ድለ

ስለ እቶም ንካልኦት ክረድኣ ብወለንታአን ዘገልግላ ማሕበራት ንጸሊ! ንወርሒ ታሕሳስ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ

ወርሒ መጸ ብዓለምለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብዘሰናዱ መርበብ ሓበሬታ ዝዝርጋሕ መደብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ታሕሣሥ ብርእየት ኣብ ዝዘርግሖ ስለ እቶም ብወለንታኦም ንኣገልግሎት ኣሕዋትን ኣሓትን ንክወፍሩ ብማሕበራት ተወዲቦም ዝሰርሑ ተግባሮም ኩሉ ጥበበኛታት ናይ ምሕረት ሥራሕ ንክኾኑ ኩሎም ምእመናን ነዛ ወርሒ እዚኣ ስለኦም ክጽልዩ ዝጽውዕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዜና ቫቲካን!

ን12 ኣዋራሕ ዝተኻየደ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ነዛ ናይ መጨረሻ ወርሒ 2022 ዓም ስለእቶም ብፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ተደፋፊኦም ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ወለንተኛታት ማሕበራት ተዋፊሮም ዘገልግሉ ክጽለ ይዕድም።

ቅዱስነቶም ኣብ መእተዊ መልእኽቶም ንኩሎም ማሕበራት ወለተኛታትን ነቶም ወለንተኛታትን ስለ እቲ ዘበርክትዎ ክቡር ኣገልግሎት የመስግኑ እሞ ኣብ ኩሉ እቲ ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ክብሪ ግርማ ወዲሰብን ሓባራዊ ሠናይ ነገርን ከደንፍዑ ከምዚ ክብሉ የዘኻክሩ።

እቲ እትበርክትዎ ኣገልግሎት ንሕዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጐድኖም ቀረባኦም ኰንኩም ንግድነታቶም ጽን ቢልኩም እናሰማዕኩም ምስ ሕዝቢ ብምዃን ይኹን። እዚ ማለት ከኣ በእዳውናን ብኣዕይንትናን ጽን ቢሉ ብዝሰምዕ ኣእዛናንን ብቅርበትናን ሥነጥበበኛታት ናይ ምሕረት ሥራሓት እዩ ኢሎም።

“ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ሎሚ ከም ሎሚ ዓቢይ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ዋሕዲ ወለንተኛታት ምዃኑ ኣብ ግምት ኣእቲና እዘን ማሕበራት እዚኤን ነዚ ቅዱስ ተግባር እዚ ዝውፈዩ ምእንቲ ክረኽቡ ንክንጽሊ ሓደራ ኢሎም።”

“እዘን ማሕበራት እዚኤንን ኣባኣተን ዘገልግሉ ወለንተኛታትን ነዚ ኣገልግሎት ናይ ምሕረት ሥራሕ ዝቅጽሉ ንስለሠናይ ነገር ናይ ኩልና ዝውፈዩን ሓደስቲ ጐዳናታት ዓለምሓቆፋዊ ምትሕብባር ሃሰስ ዝብሉን ሰባት ንክረኽባ ንጸሊ ኢሎም።”

እዚ ብወለንታኻ ዝግበር ናይ ምሕረት ሥራሕ ንቃለ ወንጌል ብተግባር ዝምስክር ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እቲ ሎሚ መላእ ዓለምና ቈጺርካ ብዘይውድኡ ወለተኛታትን ማሕበራቶም ዝውፈ ኣገልግሎ ብዙሓት ንሶምን እግዚአብሔርን ብዝፈልጥዎ መንገዲ ስለዝገብርዎ ብዙሕ እኳ ክንርእዮም እንተዘይከኣልና ሕያዋን መሰኻኽር ወንጌል ክብሉ ገለጽዎም።

ከም ሓበሬታ መደብ ወለንተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለምና ካብ ዝነብሩ 9 ሰባት ሓደ ሰብ ወለንተኛ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ሎሚ ከም ሎሚ ልዕሊ 862.4 ሚልዮን ወለተኛታት ከምዘለው እውን ጸብጻባት ናይቲ ውድብ የመልክት።

ኣብ መብዛሕትኡ ኲርናዓት ዓለምና ብመንፈስ ክርስትና ዝተበገሳ ማሕበር ወለንተኛታት ብተግባር ምስክርነት ወንጌል ከምዝህቡ እንክምልከት ካልኦት እውን ከማኡ።

ቅዱስነቶም ካብቲ እዞም ወለንተኛታት ዘበርክትዎ ኣገልግሎት ግሊኡ ብምጥቃስ ብቀንዱ ከኣ ኣብ ሥቃይ ንዝርከብ ሕዝቢ ዓለምና ምግልጋል ኮይኑ ባህርያዊ ዕንወትን ቊጠባዊ ቅልውላውን ዓጸቦ ጥሜት ንዘጥቀዖምን ከምዝረድኡን እዚ ተግባር እዚ ከኣ ሓራ ዘውጽእ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም።

“ወለንተኛ ምዃን ማለት ነቲ ሓራ ዘውጽእ ሥራሕ መሪጽካ ንካልኦት ምሕጋዝ ኮይኑ ንግድነታት ካልኦት ሰባት ክፉታት ከም እንኸውን ገቢሩ ፍትሒ ንክነግስ ድኻ ንከይብድል ንክንከላኸል ከማኡ እውን ነታ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ተፈጥሮ ንክንከናኸን ይደፋፍአና። ነዚ ንምግባር ከኣ ምድግጋፍን ምትሕብባርን የድሊ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
02 December 2022, 13:34