ድለ

UCRAINA, ODESSA E' SOTTO ATTACCO - QUESTA MATTINA ALLE 5:45 UN RAID DI AEREI HANNO BOMBARDATO LA CITTA' - foto(ANSA/ANP) UCRAINA, ODESSA E' SOTTO ATTACCO - QUESTA MATTINA ALLE 5:45 UN RAID DI AEREI HANNO BOMBARDATO LA CITTA' - foto(ANSA/ANP) 

ሃመይን ቀልበይን ምስቲ ብጨካን ውግእ ዝሳቀ ሕዝቢ ኡክራይና እዩ!ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሮቡዕ ዕለት 10 ነሓሰ 2022 ዓም ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ እውን እንደገና ምእመናን ኣተኲሮኦም ኣብ ቊስልታት ግጭት ናይቲ ኣብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ክገብሩ እሞ ስለ እቶም መረበቶም ገዲፎም ዝሓሸ መጻኢ ንምድላይ ዝስደዱ ክጽልዩ ጻውዒት ኣቅሪቦም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ናብቲ ዝሓለፈ 5 ነሓሰ ኣብ ክዩባ ዘጋጠመ ባርዕ ነቲ ድሮ ብተለግራም ገሊጾሞ ዝነበሩ ብቃሎም ደጊሞም ጸሎቶምን ቅርበቶምን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ብልማድ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝግበር ብምኽንያት ሙቀት ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘቅረብዎ ብዛዕባ ሽምግልናን ሽማገለታትን ዝምልከት መዛዘሚ ትምህርተክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ንተሳተፍቲ በብዓዶምን ጒጅለኦምን ቋንቋኦምን ሰላምታን ምስጋናን ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ብቋንቋ ጣልያን ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ነቲ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ዘስዕቦ ድራማ ከማኡ እውን ክንደይ ባሕርን ምድርን ኣቋሪጾም ንስደት ዘምርሑን ዝቅበሎም ኣደራዕን ዘኪሮም እዚ ኩሉ ከኣ ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ብዘለዎም ተስፋ ምዃኑን ክብደቱን ምስ ገለጹ ንሕና ብግደና ክንገብሮ ሰላም ምህናጽ ምዃኑን ክብደቱን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብ ስድራቤትስ ይኹን ኣብ ቤተክርስትያን ሃነጽቲ ሰላም ምዃን ቀሊል ኣይኮነን፣ ሓድነት ግድን ስለዘድሊ ግን ግድን ክንገብሮ ኣሎና ከመይ ሠናይ ሥራህ እዩ ኢሎም።”

ስቃይ ኡክራይናን ዋሕዚ ስደተኛታትን!

ቅዱስነቶም ነቲ ሻድሻይ ወርሑ ዘቊጽር ዘሎ ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን እሞ ኸኣ ኣብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ ማንም ዘይተጸበዮ ግጭት ኡክራይና ብምዝካር ወትሩ ኣብ ሃሞምን ቀልቦምን ስቃይ ናይቲ ኣደራዕ ውግእ ዝቅበል መስኪን ህዝቢ ኡክራይና ምዃኑ እውን ኣይሓብኡን።

“ነቲ በዚ ጨካን ውግእ ገና ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና እውን ክንሓስቦ ኣሎና። ስለቶም ብቀጻሊ ዝውህዙ ዘለው ስደተኛታት እውን ክንጽሊ ኣሎና ኢሎም።”

ካብቲ ቅዱስነቶም ዝፈርህዎ ዝነበሩ ኣይወጻእናን ንምባል ዘድፍር ዝንጋዔ ካብ ኩሉ ከኣ ንውግእ ምልማድ ዳርጋ ንዓለምና ተጻዒንዎስ ምቅባል ስደተኛታትስ ይኹን ምሕጋዞም ካብቲ መጀመርያ ዝነበሮ እናኣንቆልቆለ ምኻዱ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዕለት ዕለት እናተሸቊረርካ ብቀጻሊ ኣብዝሓ ዝከታተሎ ዝነበረ ዜና እውን ዳርጋ እናሃሰሰን ብዙሕ ዘየገድስን ኮይኑ ኣብ ዚጐዓዘሉ ዘሎ እዋን ኣብ መሬት ኡክራይና ብደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ኣብ ነፍስወከፍ ደቂቅ ዝቅዘፍ ሕይወት ዝዓኑ ንብረት ዝገደደ ኸኣ ስግኣት ኣቶሚካዊ ጸረርታ ናይቲ መመንጨዊ ኒክለሳዊ ሓይሊ ብወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ሰባት ዝወርድ ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቈጺርካ ኣይውዳእን። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዮም ቅዱስነቶም ስለሰላም እናጸለና ንስደተኛታት ክንቅበል ሓደራ ዝብሉ ዘለው።

ብካልእ ወገን ከኣ ካልእ ማንም ዘይዛረበሉ ግን ከኣ ብቀጻሊ ካብ ናይ ውግእን ግጭትን ዘይውሕድ ሕይወት ሰባት ዝቀዝፍ ዘሎ ባሕሪ ከየገደሶም ካብ ኣፍሪቃ ናብታ ዝቀረበት ደሴት ላምፐዱሳ ብቀጻሊ ንእስክላ ዝድሕና መራኽብ ይመጻ ብምህላወን ኣብዚ እውን ስደተኛታት ኣብ ምቅባል ሕልና ዘለዎ ኩሉ ክሰርሕ ዘዘካኸሩ ቅዱስነቶም እንክኾኑ ምስዚ ተታሓሒዙ ኣብ ዝመጸ ዜና ትማሊ ንግሆ ጥራይ 41 ሰባት ዝሓዛ ጀላቡ ብሓለዋ ባሕሪ ከምዝተታሕዛን ወገን ግሪኽ ዘሎ ባሕሪ ኤጀያ ትማሊ 80 ሰባት ሒዛ ትጐዓዝ ዝነበረት መርከብ ጥሒላ ሕይወት ብዙሓት ከይተቀዝፈ ኣይተርፍን።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ብቋንቋ እስፓኒሽ ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ነቲ ኣብ ክዩባ ዘጋጠመ ሓደጋ ባሪዕ ብምዝካር ንግሥተ ሰማያት ኣደና ድንግል ማርያም ንግዳያት ናይዚ ሓደጋ እዝን ቤተሰቦምን ክትህልዎም ንማህለል፣ ከማኡ እውን ኣብ ዝመጽእ ዓለም ዘሎና ሕይወት እምነትን ተስፋን መስኪርና ንክንክእል ጸጋ ንከትውህበና ስለና እውን ተማልደልና ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 August 2022, 10:06