ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ህየንተ ሕቶን መልሲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ህየንተ ሕቶን መልሲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን 

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ህየንተ ሕቶን መልሲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን

ቅዱስ ኣቦና ኣመስጊኖም፡ ሕጂ እውን ምስ ጥዕናኦም ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ክለቁ ንዘቕረብዎ ሕቶ ድማ ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ስለ ዝሃቡሉ አመስግን ከም ዝበሉን፡ ኣብ ቀረባ እዋን “መጥባሕቲ” ከም እተገበረሎምን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ሕክምና ይከታተሉ ከም ዘለዉን

ተወላዲ ስፐይን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ንሰለስተ ዓመት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ህየንተ ኮይኖም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰምዮም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ጥዕናኦም ብዝተኣሳሰረ ወልቃዊ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ንኽቕለቁ ናብ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ብቕዱስነቶም ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ኣብ ክንድኦም ናይቲ ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ካባለሮ ህየንተ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣባ ዃን ኣንቶኒዮ ገረሮ ኣልቨስ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ህየንተ ብጉዳይ ጥዕና ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ዘቕረብዎ ሕቶ ከም እተቐበልዎን ብናይቲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብዝነበሩ ናይ ስነ ቁጠባ ሊቀ ማክሲሚኖ ካባለሮ ለዶ ክትክእዎም ከም ዝወሰኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ንኣባ ገረሮ ኣልቨስ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቁጠባ ስሩዕ ኣብ ምግባር ከይተሓለሉ ዘገልገሉ እንክብሉ ገሊጾም ስለ ኣገልግሎቶም ከም ዘመስገንዎም ኣፍሊጡ።

ኣባ ገረሮ ንዅሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ሰራሕተይናታትን ናይ ቀረባ ተሓባበርትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብቐዳምነት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽኾኑ ኣብ ልዐለኦም እምነት ኣሕዲሮም ህየንተ እንክብሉ ንዝሰመይዎም ቅዱስ ኣቦና ኣመስጊኖም፡ ሕጂ እውን ምስ ጥዕናኦም ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ክለቁ ንዘቕረብዎ ሕቶ ድማ ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ስለ ዝሃቡሉ አመስግን ከም ዝበሉን፡ ኣብ ቀረባ እዋን “መጥባሕቲ” ከም እተገበረሎምን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ሕክምና ይከታተሉ ከም ዘለዉን፡ “ብሓላፍነት ዝተዋህበኒ ዕማም ንምፍጻም ብጀካ ስነ ቁጠባዊ ክእለት ዝዓበየ ኣካላዊ ብቕዓት እውን ዝሓትት ብምዃኑ፡ ሓላፍነተይ ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና አንቢረ ኣለኹ” ቢሎም፥ ነቲ ቅዱስ ኣቦና  ዘቕረብዎ መደብ ሕዳሴ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቁጠባ ትግቡር ክኸውን ኣገዳሲ ስጉምትታት ንኽወሰድ ጉዳያት ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ብምምራሕ ምስ ኵሎም ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተይናታትን ምስ ክልኦት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብምትሕብባር ብምትሕግጋዝ ከም ዝሰርሑ ገሊጾም ንጹር ሕግታት ብምውጻእ ግልጺ ኣሰራርሐ ቁጠባ ብምትብባዕን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ብዝለዓለ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መጋብርያ ኣብ ምጥቓም ዓቕሙን ብቕዓቱን ክብ ከም ዝበለ እውን ከዘኻኽር እፈቱ” ከም ዝበሉ  ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

“ሕጂ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንኣትው ኣለና -  እዚ ኣግልግሎት እዚ ብቑዕ ሰብን ልዕሊ ኩሉ ድማ መንእሰይ ዕድመ ይሓትት  -  ኣብ መስርሕ ጽገና ንቕድሚት ዝወስድ ስጉምትታትን ንድሕሪ ዝወስድ ስጉምትታትን ከም ዘሎ ተመኲርና ኢና። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ናይ ብሓቂ ምዕባለ ክንርኢ ክኢልና። ስለዚህ ሎሚ ኣብቲ ክንጅምር እንከሎና ዝነበርናዮ ደረጃ ኣይኮናን ዘሎና። ተቖጻጻሪ ኣካል ምዃን ኩሉ ግዜ ነቶም ዝቆጻጸሩ ኣብ ዘይምቹእ ኵነታት ክህልዉ ከም ዝገብሮ ንፍለጥ ኢና፡ ብትሕትናን ብመንፈስ ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ምስ ኵሉን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ብምትሕብባር ከም እትሰርሑ ርግጸይና እየ፥ ቁጠባ መገልገሊ እምበር ጐይታ ክኸውን የብሉን” ቢሎም ንዅሎም ሰናይ ኣገልግሎ ከም እተመነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 December 2022, 15:39