ስለ እቶም ንካልኦት ክረድኣ ብወለንታአን ዘገልግላ ማሕበራት ንጸሊ! ንወርሒ ታሕሳስ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ
ዜና ቫቲካን!
ን12 ኣዋራሕ ዝተኻየደ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ነዛ ናይ መጨረሻ ወርሒ 2022 ዓም ስለእቶም ብፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ተደፋፊኦም ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ወለንተኛታት ማሕበራት ተዋፊሮም ዘገልግሉ ክጽለ ይዕድም።
ቅዱስነቶም ኣብ መእተዊ መልእኽቶም ንኩሎም ማሕበራት ወለተኛታትን ነቶም ወለንተኛታትን ስለ እቲ ዘበርክትዎ ክቡር ኣገልግሎት የመስግኑ እሞ ኣብ ኩሉ እቲ ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ክብሪ ግርማ ወዲሰብን ሓባራዊ ሠናይ ነገርን ከደንፍዑ ከምዚ ክብሉ የዘኻክሩ።
እቲ እትበርክትዎ ኣገልግሎት ንሕዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጐድኖም ቀረባኦም ኰንኩም ንግድነታቶም ጽን ቢልኩም እናሰማዕኩም ምስ ሕዝቢ ብምዃን ይኹን። እዚ ማለት ከኣ በእዳውናን ብኣዕይንትናን ጽን ቢሉ ብዝሰምዕ ኣእዛናንን ብቅርበትናን ሥነጥበበኛታት ናይ ምሕረት ሥራሓት እዩ ኢሎም።
እዚ ብወለንታኻ ዝግበር ናይ ምሕረት ሥራሕ ንቃለ ወንጌል ብተግባር ዝምስክር ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እቲ ሎሚ መላእ ዓለምና ቈጺርካ ብዘይውድኡ ወለተኛታትን ማሕበራቶም ዝውፈ ኣገልግሎ ብዙሓት ንሶምን እግዚአብሔርን ብዝፈልጥዎ መንገዲ ስለዝገብርዎ ብዙሕ እኳ ክንርእዮም እንተዘይከኣልና ሕያዋን መሰኻኽር ወንጌል ክብሉ ገለጽዎም።
ከም ሓበሬታ መደብ ወለንተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለምና ካብ ዝነብሩ 9 ሰባት ሓደ ሰብ ወለንተኛ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ሎሚ ከም ሎሚ ልዕሊ 862.4 ሚልዮን ወለተኛታት ከምዘለው እውን ጸብጻባት ናይቲ ውድብ የመልክት።
ኣብ መብዛሕትኡ ኲርናዓት ዓለምና ብመንፈስ ክርስትና ዝተበገሳ ማሕበር ወለንተኛታት ብተግባር ምስክርነት ወንጌል ከምዝህቡ እንክምልከት ካልኦት እውን ከማኡ።
ቅዱስነቶም ካብቲ እዞም ወለንተኛታት ዘበርክትዎ ኣገልግሎት ግሊኡ ብምጥቃስ ብቀንዱ ከኣ ኣብ ሥቃይ ንዝርከብ ሕዝቢ ዓለምና ምግልጋል ኮይኑ ባህርያዊ ዕንወትን ቊጠባዊ ቅልውላውን ዓጸቦ ጥሜት ንዘጥቀዖምን ከምዝረድኡን እዚ ተግባር እዚ ከኣ ሓራ ዘውጽእ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም።