ዕርቅን ሰላምን መለኰታዊ ቡራኬ ድማ እምህለል ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናብ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንገ ቱኣደራ፥ ንክቡርነትኩምን ንዜጋታት ሃገርኩምን ናይ ሰናይ ትምኒት ሰላምታይ አመሓላልፍ። ልዑል እግዚኣብሔር ንኹልኹም ብሓጎስን ሰላምን ክባርኸኩም እጽሊ።

ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ካመሩን ርእሰ ብሔር ፓውል ቢያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለገራም መልእኽቲ፥ ንክቡርነትኩምን ንዝህቢ ካመሩንን ልባዊ ሰላምታይ አቕርብ። በረኸት ልዑል እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካመሩን እናተማህለልኩ ንኹልኹም ሰላምን ሰናይ ህይወትን ክህበኩም እጽሊ፥ ናብ ናይ ረፓብሊክ ኮንጎ ብራዛቪል ርእሰ ብሔር ደኒስ ሳሱ ንጉወሶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለገራም መልእኽቲ፥ ንኽቡርነትኩምን ንደቂ ሃገርኩምን ምስ ርግጸይናነት ጸሎተይ ንሰላምን ብልጽግናን ኵሉ ሰናይ ትሚተይ አቕርብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 January 2023, 13:08