ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ጽቡቕ ምህላው ስደተይናታት የድልዩ! ር.ሊ.ጳ.፥ ንከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ጽቡቕ ምህላው ስደተይናታት የድልዩ!  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ ንከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ጽቡቕ ምህላው ስደተይናታት የድልዩ!

እዩ። ሰብኣዊ ቅልውላ ካብ ማሕበራዊ ቅልውላው ነጺልካ ክርአይ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ረብሓ ዋጋ ሰብኣዊ ክብሪ ዕሽሽ ምባል ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ዘየእትውን ዘሎ ኮታ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጸገማት ዕሽሽ ክበሃል ይርአ ኣሎ፡”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ክሳብ ዕለት 3 ታሓሳስ ዝቐጸለ ሻምናይ ዓውደ ጉባኤ ሮማ “መዲትራኒያን ንዘተ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንዓለም ለኻዊ ጸገማት ዝውክል እዩ” ከም ብዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶ ናብቲ ካብ ናይ ፖለቲካን ትካላትን ወከልትን ተንተንትን ናይ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ጒዳያት ኣካላት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሙያተይናታትን ኣሳቲፉ ብዛዕባ ከባቢ ሜዲትራኒያን ሃገራት ቀንዲ ዛዕባታት ዝመክር ኣብ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ሻምናይ ናይ ሮማ ዞባ ሜዲትራኒያን ንዘተ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ብዛዕባ እቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ሰባት ዝምልከት ጉዳይ መፍትሕታት ምርካብ ዘይምኽኣል ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ቅቡል ዘይኮነ ዳርጋ ንሓዋሩ ከይህሉ ምግባር ዝከኣል ክነሱ ዝቕጽል ዘሎ ክሳራ ህይወት ኣዚዩ ዘተሓሳብ ከም ዝኾነን፡ ንረብሓ ኵሉ ዝብል ምትሕብባር ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣጉሊሖም፥ “በይናዊ ምድሓን የሎን፡ ስለዚህ ምትእስሳር ናይቶም ጉዳያት ብሓባር ብዝተኻእለ መጠን ሰፊሕ ብዝኾነ ውዱድ ራእይ ክምርምሩ” ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኵናት ዩክረይንን ኣህጉራዊ ሳዕቤናቱን

ቅዱስነቶም ኣብ መደረኦም ቀጺሎም ነቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብነት ከም ውክልና ናይ ሎሚ ዓለም ለኻውነት ሽግራት ብምጥቓስ፥ ብሰንኪ እቲ ኩናት ዘጋጥም ዘሎ “ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት” መላእ ዓለም ከም እተተንከፈን ካብ ወተሃደራውን በርገሳውን ወገን ዝመጹ ግዳያት፡ ቅልውላው ጸዓት፡ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምኡ እውን ቅልውላው መግብን ጠቒሶም እተን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ዞባ ሜዲትራኒያ “ሰማንያ ሚእታዊ ጠለብ እኽለን ኣብ ናይ ዩክሬይን ወይ ናይ ሩስያ ምህርቲ ዝተመርኮዘ እዩ” ቢሎም በዚ መሰረት እውን እቲ ኲናት ዘስዕቦ ዓለምለኻዊ ጸገማት ብንጹር ኣመላኺቶም፡ እቲ ኵናት ብዓለም ለኻዊ ኣረኣእያ ምቕራብ የድሊ፡ ኵሉ ቅልውላው ዝተኣሳሰረ እዩ። ሰብኣዊ ቅልውላ ካብ ማሕበራዊ ቅልውላው ነጺልካ ክርአይ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ረብሓ ዋጋ ሰብኣዊ ክብሪ ዕሽሽ ምባል ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ዘየእትውን ዘሎ ኮታ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጸገማት ዕሽሽ ክበሃል ይርአ ኣሎ፡” እዚ እውን ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ፡  ነፍሲ ወከፍ ጸገማት ብከፊለኣዊ መገዲ ምግጣም ነቲ ጸገማት ዘይፈትሕ ጥራይ ዘይኮነስ ሕዱር ዝገብሮ ናብ ዘይፍጹም ዝኾነ ፍታሕ ዘብጽሕ ሓደጋ እዩ ዝኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸዋዕታ “ባሕሪ መዲትራኒያን”

ናይ ባሕሪ መዲትራኒያን ጸዋዕታ፥ “ጸዋዕታ ምዕባለን ብልጽግናን ባህልን” እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥  እዚ ሰለስተ ክፍለ ዓለማት ዘራኽብ ዞባ ሜዲትራኒያን፡ ብታሪኽን ብስደተን እውን ኣዚዩ ውጺታኡ ምስትእስሳር ከም ዘለዎን፡ ሎሚ እቲ ባሕሪ መስቀላዊ መገዲ ሰብኣውነትን ተሰካሚ ብዙሕ ዕድላንት ክነሱ ናይ ርክብን ምልውዋጥን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ቦታ ንኽኸውን ይቃለስ ኣሎ፡” እንክብሉ ጓሂሆም ገሊጾም ስለዚ “ስምዒት ሕውነት ዳግም ንምህናጽ ዝያዳ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ዝምድናታት ጥራይ ዘይኮነስ ዝያዳ ሰብኣዊ ዝምድናታት እንኮላይ ምስ ስደተይናታት ንምምዕባል ናይ ምርኻብ ባህሊ ዳግም ምብጋስ የድሊ” ብዝብል ምዕዳን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 December 2022, 16:56