ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓሴት ኣባይቲ ስድራ ጸገም ኣብ ዘለሉ እዋን እውን ዝቕጽል እዩ! ር.ሊ.ጳ.፥ ሓሴት ኣባይቲ ስድራ ጸገም ኣብ ዘለሉ እዋን እውን ዝቕጽል እዩ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓሴት ኣባይቲ ስድራ ጸገም ኣብ ዘለሉ እዋን እውን ዝቕጽል እዩ!

ሓሴት ስድራ ቤት እውን፥ ኵሉ ጽቡቕ ዝኾነሉ ዝኾነ ጸገም ዘይንበረሉን ዘይረኣየሉል ምስ ዝብል ክውንነት ዘይቃዶ እዩ። እንተኾነ ግን ነዚ ክሉ ኩነታት ዝፍንጽግ ሓጐስ ግን ኣሎ

ዕለት 2 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጋባእያ ማሕበር ስድራ ቤት ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ክርቲያናዊ ኣባይቲ ስድራ፥ “ኣብ ሓደ ግዝኣት ሱር ዝሰደደ እንተኾነ ግን ንዓለም ክፉትን ኣአንጋድን ደገፍን” ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንመጋባእያ ማሕበር ስድራ ቤት ኣባላት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቶም ኣባላት ኣብ ኵሉ መድረኻት ንኣባይቲ ስድራ ድምጺ ብምዃን ንዝህቦ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፥ “ስድራ ቤት ምዃን ሞሳ ዘነቓቕሕ ባህ ዘብል ህያብ እዩ፡ ዘማርር ድምጺ ዘይኮነስ እወታዊ ድምጺ እዩ። ህልዩኣዊ ዘይኮነስ ድሌታት ናይተን መብዛሕቲኡ ግዜ ብዘይ - ፍትሓዊ መገዲ ንስቓይ ንዝቓልዓ ኣባይቲ ስድራ ዝትርጉምን ዘስምዕን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣባል ማሕበር መጋባእያ ስድራ ቤት ምዃን ማለት ሓሴት - ናይ ስድራ ቤት ሓጐስ ምምስካር ማለት እዩ፡ እዚ እውን ኣብቲ ድህረ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝለገስዎ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ሕመረት ምዃኑ ገሊጾም፡ ሓሴት ስድራ ቤት እውን፥ ኵሉ ጽቡቕ ዝኾነሉ ዝኾነ ጸገም ዘይንበረሉን ዘይረኣየሉል ምስ ዝብል ክውንነት ዘይቃዶ እዩ። እንተኾነ ግን ነዚ ክሉ ኩነታት ዝፍንጽግ ሓጐስ ግን ኣሎ፡ ምኽንያት ኣብ ዓሚቕ ደረጃ ዝለ ዝቐውም፡ ስድራ ቤት ካብ ምዃን ህያብ ካብ ምዃን ካብ ናይ ምምስጋን ስምዒት ዝነቅል እዩ። ኵሉ ሰብ ዝኽተሎ ሓደኣዊ መልክዕ ስድራ ቤት የለን፡ የግዳስ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ከም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ መገድን ታሪኽን ኣለዎ። . . . ናይ ዓለም ቅድታት ዘይኮነስ ትሕትናን ኣገልግሎትን ሓቛፍነትን ክስዕብ ኣለዎ፡” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፖለቲካ ንስድራ ቤትን ምስ ስድራ ቤትን

ቅዱስነቶም ካልእ ክህሉ ዘተባብዕዎ መዳይ ድማ፥ “ሰናይ ፖለቲካ፡ ንስድራ ቤትን ምስ ስድራ ቤትን” ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ዓይነት ፖለቲካ እዚ ከም ዘድልን፡ እቶም ናይቲ መጋባእያ ኣባላት እውን ናይ “ሓባር ሰናይ”ኣብ ምድላይ ክፉትን ሓቛፍን ንኻልእ ናይ ምድጋፍ መቓርብ ክህልዎም ተላብዮም፡ ክርስቲያን ስድራ ቤት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዓለም ክትሕጸር ኣይትኽእልን ናትና ሰናይን ጽብቕትን ስድራ፡ ካልኦት ኣባይቲ ስድራ ባዕሎም ይፍለጡ ናይ ምባል ኣኽእሎት ዘለዋ ኣይኮነትን፡ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ባህርያት፡  ካብ ከባቢኣ ጀሚራ ክፉትን ተቐባሊትን ደጋፊትን ኣብ ምዃን ምንባር እዩ፡ ኣብ ሓደ ግዝኣት ዝተሰረተት ግን ከኣ ንዓለም ክፍቲ ረቛሒ ሕውነት ማሕበራዊ ምሕዝነትን ንኽትከውን እያ ተጸዊዓ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ገሊጹ፥

ቅዱስነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ምስ ምውላድን ወሊድነትን ዝተኣሳሰሩ ኣርእስታት ንኽዝተ ዝዓለመ ውፉይ ፖለቲካ የድሊ፥ ንሓደ ጉዳይ ጥራሕ ኣብ ምኹናን ዘይድረት ዝኾነ እዚ ብሓቂ ቀሊል ምኾነ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ሰብ ሓዳር ከም  መጻምድትን ከም ስድራ ቤትን” ገዛእ ርእሶም ክከናኸኑ ምዒዶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንጸሎትን ዘተን ማሕበራዊ ህይወትን ግዜ ክፍለዩ ኣተባቢዖም፡ ከምኡ እውን “ምስ ደቕኹም እትጻወትሉ ግዜ ይሃልውኩም” ቢሎም እቲ ኣብ ኢጣሊያ ዝርአ ዘሎ ምንቁልቃል ወሊድ መሰረት ገይሮም፡ ብዕዮታትናን ብሓሳብናን  ኣቢልና ነዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ውላድ መልሲ ክንህበሉ ይግባኣ፥ ቈልዑ የድልዩና እዮም” ቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

03 December 2022, 16:52