ንሰላም ኣብ ዝግበር ቃልሲ ፈጺምካ ኢድካ ኣይትሃብ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ነቶም ተመራመርትን ክኢላታትን ክንዮ ማንም ጒዳይ ኣብዚ ሎሚ ክንደልዮ ዘሎናን ብዘይምንም ምርምር ለይትን መዓልትን ክንሰርሓሉ ዘሎና ሰላም ምዃኑ ንምግላጽ ‘ኣብ መንጎ ደቂሰባት ሰላም ምንጋስ እቲ ብዘይወዓል ሕደር ብዘሎና ሓይልን ወንን ክንሰርሓሉ ዘሎና ካብ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ክንምህለሎ ዘሎና ኣገዳሲ ሠናይ እዩ፣ ከመይ ነፍስወከፍ ውግእ ንዓለምና ካብቲ ጽዒራን ርሂጻን ዝበጽሓቶ ብራኸ ከምእተንቈልቊልን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምእትተርፍን ይገብራ’ እንክብሉ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘድሊ ሰላም ምዃኑ ገሊጾም።
እዚ ኣብ ሃገር እስፔን ከተማ ሰላማንካ ዝመደበሩ ኣባል ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ኤውሮጳዊ ትካል ቀንዲ ውራዩ ኣብ ትምህርቲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝሰርሕ ኰይኑ ኣብ ህንጸት ዝሓሸት ዓለም ተዋፊሩ ለውጢ ንምምጻእ ብሱላት መራሕቲ ንምድላው ዝዓለመ እዩ።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣምር ሰላም ሓሳቦም እንከቅርቡ፣ ሰላም ኣብ ሚዛን ሓይሊ ጥራይ ዝተመስረተ ወይ ድማ ንፍትሓዊ ጠለባት ናይቶም ዝወሓደ ሞገስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ስቕታ ዘጥሕል እንተኾይኑ ብድሆ እዩ፤ ኣብ ክንድኡስ ብዓቢ ወኒ ክንዓየሉን ንኣምላኽ ኣበርቲዕና ክንልምኖን ዝግበኣና ኣገዳሲ ሰናይ ኲልና እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ህሉው ኩነታት፡ ኲናት ኩሉ ግዜ ናይ ደቂ ሰባት ስዕረት ዝውክል ምዃኑ ጥራይ ከጉልሕ ከም ዝኽእል ከምዚ ክብሉ ኣመልከቱ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ሰለስተ ውግኣት ዓለም!
ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ሰለስተ ውግኣት ዓለም ከምዝተኻየዱ፡ እንተላይ እቲ ሕጂ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝረኤ ዘሎ ውግእ ምስ ውግእ ዓለም ዝዳረግ ምዃኑ ብምረት ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም እዚ ኩሉ ከኣ፡ መኽሰብ ዘለዎ ኣጽዋር ውግእ ምፍራይ ጥራይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣመልኪቶም።
ቅዱስነቶም ክፍኣት ኲናት ንክገልጹ “ኲናት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ” እናበሉ ደጊሞም እኳ እንተገለጹ “እንተኾነ ግን በዚ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን” እንክብሉ ብተስፋ ንቅድሚት ክንጥምትን ከይተሓለልና ስለሰላም ክንሰርሕን ከምዚ ክብሉ ጸዊዖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብቲ ኣብ ኢዶም ሒዞሞ ዝነበሩ ጽሑፍ ውጽእ ይብሉ ብዛዕባ ኣስካሕካሕነት ውግእን ሳዕቤኑን ብኢድ ኣዙር ዝረኸብዎ ተመኲሮኦም የካፍሉ።
መፍትሒታት ድለዩ!
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና እዚ ዘሎናዮ ድራማ ኲናትን ዕንወትን ሽሕ’ኳ ‘ስዕረትን ምኽንያት ሕፍረትን’ ዝመስል እንተኾነ ከምቲ ዕንፋት መስቀል ‘ናብ ዓወት ክቕየር ይኽእል እዩ’ ብምባል ናይ ምትብባዕ ቃላት ኣቕሪቦም። ብጸሎትን ብስራሕን መፍትሒ ንምምጻእ ክንጽዕር ኣለና እንክብሉ ከኣ ኩልና ክንጽልን ክንሰርሕን ብምዝኽኻር በዘን ቃላት እዚአን ሓሳቦም ደምዲሞም።