ድለ

2022.08.17 Udienza Generale 2022.08.17 Udienza Generale 

ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ሰላም ናይ ዝሰፈኖ ዓለም ሓውልቲ!

ወግዓዊ ልሳን ቅድስት መንበር ዝኾነ ጋዜጣ ሎኦሶርቫቶረ ሮማኖ ንኩነታት ርክባት ምስ ር.ሊ.ጳ ምስ ኩሎም ንዝግበር ኣመልኪቱ ካብ ታሪኽ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ጀሚርካ ተመኲሮታት ዝተፈላለየ ጒጅለታት ምናዳ ኸኣ መንእሰያት ኣመልኪቱ ነቲ ኣደራሽ ንኩሉ እትቅበልን እትሓቊፍን ኢቆና ሰላም ወይውን ምስሊ ሰላም ክብል ዘስፈሮ ሓጺር ጸብጻብ እነሆ።

ዜና ቫቲካን!

ጋዜጠኛ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ጆርጅዮ ላ ፒራ ሮቡዕ ሮቡዕ ኣብ ዝግበር ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ክንዮ እቲ ትምህርትን ሓዋርያዊ ቡራኬን ዝተፈላለየ ሰላምንታ ጻውዒታትን ቅዱስነቶም ሕብረቀለም ብዙሕነት ናይቶም ተሳተፍትን ሃዋሁ ናይቲ ከባቢ ፍልይ ብዝበለ ጠመተ ብምትኳር ካብ መላእ ዓለም ዝጋብኡ ዝተፈላለየ ባህልታትን ጠባያትን ዘለዎም ሰባት ሶሙን ሶሙን ከም ሓንቲ ስድራ ብክፉት ልብን ፍሕሽው ገጽን ንቅዱስነቶም ክቅበሉን ክርእዩን ክትንክፉን ሰላም ክብሉን ፍሉይ ህያብ ክህቡን ኮታስ እቲ ቅዱስነቶም ሰላምታን ቡራኬን ክህቡ ብማእከሎም ክዘዋወሩ እንከለው እትዕዘቦ ሃዋሁ ጨሪስካ ኣብዚ ዓለም ዘይርከብ ካልእ ናይ ሰላምን ሕውነትን ዓለም ወላ ንሓጺር ግዜ እውን ትኹን ከም እት ዕዘብ ብ ዓቢይ ኣድናቆት ኢቆና ሰላም ነታ ቅዱስነቶም ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኣብ እትብል ሓዋርያዊት መል እኽቶም ዝገልጽዋ ሕውነት ብ ኣካል ከም እትድህስሳ ትገብረካ ዝብል ሰፊሕ ትንተና ኣቀሪቦም።

እቲ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ነፍስወከፍ ርክብ ዚካየድ ናኣሽቱ ፍጻሜታት ኣብ መንጎ ዘይፋለጡ ሰባት ዝወናጨፍ ፍሽኽታን ሰላምታን ሕልፍ ሕልፍ ቢልካ ከኣ ናኣሽቱን ሓጸርትን ዘተን ካብዚ ዓዲ እየ ንስኻኸ ንስኺኸ! ቢሉ ዝጅምር እሞ ገሊኡ ክንዮኡ ዝሳገር ከማኡ እውን ዓለምሓቆፍ ጉጅለታት መን እሰያት ብዝተፈላለየ ናይ ግዜ ሓጋይ መደባት ንክራኸቡን ተመኲሮ ንክለዋወጡን ዝተጋብኡ ኣብቲ ኣደራሽ ምስ ካል እ ዓለም ክራኸቡ ከለው ክንዮ ዶባት እምነት ሰጊርካ ክርስትያንን ኣስላምን ካብ ቅድስት መሬት እስራኤላውን ዕብራውያን እውን ከይተረፈ ብሓደ ከም ሓንቲ ስድራ ክስሕቁን ከጣቅ ዑን ክሕጐሱን ክትር ኢ ካብዚ ዚዓቢ ከምዘየለ እውን ገሊጾም።

ምናዳ እቲ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ግዜ ሓጋይ ንመንእሰያት ካብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ዓለምና ብምእካብ ናብ ባህልን እምነትን ተመኲሮታት ንክለዋወጡ ዝግበር ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኦውዳ ኣልሓዲን ዝተባህለ ካብ ሄብሮን ናይ ፍልስጥኤም ዝመጸ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ተመኲሮ ሓጋይ ‘ዋላኳ ዝተፈልየ እምነት ይሃልወና እምበር ኣብቲ መዓስከር ብሓባር ኢና እንነብር፣ እዚ ከኣ ነቶም ካል ኦት ከምዘለውዎ ክትቅበል እንተኽኢልካ ከቢድ ኣይኮነን’ ክብል ይገልጾ። ካብዚ ከኣ ናብ ሓቀኛ ሰላም ዘብጽሕ ዓቢይ ዕርክነት ይውለድ። መብዛሕት ኦም መን እሰያት ድሕሪ እቲ ተመኲሮ ሕይወቶም ከምዝተለወጠን ኣብ ኩሉ ዓለም ከማኡ እንተዝኸውን ዝብል ምንዮትን ይገልጹ። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ እቲ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝራኸብዎን ዝዕዘብዎ ሃዋሁ ሰላምን ሕውነትን ሃንጺ ምዃኑ ይገልጹ እሞ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ብሓቂ ናይ ሰላም ኢቆና ናይ ሕውነት መኣዲ ምዃና መረጋገጺ ምዃኑ ትንተናኦም ዛዚሞም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
18 August 2022, 12:21