ድለ

2023.01.26 Delegazione dell'Instituto Europeo de Estudios Internacionales de Salamanca 2023.01.26 Delegazione dell'Instituto Europeo de Estudios Internacionales de Salamanca   (Vatican Media)

ንሰላም ኣብ ዝግበር ቃልሲ ፈጺምካ ኢድካ ኣይትሃብ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሰላማንካ ዝርከብ ኤውሮጳዊ ትካል ዓለም ለኸ መጽናዕቲ ተመራመርትን ክኢላታትን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ፣ ኣብ መንገዲ ሰላም ንቕድሚት ካብ ምጉዓዝ ፈጺሞም ተስፋ ከይቆርጹ ከምዘተባብዕዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቶም ተመራመርትን ክኢላታትን ክንዮ ማንም ጒዳይ ኣብዚ ሎሚ ክንደልዮ ዘሎናን ብዘይምንም ምርምር ለይትን መዓልትን ክንሰርሓሉ ዘሎና ሰላም ምዃኑ ንምግላጽ ‘ኣብ መንጎ ደቂሰባት ሰላም ምንጋስ እቲ ብዘይወዓል ሕደር ብዘሎና ሓይልን ወንን ክንሰርሓሉ ዘሎና ካብ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ክንምህለሎ ዘሎና ኣገዳሲ ሠናይ እዩ፣ ከመይ ነፍስወከፍ ውግእ ንዓለምና ካብቲ ጽዒራን ርሂጻን ዝበጽሓቶ ብራኸ ከምእተንቈልቊልን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምእትተርፍን ይገብራ’ እንክብሉ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘድሊ ሰላም ምዃኑ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ሃገር እስፔን ከተማ ሰላማንካ ዝመደበሩ ኣባል ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ኤውሮጳዊ ትካል ቀንዲ ውራዩ ኣብ ትምህርቲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝሰርሕ ኰይኑ ኣብ ህንጸት ዝሓሸት ዓለም ተዋፊሩ ለውጢ ንምምጻእ ብሱላት መራሕቲ ንምድላው ዝዓለመ እዩ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣምር ሰላም ሓሳቦም እንከቅርቡ፣ ሰላም ኣብ ሚዛን ሓይሊ ጥራይ ዝተመስረተ ወይ ድማ ንፍትሓዊ ጠለባት ናይቶም ዝወሓደ ሞገስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ስቕታ ዘጥሕል እንተኾይኑ ብድሆ እዩ፤ ኣብ ክንድኡስ ብዓቢ ወኒ ክንዓየሉን ንኣምላኽ ኣበርቲዕና ክንልምኖን ዝግበኣና ኣገዳሲ ሰናይ ኲልና እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ህሉው ኩነታት፡ ኲናት ኩሉ ግዜ ናይ ደቂ ሰባት ስዕረት ዝውክል ምዃኑ ጥራይ ከጉልሕ ከም ዝኽእል ከምዚ ክብሉ ኣመልከቱ።

“ኲናት ውድቀት ፖለቲካን ሰብኣውነትን፡ ዘሕፍር ኢድ ምሃብ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሓይልታት ክፍኣት ስዕረት እዩ። ከምኡ’ውን ዝሓለፉ 100 ዓመታት ብግርጭትን ሰብ ዝሰርሖ ዕንወትን ዝመልአ ኩነት ክንቀፍ ዘለዎ እዩ። ስለዚ’ዩ ቃልሲ ምርድዳእ ደቂ ሰባትን ሰላምን ዘይሕለል ክኸውን ዘለዎ፣ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሁመት ዕርፍቲ ክንወስድ ዓቕሚ የብልናን።””

ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ሰለስተ ውግኣት ዓለም!

ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ሰለስተ ውግኣት ዓለም ከምዝተኻየዱ፡ እንተላይ እቲ ሕጂ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝረኤ ዘሎ ውግእ ምስ ውግእ ዓለም ዝዳረግ ምዃኑ ብምረት ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም እዚ ኩሉ ከኣ፡ መኽሰብ ዘለዎ ኣጽዋር ውግእ ምፍራይ ጥራይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣመልኪቶም።

“ንሓደ ዓመት ኣጽዋር ውግእ ብዘይ ምፍራይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገም ጥሜት ብምሉኡ ክንፈትሖ ንኽእል። ወዲ ሰብ ናብ ጥፍኣት ዝጥምት ተዋጋኢ ዝንባለ ዘለዎ ይመስል። ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት፡ ሕጂ ብዘሎ ቴክኖሎጂ ኣጽዋር ብሓንቲ ቦምባ ጥራይ ንሓንቲ ከተማ ብምልእታ ከተጥፍኣ እትኽእለሉ ምዃኑ እስኪ ነስተትኖ። እንታይ ኢና ንጽበ ዘሎና፧ በዚ ኣንፈት እዚ እንተደኣ ንኸይድ ኰና፣ ገና እቲ ጥፍኣት ዘይተረድኣና ይመስል።”

ቅዱስነቶም ክፍኣት ኲናት ንክገልጹ “ኲናት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ” እናበሉ ደጊሞም  እኳ እንተገለጹ “እንተኾነ ግን በዚ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን” እንክብሉ ብተስፋ ንቅድሚት ክንጥምትን ከይተሓለልና ስለሰላም ክንሰርሕን ከምዚ ክብሉ ጸዊዖም።

“ካብዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ሓሙኽሽቲ ሓድሽ ነገር ክውለድ ይኽእል እዩ፣ ኣብዚ ውድቀት ንህይወት ዝኸውን ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብቲ ኣብ ኢዶም ሒዞሞ ዝነበሩ ጽሑፍ ውጽእ ይብሉ ብዛዕባ ኣስካሕካሕነት ውግእን ሳዕቤኑን ብኢድ ኣዙር ዝረኸብዎ ተመኲሮኦም የካፍሉ።

“ብ2014 ናብ መቓብር ኲናት ኣብ ዝበጻሕኩሉ እዋም ዝተሰመዓኒ ሓዘን ከቢድ ነበረ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ዓመት መጸ ዕለት 2 ሕዳር ናብ ሓደ መካነ መቓብር ብምኻድ ሞት ኣሽሓት ኣወዳት ኣብ ኲናት ዝተቐትሉ ኣወዳት ንምዝካር እኸይድ። መወዳእታ ናዚዝምን ሓርነት ኤውሮጳን ንምጽንባል ዝግበር ኩሉ ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ሰብኣዊ ድራማ ኲናት ዘይምርሳዕ ብዝበለጽ ኣገዳሲ’ምኾነ። ኲናት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ዩ። ካብዚ ውድቀት እዚ ድማ ሓድሽ ነገር ክንሰርሕ ኣሎና፣ ኣብኡ ንህይወት ዝኸውን ትምህርቲ ክንረክብ ኣሎና። ስለዚ ከም ምሁራትን ተመራመርትን መፍትሒታት ድለዩ።”

መፍትሒታት ድለዩ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና እዚ ዘሎናዮ ድራማ ኲናትን ዕንወትን ሽሕ’ኳ ‘ስዕረትን ምኽንያት ሕፍረትን’ ዝመስል እንተኾነ ከምቲ ዕንፋት መስቀል ‘ናብ ዓወት ክቕየር ይኽእል እዩ’ ብምባል ናይ ምትብባዕ ቃላት ኣቕሪቦም። ብጸሎትን ብስራሕን መፍትሒ ንምምጻእ ክንጽዕር ኣለና እንክብሉ ከኣ ኩልና ክንጽልን ክንሰርሕን ብምዝኽኻር በዘን ቃላት እዚአን ሓሳቦም ደምዲሞም።

“ፍቕርን ሕውነትን ካብ እምነት ዝተወልደ ሓቀኛ ሰብኣውነትን ንጽልእን ምንጻግን ጭካነን ከም ዝስዕሮ ተኣማሚና ድሌታትና ነወሃህድ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
27 January 2023, 14:19