ድለ

ታሪኽኩም ኣብ ኢድ እግዚአብሔር እምበር ኣብ ትታኸስ ሕይወት ኣይኮነን! ኣይትፍርሁ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 7 ነሐሰ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ብዘይፍርሒ ንጐዓዝ ነዚ በቲ ጐይታ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ ቢሉ ዚኣተወልና ቃል ኪዳን ተኣማሚና ክንገብሮ ምሳኡ ከኣ ከምቲ ንሱ ወትሩ ተዳሊኹም ተጸበዩ ዝበለና ድቃስ ከይወስደና ነቂሕና ንጐዓዝ፣ ብዙሕ ክንጭነቅን ክንህወኽን የብልናን ከመይ ታሪኽና ብወርቂ ቀለም ኣብ ኢድ እግዚአብሔር እዩ ዘሎ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዕለቱ ዘቅረበቶ ወንጌል ሉቃ 12,32 ኰይኑ ‘ኣቱም ንኡስ መጓሰ ኣቦኹም መንግሥቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ ኣይትፍርኁ’ ከማኡ እውን ‘ሕቖኹም ዕጡቕ መብራህትኹም ብሩህ ይኹን።  ንስኻትኩምውን ከምቶም ጐይትኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝጽበይዎ እሞ መጺኡ ምስ ኳሕዂሐ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ። እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁዓን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም እማን እብለኩም ኣለኹ።  ኣብ ካልአይቲ ወይ ኣብ ሣልሰይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ መጺኡ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁዓን እዮም።  ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዝመጸላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ ምነቕሐ ገዝኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። ንስኻትኩምውን ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ ኽመጽእ እዩ እሞ ተዳሊኹም ንበሩ’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነቲ ልሙድ ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ደሓንዶ ሓዲርኩም ቦንጆርኖ ክብሉ ብምኽፋት ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ካብ ዝኾነ ፍርሒ ሓራ ክኾኑ ብምርግጋጽ ወትሩ ነቂሖም ክጸሑ ከኣ ሓደራ ይብሎም። ነዚኤን ክልተ መሠረታውያን ነገራት ከኣ ብቀዳምነት ‘ኣንታ ንኡስ መጓሰ ኣይትፍራህ’ ምስ በለ ኣስዒቡ ከኣ ወትሩ ተዳሊኹም ንበሩ ይብሎም። በቃ ኣይትፍራህ ከማኡ እውን ተዳሊኻ ንበር ይብል። እዚኤን ክልተ ቃላት እዚኤን ነቲ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣደንዚዙ ዝሕዘና ፍርህን ነቂሕናን ተዳሊናን ንከይንጽበ ዝዕንቅጸና ፈተና ድቃስን ይኣልየልና። ኣይትፍርሁ ወትሩ ተዳሊኹም ጽንሑ ኣብ ዝብላ ሓረጋትከስ ሓንሳእ ደው ቢልና ነስተንትን።

ኣይትፍራህ!- በዛ ቃል እዚኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዝኣገረ ንሓዋርያቱ የተባብዖም። ቀቅድሚ እዛ ዝተነበት ክፍሊ ወንጌል ጐይታ እንታይ ክንበልዕ እንታይስ ክንሰቲ እንታይከ ክንክደን ቢልኩም ኣይትጨነቁ፣ ጨጉሪ ርእስኹም ከይተረፋ ቊጹራት እየን። እቲ ነዕዋፍን ሳዕሪ መሮርን ዚሓል ሰማያዊ ኣቦኹም ይሓልየልኩም እዩ ኣይትጨነቁ እናበለ ንደቁ ክንደይ ኣብሊጹ ከምዝሓሊ ስለዚ ክጭነቁን ክህወኹን ከምዘይብሎም ከመይ ታሪኽና ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ስለዝኾነ። እዚ ኣይትፍርሁ ዝብል ዕድመ ኢየሱስ ሎሚ እውን ኣብ ልቢ ነፍስወከፍና የጋውሕ እሎ። ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ነዚ ኩሉ ጸማም እዝኒ ሂብና ምጥርጣርን ታህዋኽን ጭንቀትን ይወሕጠና። እዚ ከኣ ብቀዳምነት ኣይንኽእሎን ኢና ዝብል ፍርሂ ፍቊራት ደቂ እግዚአብሔር ምዃና ኣብ ምጥርጣር ሓጐስ ዝበሃል ጥቃና ኣይቀርብን ዝብል ፍርሂ ወዘተ። በዚ ፍርሂ እዚ ምስ ተወጥርና ከኣ መፍትሒ ያኢ ክንደሊ ገለ መስተዂ እንተረኸብና ቢልና ንብረትን ሃብትን ክንእክብ በዚ ከኣ ገለ ቁሩብ ውሕስነት እንተተሰማዓና ፋሕተርተር ንብል እንተኾነ ኣብዚ እውን ኣብ ዝገደደ ታህዋኽን ቀጻሊ ጭንቀትን ንኣቱ። እንተ ኢየሱስ ግን ኣይትፍርሁ እናበለ ዳግም የረጋግጸልና! በቲ ንዓኹም ኣድላዩ ዝኾነ ኩሉ ክህበኩምን ክገብረልኩምን ስንድው ዝኾነ ፈቃር ኣቦ ተኣማመኑ ይብሉ። ድሮ ነቲ ሓደ ወዱ ሂብኩም መንግሥቱ ዓዲሉኩም ወትሩ ከኣ ብሓልዮት የሰንየኩም ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት እናሓለየልኩም እዩ ዝገብሮ እናበለ የረጋግጸልና። ኣይትፍርሁ!- እነሆ እምበር ኣብ ልብና ኣጥቢቅና ክንሕዞ ዘሎና ርግጽነት! ኣይትፍርሁ!- ኣብዛ ቃል እዚኣ ጠቢቁ ዝነብር ልቢ ዝስምዖ ኣይትፍርሁ እትብል ርግጽነት እያ።

እንተኾነ ጐይታ ብቀጻሊ ይሓልየልናን ይሕልወናና እዩ ዝብል ፍቅራዊ ሓልዮት ኣምላኽ ንክንድቅስ ብትህኪት ንክንጒባእ ሥልጣን ኣይህበናን እዩ። ብኣንጻሩ ወትሩ ነቂሕና ክንሕሉ ስንድዋት ክንከውን ይዕድመና። ምፍቃር ማለትከስ ብዛዕባ ካልኦት ምሕሳብ ንግድነቶም ክትምልስ ስንድው ምዃን ንክትሰምዖም ንክትቅበሎም ስንድው ምዃን እዩ ዘመልክት።

እነሆ እምበኣር እታ ካልአይቲ ሓረግ ‘ወትሩ ስንድዋት ኩኑ’። እዚ ንሎሚ ዝቀርበልና ካልኣይ ዕድመ እዩ። እዚ ብሓቂ ዓቢ ጥበብ ክርስትና እዩ። ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ደጋጊሙ ዝብላ ካልእ ሓረግ እንተልያ እዚኣ እያ፣ ሎሚ ኣብ ዘቅርቦ ወንጌል ከኣ ንቅሓት ከምዘድሊ ሰለስተ ሓጸርቲ ምሳሌታት ብምቅራብ ኣብታ ቀዳመይቲ ሓደ ንመገሻ ዝኸደ ዋና ገዛ ኣብ ዘይተሓስቦ ካብቲ ዝኸዶ መርዓ እንክምለስ እሞ ካብቶም ኣገልገልቱ ተጊሁ ክሕሉ ንዝረኸቦ ዘበርክተሉ ኣገልግሎት እታ ካልአይቲ ምሳሌ ከኣ ዋና ገዛ ወትሩ ኣብ ሓለዋ ቀጽል ከምዝኾነ እንተዘየለ ሰረቅቲ ገዛኡ ከምዝብርብርዎ እታ ሰረቅቲ ዝመጹላ ሰዓት ብዘይምፍላጡ ብቀጻሊ ክሕሉ ከምዘለዎ እታ ሳልሰይቲ ከኣ ድሕሪ ነዊሕ መገሻ ዝምለስ ዋና ገዛን ክድንጒ እዩ ቢሉ ኣብ ሕማቅ ዝተረኽበ ኣገልጋልን። ኮታስ ኩሉ ነቂሕካ ወትሩ ስንድው ኰንካ ምጽናሕ ድቃስን ትኻስን ከይስዕረካ ተጠንቀቅ ዝብል መልእኽቲ ዚሓዘ እዩ። ክንዝንግዕ የብልናን ንውሳጣዊ ትህኪትና ዕድል ክንህቦ የብልናን። ከመይ ጐይታ ኣብ ዘይተጸበናሉ እዋን ደበኽ ክብል እዩ። እዚ ትጽቢት እዚ ኣብ ጐይታ ይሃልወና! ኣይንደቅስ ኣይንታኸስ ወትሩ ተሰናዲና ነቂሕና ንንበር።

ኣብ መወዳእታ ጐይታ ጸብጻብ ናይቲ ዝሃበናን ዝገበረልና ሠናይ ነገራትን ኪሓተና እዩ። ስለዚ ነቂሕካ ምሕላው ሓላፍነትካ ምፍጻም እውን እዩ። እዚ ከኣ ንክንሕልዎን ንክነመሓድሮን ብእምነት ንዝተደዓደለና ሠናይ ነገራት ምስ ሰብን ከባብን ዘሎና ርክባት ሥራሕን እቲ እንነብሮ ቦታት እውን ከይተረፈ ከተማና ተፈጥሮ ኩሉ ክንሕልዎን ብግቡእ ክነመሓድሮን ኣሎና። ካብ ጐይታ ብዙሕ ነገራት ኢና ተቀቢልና። እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ነዚ ጐይታ ዝዓደለኒ ዓቢ ውህበትን ውርሻን ተጠንቂቀዶ እከናኸኖ! ንጽባቄ ተፈጥሮን ጥበቡንዶ እጥቀም ወይስ ንዓይ ብዝጥዕመኒ መንገዲ ንግዝያዊ ጣዕሚ ኣውዕሎ! ነዚ ክንሓስበሉ ኣሎና። ከመይ ሓለውቲ ናይቲ ዝተዓደለና ኢና! ብግቡእዶ እሕልዎን እከናኸኖን ኣሎኹ ቢልና ነስተንትን።

ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ወትሩ ምሳኹም እየ ቢሉ ዘይጠልም ቃሉ ኪዳን ዚኣተወልና ጐይታ ተኣማሚንና ብዘይ ምንም ፍርሒ ንጐዓዝ። ምሳኡ ከኣ ወትሩ ስንድዋትን ኰና ነቂሕና ንጸበ። ከመይ ጐይታ ኪሓልፍ እንከሎ ኣብ ድቃስን ትኻስን ከይንርከብ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ‘ጐይታ ብጥቃይ ኪሓልፍ እንከሎ ዘንጊዔ ከይስተውዓልኩሉ ከይሓልፍ ብጣዕሚ እፈርህ’ ይብል ነበረ። እዚ ከኣ ጐይታ ብጥቃኡ ኪሓልፍ እንከሎ ደቂሱ ከይጸንሕ እሞ ከይረኸቦ ከይሓልፍ ማለቱ እዩ። ሃየ እምበር ወትሩ ስንድዋት ኰና ብንቅሓት ንንበር። እታ ምብጻሕ ጐይታ ብምስንዳውን ብልግስን ተቀበላ ‘እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምዝበልካዮ ይኹነለይ’ እንክብትብል ዝመለሸት ድንግል ማርያም ስንድዋት ኰና ብንቅሓት ንጐይታ ክንጽበ ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2022, 18:35

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >