ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያ  (Vatican Media)

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያ

ኣብ መዓልቲ ልደት ዘእግዚእነ ዕለት 25 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ Urbi et Orbi - ሃገራውን ኣህጉራውን ቡራኬ ክህቡ እዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፥ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ክሳብ ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም. ዓበይቲ በዓላት ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ከም ዝሓበሮ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 19.30 ኣብ ዋዜማ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፥

ሃገራውን ኣህጉራውን ቡራኬ ር.ሊ.ጳ.

ኣብ መዓልቲ ልደት ዘእግዚእነ ዕለት 25 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ Urbi et Orbi - ሃገራውን ኣህጉራውን ቡራኬ ክህቡ እዮም።

ዕለት 31 ታሕሳስ ቅዱስ ኣቦና ልክዕ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 17.00 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክን ስለ እቲ ዝሓለፈ ዓመት 2022 ዓ.ም. ኣብ ስነ ስርዓት ጸሎተ ምስጋና ለእግዚኣነ መሪሖም ክሳተፉ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን መግለጺ ቅድስቲ መንበር ጠቒሱ የመላኽት።

ሊጡርጊያዊ ጽምብል ወርሒ ጥሪ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ዕለት 1 ጥሪ 2023 ዓ.ም. በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 10.00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑን ብተመሳሳሊ ዕለት 6 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ ዘእግዚኣነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ዕለት 8 ጥሪ ብምኽንያት በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ጸሎት ሲስቲና በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 09.30 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ንገል ቆልዑ ምስጢረ ጥምቀት ክሰርዑን ምዃኖም ዜና ቫቲካን መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ጠቒሱ የመላኽት።

03 December 2022, 16:45